Tigray Republic

Tigray Republic Tigray Will Be Free

14/09/2021

ቴሌቪዥን ትግራይ Subscribe ይግበሩ!©Copyright: Tigrai Tv Any unauthorised use, copying or distribution is strictly prohibited...........................................

14/09/2021
13/09/2021
13/09/2021

አዲሱ አመት ፋሺስት ውሸታሙን፣ አስመሳዩን፣ አታላዩን ፣ አጉል ልወደድ ባዩን፣ ራስወዳዱን... የሚነቅልልን ዘመን ያድርግልን!

⭕ «ጊዜ ስለሌለኝ ከኖቬል ሽልማት ፕሮግራም ላይ አልገኝም»😂😂😂

⭕ «አንዲት ፈረንሳዊ ላግባህ ብላኝ ስቅስቅ ብዬ አለቀስኩ»😂

⭕ «በተከልነው ችግኝ የሀረማያ ሀቅ ወደ ነበረበት ተመለሰ»😂

⭕ «አረቦችን እስልምና ጠፍቶባችኋል እኛ እናስተምራችሁ አልኳቸው»😂

⭕ «በእኔ ዘመን አሳዳጅና ተሳዳጅ አይኖርም»😂

⭕ «ሳናጣራ አናስርም፣ አስረን መረጃ አንፈልግም» 😂

⭕ «ወደ ትግራይ አንድ ማክስ እንጅ አንድት ጥይት አልክም»😂

⭕ «እመኑኝ አሻግራችኋለሁ»😂

⭕ «ወይዘሪት ብርቱካን ሚቅደሳ ምርጫ አይራዘምም ስላቸው ስልክ ጆሮየ ላይ ዘጉብኝ»😂

⭕ «በአፍሪክ እንደኔ ብዙ ደጋፊ ያለው መሪ የለም»😂

⭕ «ከ14ዓመቴ ጀምሬ ለኦሮሞ ህዝብ ታግያለሁ»😂

⭕ «5 ቢሊዮን ችግኝ የአሜሪካ መንግስት ልትከል ቢል አይችልም፣ እኛ አድርገንዋል»

⭕ «እንድህ አይነት ፋውንቴይንም ሆነ አበባ ዱባይ እና ላስ ቬጋስ እንኳ የላቸውም»😂

⭕ «እያንዳንዱን የመንግስት ስብሰባ በቀጥታ ለህዝብ እናስተላልፋል»😂

⭕ በልጅነቴ እናት ቡና ግዛ ብላ ስትልከኝ መኪናየን አስነስቼ ቡርርር😂😂😂እያደረኩ እሄድ ነበር»

⭕ «ከኖቤል ሽልማት የኢትዮጵያ እናቶች የሚመርቁኝ ይበልጥብኛል»😂

⭕ «ሚዲያ ዘግቶ፣ ተፎካካሪ አስሮ፣ ሃሳብ ዘግቶ የመንደር አለቃ መኮን ይቻላል እንጅ የሀገር መሪ መሆን አይቻልም

⭕ «ሀጫሉን ማንም ሳያውቀው ለ10 ዓመት ያክል ጓደኛዬ ነበር»😂

⭕ «ለማንና እኔን የሚለየን ሞት ነው»😂

⭕ «አምቦን ኒዮርክ እናደርጋታለን»😂

⭕ «ሱፊና ሰለፊ አብረው መስገድ የጀመሩት እኔ ከመጣሁ ነው»😂

⭕ «የወለጋ ህዝብ ውሃ ቡጠይቁት ወተት የሚያጠጣ ነው»😂

⭕ «ወለጋ ከሄድኩ ይገሉኛል፣ በመጨረሻም ከጅማ ህዝብ ጋር ይጋደላሉ»😂 ( ከላይ ያለው አንብቡት ፕሊስ 😁)

⭕ «ፍትሀዊና ዴሞክራሲያዊ ምርጫ እንድካሄድ አደርጋለሁ»😂

⭕ «ስናጠፋ ቆንጥጡን»😂

⭕ «የመለስ ልጅ ነኝ፣ የምርጫ ኮረጆ መገልበጥ አይከብደኝም»😂

⭕ ባለፉት 2 ዓመታትበኦሮሞ ክልል ብቻ 28000 ትቤቶች አስገንብተናል»😂

⭕ «የጨረባ ምርጫን ለማስቆም መንግስት ይገደዳል»😂

⭕ «በ7 ዓመቴ የኢትዮጵያ ንጉስ እንደምሆን አውቅ ነበር»😂

⭕ «……ቦንቡ ሲፈነዳ ጓደኞቼ ሞተው እኔ ብቻ ቀረሁ»😂

⭕ «መግደል መሸነፍ ነው»😂

⭕ «ሸህአላሙዲንን ከሳውድ አስፈትቼ አመጣቸዋለሁ»😂

⭕ «ልጆቼና ቤተሰቤ በስደት ነበሩ»😂

⭕ «አሳምነውን ከእስር ያስፈታሁት እኔ ነኘ»😂

⭕ «ለማ መገርሳ ትላንት በግልፅ ዛሬ በድብቅ አለቃዬ ነው»😂

⭕ «ስንኖር ኢትዮጵያዊ ስንሞት ኢትዮጵያ»😞

⭕« ጠቅላይ ሚ/ር እንደምሆን መለስ ዜናዊም ያውቁ ነበር»😂

⭕ « ልጅ ሆኜ በሻሻ ላይ ጓደኞቼ ጠቅላይ ሚ/ር እንደምሆን ይነግሩኝ ነበር»😂

⭕ «በጥቃቅን ሃሳቦች ትልቅ የሆነ የለም»😂
______
~ጠ/ሚ አብይ አህመድ (2018-2020).
በፀጋዬ አራርሳ!
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

13/09/2021

ካብ ኣንደበት ጀግና ወያናይ በርሀ ጉማ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
“ትግራይ ሰላም ክሰፍን ወትሩ ተጋዳላይ ወትሩ ተዓዋታይ እምቢ ክዕወት ባንዴራ ትግራይ ከንበልብል” እናበለ አብ ልዕሊ መጉዳእቱ እናሓረነ ዝተቀረፆ ምስሊ ብዙሓት ርእዮምዎ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ አላዒሉ ናብ ቃልሲ ክውሕዙ ዝገበረ እዩ - ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ።

ሙሉእ ሽሙ በርሀ ተስፋይ እዩ:: 1975 ዓ.ም አትሒዙ ዝወየነ ድሕሪኡ እውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፀምበረ፤ ሕዚ ድማ ጉጅለ ፋሽሽታዊ አብዩ አሕመድ ምስ መላፍንቱ ዝኾኑ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መሪሑን ተዓዊቱን እዩ።

ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ 184 ምልሻ ዝመርሕ ኮማንደር ሓይሊ እዩ። “400 ወታደራት ፀላኢ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ገይርና ኢና" ይብል መሳርሕትና ጋዜጠኛ ዮውሃንስ አሸብር እቲ ተወግኡ ዝሓረነሉ ኩነታት ሓቲትዎ እንትምልስ። አብ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ጣብያ ቦንካ ኸባቢ ስርነባ ተራኺቦም አለው። ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይን ጋዜጠኛና ዮውሃንስ አሸብርን።
ላዕለዎት አመራርሓ ህ.ወ.ሓ.ት ናብ በረኻ ምስ ወፅኡ ኣብ በረኻ ዓወት ከም ዝመፅእ ሙሉእ እምነት ከም ዝነበሮ ይገልፅ ጅግና ተጋዳላይ በርሀ ተስፋይ። ፀላኢ ጣብያና ጣብያ ቦንካ ብሓይሊ እንተዘይ ኾይኑ ኣይአትዋን ኢሎም ምልሻ እታ ዓዲ አብ መደምደምታ ከም ዝበፅሑ ይዛረብ። ወያናይ በርሀ ተስፋይ 184 ምልሻ ዝመርሕ ኮማንደር ሓይሊ እዩ እሞ ምስ ፀላኢ ፊትንፊት ክገጥም ከም ኹሉ እዋን ቖሪፁ ተበገሰ::መዓዝ ክገጥም ጥራይ ክመርሕን ከዋግእን እውን እምበር።

5 ጥሪ 2013 ዓ.ም ፀላኢ መፂኡ ተባሂሉ:: ምልሻ ጣብያ ቦንካ እውን ድፋዕ ሒዞም። “ድሌት ዘለካ ምልሻ ተበገስ ድሌት ዘይብልካ ድማ ንብረት መንግስቲ ዝኾነ ዕጥቅኻ ከይትህብ ንበረኻ ውፃእ” ዝብል መፀወዓታ ቐሪቡ። ጀጋኑ ወየንቲ ጣብያ ቦንካ ፀላኢ ብጣብያ ሰንዓለ አቢሉ ክከቦም ተልዓለ። ነቶም ጀጋኑ ወየንቲ ክቆፃፀሮም ዝተረፎ የለን። ብርጌድ 21 ዝተሰየመ ሓይሊ ፀላኢ ክውሕጦም ይህንድድ እዩ ዘሎ። ወየንቲ እታ ጣብያ ድማ ብሕራነን ኣይግዛእን በሃላይ መንፈስን ምስ ፀላኢ ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቆም መስተንክራዊ ዓወት ኣመዝጊቦም። “ክልተ ጀጋኑ ወየንቲ ጥራይ ተሰዊኦምና” ይብል ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ፤ 400 ወታደራት ፀላኢ ከም ዝደምሰሱ ብምግላፅ።

ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ ወትሩ ዝዝክረን ዓውደ ኲናት ኣብ ሽረ 604 ኮር ክድምሰስ ከሎ አብ ዝተኻየደ ዓውደ ኹናት ተሳቲፉን ተወግኡን እዩ። 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም ብፅንዓት ምስ ፀላእቲ ዝተዃሽሐ ወያናይ በርሀ ተስፋይ መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ዓወት ሓፊሱ እዩ። አብዚ ዓውደ ኩናት እዩ እምበአር ወያናይ በርሀ ተስፋይ ምስ ተወግአ ኣብ ልቢ ብዙሓት ተጋሩ ዝሓደረ ሕራነ ዝፈጠረ።

ሕዚ ኣብ ኸመይ ኩነታት ይርከብ
ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ መቑሰልቱ እናፀገነ እዩ። ወነ ቃልሱን ፃምእ ዓወቱን ሐዚ እውን ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። “እቲ ቃለሲ ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ከም ዝዛዘም ተጠራጢረ ኣይፈልጥን” ብምባል ዓወት ህዝቢ ትገራይ ሕዚ እውን ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ገፁ ብሩህ ተስፋን ሕራነን እናተነበበ ብወነን ሕራነን ይገልፅ።

11/09/2021

ቴሌቪዥን ትግራይ Subscribe ይግበሩ!©Copyright: Tigrai Tv Any unauthorised use, copying or distribution is strictly prohibited...........................................

11/09/2021

"ዘለና መማረፂ ብዘተ ተኹሲ ጠጠው ምባል ወይ እዚ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ንሰላም ክሳብ ዘይተቐበለ ብወታደራዊ ሓይሊ ምድምሳስ እዩ።” ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ኣቦ መንበር ውድብና ህወሓትን ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ/ም ኣብ ህሉው ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣድሂቡ ካብ ዝሃቦ መግለፂ ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፤

ዝተኸበርኻ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከብ ህዝቢ ትግራይ፣ ነባራት አመራርሓ ፣ መዘና ኣልቦ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ፣ ህዝባዊ ቓልስና ዝደገፍኩም መራሕቲ ሃገራት፣ ዓለም ለኸ ትካላትን ኩሉኹም መዳረግቲ ኣካላትን፤

ልዕሉ ኹሉ ክትዝክሮ፣ክትገልፆን ክትፅሕፎን ቃላት ዝሓፅረካ ኣዝዩ መሪርን መስተንክራዊ ዓወታት ካብ ዘመዝገብናሉ 2013 ዓ/ም ናብ 2014 ዓ/ም እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም። 2014 ዓ/ም ናይ ሰላም፣ ቅሳነት፣ ራህዋ፣ ጥዕናን ፣ሰናይ ስራሕን ብሩህ ተስፋን ኩለመዳያውን ዓመት ክኾነልና መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ብምቅላስ ደመኛ ፀላእትና ዳግማይ ስግኣት ትግራይ ናብ ዘይኮንሉ ኣግባብ ከምንሕምሽሾም ብምትእምምን እዩ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ 2013 ዓ/ም ዝተደራረበ ፉሉይ ፍፃመ ዝተፈፀመላ ዓመት ኮይና ክትምዝገብ እያ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዓቕሞም ኣዋዲዶም ህዝብና ነብራያ ነበረ ክዝንቶ ንምግባር ሰፋሓቲ ዓሞቕትን ተኸታተልቲ ወራራትን ዝተኻየዱሉ፤ ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ብጥይት ፣ ብጥሜት፣ ብጥቕዓት፣ ብፆታዊ ዓመፅ፣ሃፍቲ ምዝማትን ምዕናውን ፈፂሞም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ክፍፀምዩ ተባሂሉ ዘይግመት ዘይናይሰብ ኣረሜኔያዊን ባርባራውን ግፍዕታት ፈፂሞምልና እዮም ።

ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ መኸትኡ ብምሕያል ኣብ ቓልሲ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ድሙቕ ዓወት ኣብዛ ታሪኻዊት 2013 ዓ/ም ፈፂሙ እዩ። ፀላእቱ ደምሲሱ መብዛሕትኡ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ኣውዒሉ፣ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ኣእትዩ ስራሕ ጀሚሩ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ተመንጢሉ ዝነበረ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ዓርሰ ምሕደርኡን ብቓልሱ ናብ ቦትኡ ዝመልሰ ምዃኑ ታሪኽ መዝጊብዎ እዩ። ስለዚ 2013 ዓ/ም ብዓብይኡ እዋን ፀላም ትኹን እምበር ናይ ህዝባዊ መኸተ፣ቓልስን ድሙቕ ዓወት ዝተመዝገበላ ዓመት ኮይና ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ ትዝከር ዓመት እያ።
ሕሉፋት ስውኣት ቓልሲ 17 ዓመትን ናይ እዋን መኸተን ስውኣትናን ዘተኣሳሰረት ዓመት እውን እያ 2013 ዓመተ ምህረት። ስውኣት መኸተ ሕድሪ ቐዳሞት ኣያታቶም ከየዕበሩ ዓብይ ታሪኽ ፅሒፎም ይፅሕፉ እውን ኣለው። ብሓፀሩ 2013 ዓ/ም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝተዳራረበ ቁም ነገር ዝሓዘት፣ናይ ፀላምን ብርሃንን፣ናይ ክሳራን ዓወትን፣ ቀፃሊ ሓዱሽ ዓወት ጥጅእ ጥንሲ ዝሓዘት ፍልይቲ ዓመት እያ፡፡

ኣብ ቀፃሊ 2013 ዓ/ም ዝተፈፀመ ሕውስውስ ዝበለ ታሪኽ ብዝርዝር ተፈቲሹ ምስ ሕሉፍን መፃእን እዋን ዘለዎ ምትእስሳር ብምርዳእን ህዝቢ ትግራይ ደጊሙ ናብ ከምዚ ዝበለ ፈተና ከይኣቱ ቀፃሊ ጉዕዝኡ ውሑስ፣ ናብ ምዕባለን ስግግርን ከይዲ ዘእቱ ክኸውን ኩሉ ዘድሊ ፅንዓት፣ ገምጋምን ምትዕርራይን ክግበር ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ከምቲ ኣብ መኸተና ዘርኣናዮ ብሓባር ክንዓሞ ዘለና ውራይ እዩ።
ይኹን እምበር ቐዳማይ ውራይና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ። ካልኦት ውራያት ነዚ ቀንዲ ውራይና ከይተዳፍኡ ብልክዖም ዝኸዱ ይኾኑ። ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ድማ ፍፁም ሓድነት ክህሉ ግድን እዩ። ኣፈላላይ ሓሳብ ማለት ምዝራግ ሓድነት ማለት ኣይኮነን ። ፀላእን ባንዳን እንተዘይኮይኑ ኣብ ጉዳያት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ፍፁም ሓድነት ክህሉ ግና ግድን እዩ። ህዝቢ ትግራይ በዚ መኸተ ዝሓዞ ፖለቲካዊ መርገፂ ተመሳሳሊ ጥራይ እንተይኮነስ ሓደ ምዃኑ ውሽጣዊ ሓድነቱ ክሳብ ክንደየናይ ስጡም ምዃኑ ከም ሓደ ሰብ ዝተጠመረ ሓደ ህዝቢ ምዃኑ ንኹሉ ኣርእዩ እዩ። ምንጪ ኩሎም ዓወታትና ድማ ሓድነት ዕላማናን ውሽጣዊ ጥንካረናን ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ። እዚ ተጠናኺሩ ክኸይድ ዝግበኦ እዩ።

ኣብ ካልኦት ጉዳያት ግና ሽሕ ሐሳብ እንተሃለወ ሃፍቲ እምበር ፀገም ኣይኸውንን። ምእንተ ምንታይ ዝተፈላለየ ሓሳብ ምህላው ኣብ ዝሓፀረ እዋን ለውጢ ዘምፅእ ምሩፅ ፁሩይ ሓሳብ ንምምራፅን ንምውህሃድን ስለዝጠቅም እዩ። ኣብዚ እቲ ቁም ነገር ብዝሰልጠነ ኣፋላላይ ምትእንጋድን ውሳነ ዘድልዮ ድማ ብኣግባቡን ብመንገዱን ውሳነ ክረክብ ምግባር እዩ። ዝለዓለ ውሳነ ኣብ ዝድለየሉ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ብውሳነ ህዝቢ ትግራይ መዕለቢ ዝግበረሉ ይኸውን።

ካብ ኤርትራ ንህዝቢ ትግራይ ዝወረሩን ብገበን ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ዝሕተቱ ብውልቀ መላኺ ኢሳያይስ ዝምራሕ መንግስትን ሰራዊት ኤርትራን ከም ትካል ኩሎም እዮም። ብድምር እዞም ደም ንፁሃት ብምፍሳስ ዝሃጠሩ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢትግራይ ዝፈፀምዎ ምፅናት ዘርኢ ጨፍጫፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐሊሉ ዛይሃስስን ዘይሓውን ስነኣእምሯኣዊ በሰላን ሰብኣዊ ህልቂት ቅልውላውን ኣብፂሖም እዮም። ብወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጅምላዊ ጨፍጫፍን ምፅናት ዘርእን ካብቶም ኣብ ዓለም ከም እኒ ሩዋንዳ ቱትስ ፣ ኣርመናውያን፣ ሞንጎሊያ፣ እስራኤልን ካልኦትን እንትነፃፀር ብዓይነቱ ፍሉይ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር ህዝብና ብፍላይ ተመራመርቲ ልሂቃን ስነ ልቦናን ካልኦትን ዝኾንኩም ተጋሩ ብፍላይ ኣብቶም ካብ መረበቶም ተመነዛቢሎም ደኽቲሞም ኣብ ከቢድ ስነ አእምሯኣዊ ፀቕጢ ዘለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ካብቲ ዘለዎም ፀገማት ተናጊፎም ብጥዑይ ኣእምሮ ትምህትርቶም ዝከታተልሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃምኩም ክትዋፅኡ ይፅውዕ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዓመተ 2013 ዓ/ም ህልቂትን ዓወትን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ህዝባዊ ዕላማናን መትከላዊ እምነታትናን ክብርታትናን ዝብገሱ መሰረታዊ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፣ ወታደራውን ዴፕሎማሲያውን ዓወታት ዝተመዝገብሉ ዓመት ብምኟኑ እዛ ተኣምራዊ መስተንክራዊ ቅያ ተመዝጊቡላ ንሰናበታ ዘለና ዓመት ብቐፃሊ ወለዶታት ትግራይ ብፍላይ እናተዘከረት ክትነብር እያ። ስለዚ “ብዘይ መስዋእቲ ዓወት የለን” ዝብል ህዝቢ ትግራይ ሕድሪ ሎምን ትማልን ስውኣት ኣፅኒዑ ሒዙ ደመኛ ፀላእትና ደዃዕዃዕ የብሎም ስለዘሎ ህዝብና ብመስዋእቲ ኣያታቱ፣ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ተሓቢኑ ንቕድሚት ክስጉም ገበሮ እምበር ርእሱ ኣድኒኑ ክስኮን ኣይገበሮን፤ ንቕድሚት እውን ብዝበለፀ ሓሪኑ ተኣምር ከምዝሰርሕ ኣየጠራጥርን !
ንህዝቢ ከገልግል፣ ሉኣላዊ ስልጣን ህዝቢ ንኽኽበር ፣ ሰላምን ፀጥታን ክረጋገፅ ፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ክሳለጥን ህዝቢ ዝሃቦ ሓደራ ኣብ እንግድዑ ዝተሸከመ መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ፣ ፍትሓውን ተቐባልነት ዘለዎ ህዝባዊ ኲናትና እናመርሐ ኣብዚ በዚፀሕናዮ ዘለና ደረጃ ክበፅሕ ብምኽኣሉ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይና ናይ ባዕሉ ቦታ ሒዙ ኣሎ።

ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ህዝብን መንግስትን ትግራይ እናሃለው ማለት ሕልሚ ንግስና ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ከምዘይረጋገፅ ፤ ከምኡ እውን ሃርጓፍ ድሌትን ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምዃን ባህጊ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ከምዘይሳኻዕ ስለዝፈልጡ እዮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣረሜኔያው ወራር ዘካየዱን ዘካይዱን ዘለው ።
ዓለም ዘስደመመን ደመኛ ፀላእትና ልክዖም ክፈልጡ ዝገበረን ዓወታትና ሳላ ናይ መስዋእቲ ወለዶ እናተበሃለ ዝፅዋዕ ትውልድን ሓዱሽ ወለዶን ጠስምን ድልኽን ኮይኖም ቤዛ ህዝቦም ስለዝተዋደቑ ብቐንዱ ድማ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ማይን ፀባን ኮይኑ ቀንዲ ተዋሳኢ ህዝባዊ ኲናት ባዕሉ ምዃኑ ስለዘመስከረ እዩ። ኣብ 2013 ዓ/ም ብዙሓት ዓወታት ዘመዝገብናሉ ዓመት ምዃኑ ኣብዚ መዳይ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኣሎ። ኣብዚ ውረድ ደይብ ዝንበሮ ጉዕዞ 2013 ዓ/ም ህዝባዊ ቃልስና ዝዓመሙ ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ሕዚ እውን ኣይተዓወቱን ። ብርግፅ ጉጅል ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብሰራዊት ትግራይ ተዳሂኹ ጭርኡ ደጒሉ 21 ሰነ 2013ዓ/ም ካብ ሰሜናዊት ኮኾብ ትግራይና ዝኾነ ከተማ መቐለ ብምህዳሙ መንግስቲ ትግራይ ዋላ ናብ ቦትኡ እንተተመለሰ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ መሊኡ ሓራ ስለዘይወፀ ዓወትና ምሉእ ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዝኾነ እውን ምድፍፋእ ዝህልዎ ቀፃሊ ከቢድ ጉዕዞ ይፅበየና ከምዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ተረዲኡ ኣብ ተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ክንነጥፍ ን ብዕቱብ ክንረባረብን ይግባእ።

ኣብዚ እዋን ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዘይተናገፈ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ ድማ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ። ስለዚ መፃኢ ወፍርታትና ንምዕዋት ህዝብና ትገብሮ ዘለኻ ገንዘባውን ማተሪያላውን ሓገዝን ርብርብን ፀላእትና ዳጊሞም ስግኣት ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኾኑ ክሳብ እነረጋግፅ ወፈያኻ ኣሕይልካ ከም እትቕፅለሉ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ኣይጠራጠርን።
ብሓፂሩ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ መትከላት፣ ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን ዝኾነ ህዝባዊ ውግንና ፣ ልዕልና ህዝቢ፣ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ስጡም ጥርናፈን ልዕልና ሕግን ክብርታት ዓርሰ እምነት ፣ዓርሰ ምርኮሳ ፣ ፅንዓት ፣ ጅግንነት፣ ዘይምንብርካኽ ፣ ቅንዕና፣ ሓልዮት፣ ብፃይነት ተሓጋጊዝካ ፀልማት ምስጋር ዝመሳሰሉ ህዝብና ጨቢጡ ንህይወቱን ንብረቱን ከይሰሰዐ ድርርብርብ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ስለዚ ንቓልሲ ወትሩ ድልው ዝኾነ መስዋእቲ ንምኽፋል ንድሕሪት ዘይብል ህዝብና ሒዝና ዘይንሰግሮ ፀገም ዘይንስዕሮ ወራርን ፈፂሙ ከምዘይህሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን ።
ሰራዊትና ናብ ዓፋርን ኣምሓራን እንትኣቱ ዝተገበረሉ ኣቀባብላ ሕዚ እውን ህዝቢ ንህዝቢ ሽግር ከምዘይብሉ ዘረጋግፅ እዩ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ንምውዳቕን ንቐፃሊ ብሓባር ንምስራሕን ምሳኹም ተሓባቢርና ክንሰርሕ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፀልኩም ንፈቱ። ፋሽሽስታዊ መንግስቲ ኣብዪ ወታደራዊ ዓቕሙ ተዳኺሙ ስለዘሎ ካፍትን ካፍትን ዝተፈላለዩ ኣፅዋርን ድሮነን ኣምፅኤ ተጠቒመ ፣ በዝሒ ሰራዊትን ኣሃዱታትን ኣሰሊፈ ኩነታት ክቕይሮ ኢሉ ይረባረብ ኣሎ። ኣፅዋር ንምዕዳግ ዝግበር ዘሎ ጉያ እውን ዝገርም እዩ። “ከምቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከምዝበሃል ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዘለሉ ኩነታት ፉሉይን ማዕበላይን ምዃኑ ክርድኡ ዘይኽእሉ ፀላእቲ ኣብ ናይ ቀደም ሓሳቦም ተሸኺሎም ዝረባረቡ ዘለው እዮም። ከም ደርጊ ሓይሊ ሰብን ኣሃዱታትን ብምውሳኽ መሰረታዊ ወታደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ዝቕይር ዝመስሎ ፋሽሽታዊ መንግስቲ መጨረሽትኡ ውድቀቱ ምስላጥ እዩ። ስሩዕ ሰራዊቶም ኣወዲኦም ፉሉይ ሓይሊ ክልላት ምሊሻታትን ውልቀ ዕጡቓትን ኣውፊሮም ፈሺልዎም እዩ። ብኽተት መናእሰይ፣ ተረፍ መረፍ ሰራዊት ደርጊ ዝነበሩ ብምኽታት ሕዚ እውን ስቪላት የሰልፍ ኣሎ። ከምደርጊ ብድርሕሪት ንዝሃድም ወተሃደር ዝቐትል ሓይሊ መዲቦም ብፍላይ ተወለድቲ ኦሮሞን ደቡብን ግዳይ ይኾኑ ኣለው።

እዚ ኩሉ ዘሕፍርን ሕሱርን ሞት እዩ። ሕዚ እውን ወተሃደራት ፋሽሽቲ ኣብይ ንባዕልኹምን ንኽብርኹምን ኢልኩም ኣብ ልዕሊ ፋሽሽቲ ኣብይ ተለዓሉ። ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ንደቅኹምን ንባዕልኹምን ኢልኩም ካብዚ ሕሱር ታሪኽ ሞት ንባዕልኹም ኣድሕኑ ። ነዚ ኹሉ ሕምስምስ ምኽንያት ዝኾነ ስርዓት ፋሽሽቲ ኣብይ ክሕተትን ክወድቕን ተለዓሉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤
ልኡኽ ሰራዊትና ዜና እንተይኮነስ ታሪኽ ምስራሕ እንትኸውን ፀላእትና ዝደልይዎ ዘለው ንዜና ዝኸውን ንበዓል መድመቒ ዝኸውን ዓወት መሳሊ ንምርካብ እዩ። ልኡኽ ሰራዊትና ግና ሓይሊ ፀላእትና ንምድምሳስ እዩ። ነዚ ልኡኽ ንምዕዋት ድማ ዘድሊ ኩሉ ምትዕፅፅፍ ዝገብር ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ዝምራሕ ኣወፋፍራ ዘለዎ ሰራዊትና ወፍርታቱ ብምዕራብ ይኹን ብምብራቕ ብደቡብ ይኹን ብኻሊእ ኣንፈት ተደሚሩ ምድምሳስ ፀላኢ ዘረጋግፁ ወታደራዊ ስርሒት ክኾኑ እዩ ዝረባረብ ዘሎ። እዚ ፍሉይ ታሪኽ ዝሰርሐን ዝሰርሕ ዘሎን ተኣምረኛ ሰራዊት ብማዓልታት ካብ ደባይ ናብ መደበኛ ብሰሙናት ናብ መካናይዝድ ሓይሊ ዝዓቢ ፍሉይ ሰራዊት ወዲ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

እዞም ፀላእቲ እንተይጠፍኡ ድቃስ ክህልወና የብሉን! ግዜን ዕድልን ምስረኸቡ እንታይ ይሓስቡልና ከምዘለው ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ፀኒዕና ብምቅላስ እቲ ዘይተርፍ ዓወት ነመዝግብ ። ንሕና ብተደጋጋሚ መማረፂ ኣቐሚጥና ኢና። ብዘተ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባልን ጉዳያት ብኣግባቡ ክፍትሑ ምፅዓር እንተዘየለ ብውግእ ፀላኢ ምድምሳስ እዩ። እዚ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ንሰላም ክሳብ ዘይተቐበለ ብወታደራዊ ሓይሊ ክድምሰስ ምግባር እዩ። ገሊኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኮይኑ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ድማ ተኸቢቡ ኣገልግሎት ስልኪ፣ ባንክን ትራንስፖርትን ዓፅዩ ብጥሜትን ሕማምን ክንረግፍን ክንውዳእን ህዝቢ ናይ ምፅናት ፕሮጀክት ሒዙ ይቕፅል ስለዘሎ ቃልስና እውን ኣሐይልና ክንቅፅል ይግባእ።

ኣብዚ እዋን ትግራይ መሊኣ ሓራ ስለዝይወፀት ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኢኮነሚያውን ፀገማት ተቓሊስካ ሕሱም ናብራ ክትደፍእ ተገዲድካ ኣለኻ ። ስግኣት ፀላእትኻ ከይኣኽለካ ካልኦት ማሕበራዊን ኢኮነሚያውን ፀገማት ይደራረቡኻ ኣለው። ከም መንግስቲ ኣብ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌ፣ መሰረታዊ ሸቐጣትን ካልኦትን ዝረኣዩ ግዜያውን ቀፀልትን መፍትሒታት ተግባራዊ ብምግባር ፀገማት ህዝብና ክነቃልል ክንረባረብ ኢና። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ተሸኪሙዎ ዘሎ ፃውራ ዓዕርዩ ከቢድን ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ እውን ናይ ባዕሉ ግዜ ዝጠልብ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ተደራሪብዎ ዘሎ ሽግራት ተፃዊሩ ፀላእቱ ደራዒሙ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ/ም ብተወሰነ ደረጃ ካብ ፀገሙ ከምዝላቐቕ ኣያጠራጥን፡ ፡

ደጊመ ሰናይ ሓዱሽ ዓመተ 2014 ዓ/ም ክኾነልና ይምነ!
ሕድሪ ትማልን ሎምን ስውኣትና ኣይነዕብርን!
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና !
ትግራይ ስዒራ ! መሊኣ እውን ክትስዕር እያ!

11/09/2021

ሰበር ዜና ዓወት !!

ሓየት ሰራዊት ትግራይ፣ ኣብዝደለዮ እዋን ብመንፅር ስትራተጂካዊ ረብሓ ብምምዛን ተመሊሱ ዝደለዮ ቦታ ምሓዝ ከምዝኽእል ብዝገለፆ መሰረት ብርክት ዝበሉ ወታደራት ፀላእቲ ብምድምሳስን ፀላእቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣፅዋር ብምምንዛዕ ዋና ከተማ ዋግህምራ ዝኾት ሰቖጣን ካልኦት ከባቢታትን ተቖፃፂሩ ኣሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ኣንብቡ!!

እንኳዕ ደስ በለና !!

ትግራይ ትስዕር !!

source, ድወት

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Republic posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share