Gebremedhin Hagos Melketsadik

Gebremedhin Hagos Melketsadik If you don't like the road you are walking, start paving another one for.

28/03/2026

ተስፋ ህዝቢ ዝኾነ ስራሕስ ኣብዚ እኒሄ፣

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Wedi Ethiopia Wedi Ethiopia
28/03/2026

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Wedi Ethiopia Wedi Ethiopia

ሰላም ንኹሉ!
11/03/2026

ሰላም ንኹሉ!

ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግታዊ ድንጋገታት  ብምጥሓስ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ  ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳነ እዩ። ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ንዝገደደ ፀገም ዘወሳስብ እዩ።ስለዚ ቤት ምኽሪ ...
23/02/2026

ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግታዊ ድንጋገታት ብምጥሓስ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳነ እዩ። ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ንዝገደደ ፀገም ዘወሳስብ እዩ።

ስለዚ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ቦርድመረፃን ኢትዮጵያ ከይወዓለ ከይሓደረ ቐልጢፉ (2) ክእረሞ ዝግባእ።

 #ሕብረት  #ሰራሕ  #ማሕበራት ትግራይ - ማእገር  ሕውየት ማሕበረ-ኢኮኒኖሚ ህዝብና !!!*************$$$$$*****************ብመሰረት ፈደራል ኣዋጅ 985/2009 ፣ ክ...
08/11/2025

#ሕብረት #ሰራሕ #ማሕበራት ትግራይ - ማእገር ሕውየት ማሕበረ-ኢኮኒኖሚ ህዝብና !!!
*************$$$$$*****************

ብመሰረት ፈደራል ኣዋጅ 985/2009 ፣ ክልልና ኣዋጅ 145/2000፣ ክልልና ደንቢ 77/2005 ዝብደንገጎ ሕጊ ኣግባብ፣ #ዓዲጉደም #ኩለመዳይ #ሓላፍነቱ #ዝተወሰነ #ዩኒየን #ሕብረት ስራሕ ማሕበር ሎሚ 29 ጥቅምቲ 2018ኣ.ግ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ዓዲጉደም ተካይድ ኣላ።

ዓዲጉደም ኩለመዳይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዩኒየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር #ኣብ ወረዳታት ዓዲጉደም፣ ሕንጣሎ፣ን ዕስራ ዓዲ ወጀራት እተገልግል ኮይና ኣብ ትሕቲኣ 25 መሰረታዊ ኩለመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብኣባልነት ዝሓዘት እያ።

ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ብአጀንዳ ዝተትሓዙ

1) ዓመታዊ ናይ ስራሕ ፀብፃብ
2) ካብ 2012-2017 ኦዲት ፀብፃብ
3) ትልሚ ጠቕላላ ስራሕ 2018
4) መረፃ ኣመራርሓ ቦርድ ሕ/ስ/ማሕበር

ዓዲጉደም ኩለመዳይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዩኒየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር #እትህቦም #ኣገልግሎትን ስራሕትን

(1) መሰረታዊ ሸቐጥ ጣፍ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር ምክፍፋል
(2) ዘመናዊ ትራክተር ማሕረስ
(3) መዝበጢ ዓውቲ ክራይ ማሽናት(ትሬሸር)
(4) ማይ ሞተር ቐረብ ንሓረስታይ
(5) መድሓኒታት ፀረ ባልዕ፣ ፀረ ፃህያይ
(6) ዘርኢ ኣሕምልቲ
(7) ናውቲ ሕርሻን መንፀጊን
(8) ቐለብ እንስሳ ምጥሓን ምድላው
(9) መዳበርያ ወይ ዘመናዊ ድኹዒ፣ ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስታይ ምክፍፋል ካልኦትን ንሓረስታይ ወረዳታት ዓዲጉደም፣ ሕንጣሎ፣ዕስራ ዓዲ ወጀራት እተገልግል ዘላ እያ።

ዓዲጉደም ኩለመዳይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዩኒየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ለካቲት 1997ኣ.ግ ዝተመስረተት ኮይና ዘለዋ ጠቕላላ ሃፍቲ 132 ሚልየን ቕርሺ ፣ ብዓይነት ሃፍቲ መኻይን፣ ትራክተራት፣ መዝርኢት ህንፃታት፣ ማሽነሪራታታት ዝወነናት ከምኡ 'ውን 43 ቐወምቲ ስረሕተኛታት ወዲባ እተነጥፍ ዘሎ ጠንካራ ሕብረት ስራሕ ማሕበር እያ።


Together with Cooperatives!!

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን

International Cooperative Alliance
Ethiopian Cooperative Commission

Gebremedhin Hagos
29 ጥቅምቲ 2018ኣ.ግ
#ዓዲጉደም

 #ህፁፅ ስግኣት እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲና ሓረስታይ ትግራይFollowersFollowers
30/10/2025

#ህፁፅ ስግኣት እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲና ሓረስታይ ትግራይ

FollowersFollowers

 #ሕብረት ስራሕ  #ማሕበራት ትግራይ-  ማእገር ሕውየት ማሕብረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ኮይነን ቐፂለንስነ-ስርዓት ርክክብ መኻይን!  #ፋና መናእሰይ  #ሓላፍነቱ ዝተወሰነ  #መሰረታዊ ዕቋርን ልቓሕ...
25/10/2025

#ሕብረት ስራሕ #ማሕበራት ትግራይ- ማእገር ሕውየት ማሕብረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ኮይነን ቐፂለን

ስነ-ስርዓት ርክክብ መኻይን!

#ፋና መናእሰይ #ሓላፍነቱ ዝተወሰነ #መሰረታዊ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር

ንዓቖርቲ ኣባላታ ምስ ኢግል ኣውቶሞቲቭ ሞተርስን ሾው ሩምን ብምኻን ሎማዕንቲ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም 27 ዝተፈላለያ ዓይነታት ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ብልቓሕ ንኣባላት ፋና መናእሰይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበርም እዚ ዝተካየደ ርክክብ ንካልኣይ ግዘ ኮይኑ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 59 ዝተፈላለያ ዓይነታት ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ንኣባላት ፋና መናእሰይ ብልቓሕ ተዋሂቡ እዩ።

#ፋና መናእሰይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ካብተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ 971 ናይ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ሓንቲ ኮይና ልዕሊ 40 ሽሕ ኣባላት፣ 37 ጨንፈራት፣ 2.4 ቢልየን ብር ካፒታል ዝወነነት ኣብዚ ቐረባ መዓልቲ ድማ ናይ International Cooperative Alliance ኣባል ኮይና እትንቀስቐስ ዘላ ጠንካራ ሕ/ስ/ማሕበር እያ።

በትርዑ መላእ ኣባላትን ኣመራርሓን

Gebremedhin Hagos
ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን

Strategic Reform for Cooperatives!ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕደጋን ትግራይ፣  ማናጅመንት ኣመራርሓን ሪፎርም ኮሚቴ ብሓባር  ኣብ ዙርያ መፅናዕታዊ (ንልዕሊ ...
09/10/2025

Strategic Reform for Cooperatives!

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕደጋን ትግራይ፣ ማናጅመንት ኣመራርሓን ሪፎርም ኮሚቴ ብሓባር ኣብ ዙርያ መፅናዕታዊ (ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክካየድ ዝፀንሐ) ሰነድን ትግበራ Reform Cooperatives ዝምልከት ዘተ ጀሚሩ።

እዚ መድረኽ ዓሚቕን ኣብዚ ዘርፊ ስትራቴጁክ ለውጢ ዘመፅእ መድረኽ ሎሚ 29 መስከረም 2018ኣ/ግ ጀሚሩ ክሳብ ፅባሕ ክቕፅል እዩ። ወሰንቲ ዝብሃሉ ኣንፈታትን ወሳነታትን ከሕልፍ እዩ።

ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ትግራይ ብብቕዓት ንምምራሕ ንምድጋፍ ተወዳዳራይነት ንምዕባይ ብፍላይ ኣካል ሕውየት ትግራይ ክኾነ ከም ኤጀንሲ ምስ መላእ መሓውሩ ይሰርሕ ኣሎ።

ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ!!

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን
መቐለ፣

 #ሕብረት ስራሕ ማሕበራትና ሐዚ 'ውን  ፅላል ሓረስታይ ትግራይ  እየን!!!===================ካብተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ 34 ጠንካራ ከለመዳይ ዩኑየን  ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሓ...
07/10/2025

#ሕብረት ስራሕ ማሕበራትና ሐዚ 'ውን
ፅላል ሓረስታይ ትግራይ እየን!!!
===================

ካብተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ 34 ጠንካራ ከለመዳይ ዩኑየን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሓንቲ ዝኾነት #ኣብ ወረዳ ሰብዓ እንደርታ እትርከብ #ከለመዳይ ዩኒየን ዝኾነት ብመሰረት ኣዋጃት 985/2009 ፈደራል ፣ 145/2000 ትግራይ፣ ደንቢ 77/2005 ትግራይ ሎሚ ዕለት 27/01/2018ዓ/ም መበል 18 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብድሙቕ ኩነታት ኣብ ከተማ መቐለ ተካይድ ኣላ።

#እንድርታ ኩለመዳይ ዩኒየን ብ1995 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ስብዓ እንደርታ ተመስሪታ፣ ሐዚ ልዕሊ 128 ሚልየን ብር ካፒታል፣ 32 ቐወምቲ ስራሕተኛታት፣ 24 መሰረትዊ ኩለመዳይ ማሕበራት ኣባላት ሒዛ ሓረስታይ እንድርታ ንምልዋጥ ፅላል ኮይና ትቕፅል ዘላ ማሕበር እያ።

ናይታ ኩለመዳይ ዩኒየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣባላት ዝኾና ከለመዳይ መሰርታዊ ማሕበራት ካብ ኩለን ጣብያት ዝመፁ ጉባኤተኛታት ብድሙቅ ከይዲ ተሳልጥ አላ።

ኣጀንዳታት ናይዚ ጉብኤ

• ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 2017
• ስራሕ ፀብፃብ ቑፅፅር ኮሚቴ
• ፀብፃብ ኦዲት
• ኣመራርሓ ቦርድ ገምጊምካ ምምራፅ
• ምምሕያሽ ሕገ ደንቢ እንደርታ ከለማደይ ዩኒየን
• ትልሚ ስራሕ በጀትን 2018 ዓም

ዝብሉ ኣጀንዳታት ሒዞም ይመያየጡ አለው።

እንደርታ ኩለመዳይ ዩኒየን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ንሓረስታይ ስብዓ እንደርታ እትህቦም ግልጋሎታት

1) ትራክተር ማሕረስ
2) መዝበጢ ዓውቲ ክራይ ማሽናት
3) ማይ ሞተር
4) ፀረ ባልዕ፣ ፀረ ፃህያይ
5) ዘርኢ ኣሕምልቲ
6) ናውቲ ሕርሻን መንፀጊን
7) መዳበርያ፣ ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስታይ ምዓዳል ካልኦትን ንሓረስታይ ተገልግል ኣላ።

እናሰርሐት እትርከብ እያ። እንደርታ ኩለመዳይ ዩነየን ሐዚ ዘለዋ ዓቕሚ
#8 ዓበይቲ መኻዚኖታት፣
#8 መኻይን፣
#3 ዘመናዊ ትራክተራት፣
#ትሬሸራት፣
#ንህቢ ልምዓት፣
#2 ዓበይቲ ተሰሓብቲ መኻይን፣
#ሓደ ፋብሪካ መቀነባበሪ ማደበርያ
#ምጥን መቀነባበሪ ፋብሪካ ካልኦት ህንፃታትን ዝወነነት ጠንካራ ማሕበር እያ።

ገ/መድህን ሓጎስ

@ኤጀንሲ ሕብረት ሰራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕደጋን ትግራይ

Tigrai Cooperative and Market Development Agency,




Tigray Bureau of Agriculture and Natural Resource
Tigray Communication Affairs Bureau
Ethiopian Cooperative Commission

Amigos Saving & Credit Cooperative, Ltd.
27/09/2025

Amigos Saving & Credit Cooperative, Ltd.

ማእገር ልምዓት፣ ሕውየትን ሓድነትን  #ትግራይ ዝኾና ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕ  ሕብረት ስራሕ ማሕበራት  ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከባ፣===========€£¥$$$$$$$============ኣሚጎስ...
27/09/2025

ማእገር ልምዓት፣ ሕውየትን ሓድነትን #ትግራይ ዝኾና ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከባ፣
===========€£¥$$$$$$$============

ኣሚጎስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋር ዝመርሖ ልቓሕ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ።

መበል 11 ጨንፈር ዕቋርን ልቓሕን መስኮቱ ብምኽንያት መስቀል ብዓል ሎሚ 17/01/2018 ዓ/ም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ዕዱማት ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸፊቱ ኣሎ።

ብኩነት ዝተሃሰየ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ
ንምንቅቃሕ ብፍላይ ዕቋርን ንስራሕ ፈጠራ ወሳኒ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ዝገብራ ዘለዋ ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከም እኒ
ስራሕቱ የስፍሕ ኣሎ።

ከም #ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕደጋን ትግራይ መትከላት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብምሓዝ ብምውዳብ፣ ብምድጋፍ፣ ብምቁፅፃር ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ዛጊድ ብድምር ልዕሊ 6046 መስረታዊ፣ ዩኒየናት፣ ፌደሬሽን ኩለመዳይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ተወዲበን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባ። ዝጊድ ዝለዐለ ዓቕሚን ተወዳዳራይነትን ንምስፋሕ ብዕቱብ ክንሰርሕ ኢና።

ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ትግራይ ንሕውየትና!!

ርሑስ በዓል መስቀል!


 #ዝተኸበርኩም አባላትን ሰብ ዋናን ፋና መናእሰይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መስረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዝኾንኩም ጉባኤተኛታትብሙሉእኹም፣ ዕድማት ኣጋይሽ ክቡራን ክቡራትንመበል 1...
14/09/2025

#ዝተኸበርኩም አባላትን ሰብ ዋናን ፋና መናእሰይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መስረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዝኾንኩም ጉባኤተኛታት
ብሙሉእኹም፣
ዕድማት ኣጋይሽ ክቡራን ክቡራትን
መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝኾንኩም ጉባኤተኛታት
ናይ ሚድያ ኣባላት ዕዱማት ኣጋይሽን

#ፈለማ ኣብ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፋና መናእስይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን መንግስቲ ወኪለ መልእክቲ ከቕርብ ዕድል ብምርካበይ ዝተሰመዐኒ ክብሪ ዝለዓለ እዩ፡፡

ብመሰረት መትከላት ሕብረት ስራሕ ማሕበር Cooperatives Society ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብፍቓደኝነት ዝተመስረተ ሕብረት ብምፍጣር ብገንዘብ፤ ብፍልጠት፤ ብንብረትን ጉልበትን ብምትሕብባር ኢኮኖሚያዊ፤ ማሕበራዊ፤ ባህላዊን ካልኦት ሓበራዊ ባህጊ/ድሌት ብምምላእ ነኒባዕሎም ብምትሕብባርን ብምድግጋፍን ኢኮኖሚ ዝፈጥሩ ዲሞክራሲያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምውዳብን ብምምስራትን ሓቢሮም ዝሰርሑ ወሰንቲ ትካላት እዮም፡፡

ስለዝኾነ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ፖሊሲ ልምዓትና መሰረት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምውዳብ ሕብረተሰብና በብውልቁ ዘይፈትሖም ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ተወዲቡ ብዝነብረሉ፤ ዝሰርሕሉ ብሞይኡ ተወዲቡ ንኣባላቱን ንኸባቢ ሕ/ተሰብን ፍርያትን መፍሪያይነትን ሕርሻ ዘዕብዩ ዝተፈላለዩ እታወታትን ቴክኖሎጂን ኣብ ምቕራብን፤ ፍርያት ኣብ ምፍራይን፤ ዕዳጋ ኣብ ምትእስሳርን፤ መሰረታዊ ሸቀጣት ብምቕራብ ዕዳጋ ብምርግጋዕ፤ ኣብ ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕን ብፅሒተን ክፃወታን ከም ኤጅንሲ ኣብ ምውዳብ ፣ ግሌጋሎት ምኽሪ ሕግን ሕጋዊ ሰውነትን ምሃብ፣ ኦዲት ምግባር ፣ ናይ ዕዲጋ ሓበሬታ ምሃብ ፣ ኣብ ዘዘርፊ ምርምር ንምክያድን ካሌኦት ቴክኒካት ጉዲያት ሓገዝን ንምሃብ ዝመርሕ ዝሰርሕ ዘሎ መንግስታዊ ቤት ዕዮ እዩ፡፡

ህዝብና ካብ ሃረፃን ምዝመዛን ንምንጋፍ ዝመስረተን ዕቋርን ልቓሕን ማሕበራት ገንዘብ ኣብ ምዕቛር ልቓሕ ምሃብን ናብ መፍረይነትን ስራሕ ምፍጣርን ክኣቱ ዕቋርን ልቓሕን ዕድላት ብምፍጣር ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ የበርክታ ኣለዋ፡፡ ኣወዳድበአን ሕጋዊ ስርዓት ዘለዎ ብናይ ፌደራል ኣዋጅ 985/2009፤ ብናይ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 145/2000 ብዝተውሃቦ ሓላፍነት እናተዋፅአ ይርከብ፡፡ ድኽነትን ድሕረትን ንምውጋድ ፤ ዜጋታት ፍትሃዊ ተጠቃሚነትን ብኢኮኖሚ ምትስስር ዘለዎም ረብሓ ንምዕባይ ኣብ ነፃ ኢኮኖሚ ዕዳጋ ጠንካራ ዓቕሚን ውድድርን ቑጠባዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ዝለዓለ ርብርብ ዝገብራ ዘለዋ እየን፡፡

ንከተማን ገጠርን ሕብረተሰብ ንምትእስሳር ስትራቴጂክ ቢዝነስ ትካላት ብምዃነን ምዕሩይ ቢዝነስን ዕዳጋ ከረጋግኣ ፣ክፍተት ዕዳጋ ብምምላእ፣ ናይ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኢንዳስትሪ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ መነባበሮ ሕብረተሰብ ምምሕያሽ ዝለዓለ ግደ ዝፃወታ እየን፡፡ እዚ ዘርፊ ስራሕ ሰፊሕን ዓሚቕን ብምዃኑ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ውዳበታት ማለት ፋይናንስ/ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር (financial cooperative) ህዝብና ዕቋር ዝመርሖ ልቓሕን ኢንሹራንስ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ምዃነን።

ኢንዱስትሪን ኢደ ጥበብን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት (industrial and artisan cooperative) ፤ ኣብ ምፍራይ (manufacturing)፣ ኣብ ኢደ ጥበብ ፣እሴት ምውሳኽ (value addition and processing) ዝሰርሓ ፤ ኣብ ከተማ ግልጋሎት ወሃብቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት (urban and service cooperative) ፤ ኣብ ብመንበሪ ገዛ ንምህናፅ ሕብረት ስራሕ ማሕበር፣ ብሸማቶ ፣ ብሞያ፤ ብመፍረይቲ (producer cooperative ፤ ብመዓድን ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሕብረተሰብና ክውደብ ብምግባር ዜጋታት ስራሕ ክፈጥሩን ስራሕ ስእነትን ድኽነትን ሕውየት ትርጉም ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዘይትካእ እዩ፡፡

ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበራት ዋና ዕላምአን ኣብ ሕ/ሰብና ዘሎ ናይ መባኻናይነት ድሑር ልምዲ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ብምውጋድ ምዕቋር ባህሊ ክዓቢ ፤ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከመፅእ ብደረጃ ክልል ጠቕላላ 971 መሰረታዊ ዕ/ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበራት፤ 34 ዩኔየናት ዕ/ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበራት ተጣይሸን ዝተፈላለዩ ዕቛር መማረፅታት ብምትእትታው ኣብ ከተማን ገጠርን ዘሎ ናይ ገንዘብ ቐረብን ድሌትን ምስ ካልኦት ትካላት ብምትእስሳር ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ዝውውርን ዝተረጋገዐ ስርዓት ፋይናንስን ንስራሕ ፈጠራን ንግዲን ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለወን እየን፡፡
ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይና ድምር ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕብር ዝተወደበ ህዝብና 1.56 ሚልየን ኮይኑ ካብዚ ኣብ ዕቋርን ልቓሕን ዝተወደበ በዝሒ ኣባላት 539,911፤ መጠን ዕቛር ብር 5 ቢልየን ብር ብምዕቛር እዚ ዝተዓቆረ ገንዘብ ንዝተፈላለዩ ልቓሕ ግልጋሎት ንሕርሻዊ፣ ማሕበራዊ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ይውዕል ኣሎ፡፡ ካብ ኣባላት ባዕሉ ዝዓቆሮ ፍልፍል ፋይናንስ ልቓሕ ብር 7.5 ቢልየን ብር ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ብምውፋር ተረባሒ እናኾነን ይርከብ፡፡ ብተወሳኺ ንኣባላት ናይ ኢንሹራንስ ውሕስና ዘለዎ ናይ ፋይናንስ ግልጋልት ይህባ ኣለዋ፡፡
ብድምር ብቀዋምን ብጊዝያዊን ስራሕ ዕድል እናተፈጠረ ናብራ ሕ/ሰብና ምምሕያሽን ግቡአን እናፈፀማን ይርከባ፡፡ ካብዚኤን ሓንቲን ብልፅቲን ዝኾነት ፋና መናእስይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሓንቲ እያ፡፡

ፋና መናእስይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕን ድማ ቅድሚ 16 ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ብውሱናት ኣባላትን ወሱን ካፒታልን መበገሲ ዝተጣየሸት እያ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኤጀንስና ክልላዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ረኺባ እናሰርሐት ዝመፀትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ 27 ጨናፍር ከፊታ፤ ልዕሊ 39 ሽሕ ዓቖርቲ ኣባላት ወዲባ ፤ጠቕላላ ሃፍታ ናብ 2.7 ቢልየን ዘዕበየት፤ ካብ እትምስረት ን24 ሽሕ ኣባላታ ልቓሕ ዝሃበት፤ 2017ዓ/ም በጀት ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 1.17 ቢልየን ብር ን5500 ኣባላታ ልቓሕ ብምሃብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ኢኮኖሚ ስራሕቶም ከሳልጡ ማእገር ልምዓት ዝኾነት ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ትግራይ ዝለዓለ እጃማ እናተፃወተት እትርከብ ጠንካራ ዕቛርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር እያ፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ህዝባ ቐዲማ እትርከብ ማሕበራዊ ሓላፍነታ እትዋፃእ እውን እያ፡፡ ድምር ውፂኢቱ ናይ ኣባላታ፤ ኣመራርሓን ቑፅፅር ኮሚቴ፤ ደገፍታ ኢሉ እውን ናይ መንግስቲ መሉእ ድጋፍ ድምር ውፅኢት እዩ፡፡ ዕቛር ዝመርሖ ናይ ልቓሕ ስርዓት እትምራሕ እያ፡፡

ከም እንርድኦ ኣብ ክልልና ብዝተኣወጀ መዕነዋይ ኩናት ንትግራይ ብክለመዳይ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለ እዩ፡፡ ብርክት ዝበላሕ/ስ/ማሕበራት ዝነበረን ሃፍቲ ዓንዩ ፤ ኣባላተን ተበታቲኑ ድምር ምንቅስቓሰን ንድሕሪት ተኾሊፉ እዩ፡፡ ኣብ ኢኮኖሚ ዕቤት ትግራይ ደውታ ፈጢሩ እዩ፤ መንግስቲ ብዝሃቦ ኣንፈት እዚ ንምሕዋይን ንምጥንኻር ዝዓለመ ሓደሽቲ ውሰነታት ብምግባር ናይ ፋይናንስ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ንኣባላት ዝሐሸ ግልጋሎት ፋይናንስ /ብምሃብ፣ ጠንካራ ውሽጢ ቁፅፅር ስርዓት ዝወነና፣ ድሌት ኣባላትን ዘማለአ ምህርቶም ንምስሳን ዝሕግዝ ዓይነት ልቓሕን ዕቋርን ብምትእትታው ኣብ ዝሓሸ ለውጢን ተስፋን ትርከብ ፋና መናእስይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን፤

ከም መንግስቲ ሃገራዊን ዓለማዊን ልምዲ ብምቕሳም ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ትካላዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ብፍላይ ዕዳጋ ክፍተት መሰረት አቕርበት ስራሕቲ ንምስራሕ ሕ/ሰብና ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ኣብ ተሓታታይነትን ግልፅነትን ዘለው ፀገማት ዝፈትሕ ማለት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣባላተን ማዕረ ተጠቃሚ፤ ማዕረ ተሳታፊ፤ ማዕረ ወናኒ፤ ማዕረ ተቆፃፃራይን መራሒን ዝኾነሉ ፍሉይ ኣወዳድባ እዩ፡፡

ስለዚ ተወዳዳራይነትን ፈትሓውነትን ዝክእል፣ ሓዱሽ ኣወዳድባ ወይ ሪፎርም ስርዓት ንምትግባር መፅናዕቲታት ተወዲኡ ኣሎ፡፡ ስራሕቲ ንምጥንኻር ንምዝማንን ኣብ ኩለን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እዚ ሓድሽ ሪፎርም ንምትእትታው ኤጀንሲና ኣብ ምድላው ይርክብ፡፡ ኩሉ ሓጋዛይ ክኸውን ይግባእ፡፡

ስለዚ ንኣባላትን ቦርድ ኣመራርሓን ጉጅለ መናጅመንት ፋና መናእስይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን እንኳዕ ንመበል 16 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብሰላም ኣብፀኩም ፤ እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልኩ ማሕበርኩም ሕጊን ኣሰራርሓን መንግስቲ ብምኽባር ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዝያዳ ክትዓምምን ውፅኢት ክተምፅእን ዘኽእሉ ውሳነታት ዝውሰነሉ ዲሞክራሲያዊ ኣሳታፊ ጉባኤ፤ ብኣዋጅ መሰረት ዝለዓለ እምነትን ዓቕሚን ዘለዎም ኣመራርሓ ቦርድ ዝምረፅሉ ዕዉት ጉባኤ ክኸውን እናተመነኹ ፤

ከም ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ነዚ ዘርፊ ንምዕባይ ናይ ቐረባ መሪሕነትን ዓቕሚን ብምዕራፍ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ኩለን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብፍላይ ድማ ዕቛርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ዝያዳ ዓቕሚ ከጥርያ ናይ ገፀርን ከተማን ህዝብና ፋይናንስ ፀገም ዝፈትሕ ኮኦፐሬቲቭ ባንኪ ክምስርታ ኣብ ከይዲ ከም ዘለናን ዝኸኣልናዮ ከም እንስርሕ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ፡፡ ዕዉት ጉባኤ ይግበረልኩም


ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንሕውየት ትግራይ!!
ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ሰላም ንህዝብና

ገ/መድህን ሓጎስ
ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ
04/01/2018ዓ/ም
መቐለ
ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ Fana Youth SACCO
Tigray Communication Affairs Bureau
Tigray Bureau of Agriculture and Natural Resource

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Gebremedhin Hagos Melketsadik posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Gebremedhin Hagos Melketsadik:

Share

Category