ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party

ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !
(2)

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ሕጊ ኣልቦነት ወዲቃ ፤ ዜጋታታ ድማ ግዳይ መዓልታዊ ግፍዕን ጭውያን ኾይኖም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፤ እቲ ስልጣን ብሓይሊ ዝበሓተ ...
16/07/2026

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)

ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ሕጊ ኣልቦነት ወዲቃ ፤ ዜጋታታ ድማ ግዳይ መዓልታዊ ግፍዕን ጭውያን ኾይኖም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፤ እቲ ስልጣን ብሓይሊ ዝበሓተ ገባታይ ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሃንደስቲ ገበን ጄኖሳይድ ተመሓዝዩ ገፁ ናብቶም ብሰላማዊ መንገዲ ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ብምቕናዕ ናይ ዓፈናን ጭውያን ተግባራት የካይድ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ እውን ኣብ ዞባታት ማዕከልን ምብራቅን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ተከቲሎም ህዝባውን ውድባውን ስራሕቶም ከካይዱ ዝፀንሑ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብና ዝኾኑ ኣይተ ታቦር ብርሃነን ወ/ሪት ሶፊያ ስዒድን ካብ ሕጋዊ ኣገባብ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ብሓይሊ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣለው ።

እቲ ጉጅለ ንሓሳብ ብሓሳብ ክስዕር ስለዘይክእል ናብቲ ዝለመዶ ናይ ዓፈናን ጭውያን ስልቲ ምስጋሩ ነቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝያዳ ዘቃልዕን ናብ ትዕዝብቲ ዝሽምምን ተግባር ዋላ እኳ እንተኾነ ፤ ውድብና ነዚ ንኹሎም ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ዝጠሓሰ ኣራዊታዊ ተግባር ብዝለዓለ ድምፂ ይኹንኖ ። እዚ ሕጂ ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝፍፀም ዘሎ ሃንደበትዊ ዓፈና ኣባላትና ፤ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ነቲ ኣብ ትግራይ በቲ ገባታይ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ ትግራይ ናብ ምጥፋእ ዘሀቀነ ዓይነ-መርፍኡ ዝጠፍኦ መንገዲ ብትብዓት ስለ ዘቓልዐን ሰላማዊ ተቃውሙኡ ስለ ዘሐየለን ሙዃኑ ኩሉ ዝርድኦ ሓቂ እዩ ።

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ንድሕንነትን ህይወትን እቶም ብሓይሊ ዝተዓፈኑ ኣመራርሓኡን ኣባላቱን እቲ ጉጅለ ሙሉእ ሓላፍነት ከምዝስከም እናሓበረ፤ ብዘይ ምንም ሕጋዊ መስርሕ ብሓይሊ ተዓፊኖም ዘለዉ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብና ብዘይ ወዓል ሕደር ብህፁፅ ንክፍትሑ ይፅውዕ ።

ብተወሳኺ ድማ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና ዝፍፀም ዘሎ ኩለመዳይ መጥቃዕቲ ፤ ኮነ ተባሂሉ ድምፂ ህዝቢ ንምዕፋን ዝተኣለመ ብምዃኑ ፤ ኣቱም ኣብዚ ተግባር እዚ እትሳተፉ ዘለኹም ሓይልታት ፀጥታ ናይ ሓደ ጉጅለ መሳርሒ ግፍዒ ካብ ምዃን ተዓቂብኩም ብሄራዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ነተሓሳስብ።

ኣብ መወዳእታ ውድብና ወለዶ ትግራይ በዚ ዝወርዶ ዘሎ በትሪ ዓፈናን ፀለመን ንድሕሪት ከምዘይብል እናሓበረ፤ መሰልን ሓርነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ካብ ዝጀመሮ ኣንፈት ቃልሲ ንሓንቲ ስጉምቲ እውን እንተኾነ ንድሕሪት ከምዘይብል የረጋግፅ ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
9 ሓምለ 2018 ዓ.ም
መቐለ

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)ትግራይ ኣብ ትሕቲ ስርዓታዊ ፍርሰትን ዝተሸርሸረ ትካላዊ ተኣማንነትን ወዲቓ፤ ብሰንኪ ስልጣን ዝበሓተ ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓትዜጋታት መዓልታዊ ግዳይ ግፍዕን ስ...
01/07/2026

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)

ትግራይ ኣብ ትሕቲ ስርዓታዊ ፍርሰትን ዝተሸርሸረ ትካላዊ ተኣማንነትን ወዲቓ፤ ብሰንኪ ስልጣን ዝበሓተ ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት
ዜጋታት መዓልታዊ ግዳይ ግፍዕን ስቓይን ይኾኑ ኣለዉ። እዚ ኣብ ትሕቲ መድረኻዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ተሓቢኡ ዝሽፍጥ ዘሎ
ሓይሊ፣ ነቲ ዓይነ-መርፍኡ ዝጠፍኦ ናይ ዕንወት መንገዲ ብምኽታል፣ ንትግራይን ተጋሩን ዳግማይ ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ውድቀት ንምድጓን ብዕሊ ይሰርሕ ኣሎ።

ከም መቐፀልታ ናይዚ ጥፍኣት ድማ፣ እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ግፋ መናእሰያትን ግዱድ ውትህድርናን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ኣጠናኺሩ ቀፂሉሉ ይርከብ። እዚ ግፍዒ እዚ ካብ መናእሰይ ሓሊፉ፣ ንወለድን ስድራን ዒላማ ብምግባር "ደቅኹም ኣምፅኡ" ብዝብል ንፁሃን ዜጋታት ብምዕፋንን ብምርዓድን ህዝቢ ኣብ ቀፃሊ ፍርሕን ስግኣትን ንክነብር ይገብር ኣሎ።

ትግራይ ኣብ ምብራስ ዝፀመደ እዚ ነውራም ጉጅለ፣ ነቲ ዝፍፅሞ ዘሎ ዝተወደበ ግፋን ጭውያን "ሕጋዊ ሽፋን" ንምሃብ፣ በቲ ዘይሕጋዊ
ቤት-ምኽሪ ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይኹን ሞራል ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ "ሕገ-ኣራዊት" ኣውፂኡ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ኣዋጅ እዚ
መንእሰይ ትግራይ ዓዱ ራሕሪሑ ብጅምላ ንክስደድ ብምግዳዱ ድማ ከተማታት ትግራይ "ሰብ-ኣልቦ ምድረ-በዳታት" ኮይነን ይርከባ።

እዚ ጉጅለን ዓቐብቲ-ድሕረት ዕሱባት ምልሻታቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍፅምዎ ዘለዉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግብረ-ራዕዳዊ ገበናት ፤ እቲ ጉጅለ ሕልፊ ስልጣኑን ፀቢብ ረብሓኡን ጨና ህዝባዊ ውግንናን ሓልዮትን ከምዘይብሉን ኣንፃር ኩለ-መዳያዊ ባህግን ሕርያታትን ህዝቢ ትግራይ ደው ምባሉን ብልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ፋፃመ እዩ።

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ ነዚ ንብሄራዊ ህላወናን ቀፃልነት ወለዶታትን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ግብረ-ራዕዳዊ ምንቅስቓስ
ብፅኑዕ እናኾነነ፤ መላእ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ንጭውያን ዓፈናን ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ዘይሕጋዊ ኣዋጅ ብሓደ ድምፂ ንክነፅጎን
መሰሉ ንምሕላው ብንቕሓት ንክቃለሶን ብሄራዊ ፃውዒቱ የቕርብ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
24 ሰነ 2018 ዓ.ም
መቐለ፣

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ትግራይ ካብቲ ዝወረዳ ፅንተታዊ ኲናት ከይሓወየት፣ ህዝብና ካብ መሪር ዓፀቦ ከይተገላገለን ኣብዘለሉ እዋን ፤ እቲ ብህልውናን ረብሓን ወለዶታት ትግራይ ፓለቲ...
28/05/2026

መግለፂ ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)

ትግራይ ካብቲ ዝወረዳ ፅንተታዊ ኲናት ከይሓወየት፣ ህዝብና ካብ መሪር ዓፀቦ ከይተገላገለን ኣብዘለሉ እዋን ፤ እቲ ብህልውናን ረብሓን ወለዶታት ትግራይ ፓለቲካዊ ጠላዕ ዝለመደ ተጋግዩ ዘይፀግብ ዕጡቅ ጉጅለ ህወሓት፣ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብዕሊ ብምፍራስ ንትግራይ ናብ ካልእ ዙር ናይ ጥፍኣት ጉድጓድ ኣጥሒልዋ ይርከብ ።

እዚ ጉጅለ እዚ፣ ነቲ ብክባር መስዋእቲ ዝፀነዐ ኣንፃራዊ ሰላም ሓንሺሹን "ዝተወንዘፈ መንግስተይ መሊሰ" ብዝብል ቅየዐ ብቅሉዕ ዕልዋ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱን፣ ብሄረ ትግራይ ምእኩል ናይ ሓባር መንግስቲ ከይህልዋ ብምዕጋት ብኣፈ-ሙዝ ስልጣን ብሒቱ እንተብቅዕ ፤ ሕጂ ድማ ብዘይ ምንም ሕንከት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፣ መናእሰይ ብሓይሊ እናገፈፈ ንዘይተነፀረ ዕላማ ናብ ጥፍኣት ኣብ ምውፋር ተፀሚዱ ይርከብ።

ውድብና ውድብ ወለዶ ነቲ በዚ ናይ ዕንወት ጉጅለ ተጀሚሩ ዘሎ ንኹምቱር ድልየት ውሑዳት ተባሂሉ መንእሰይና ናብ ዝጓሃረ ሓዊ ዝዳጉን ዘይሕጋዊ ገፈፋን ግዱድ ውትህድርናን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝጥሕስ ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ ዓለምለኻዊ ገበን ኩናት እውን ምዃኑ ብምግንዛብ ብትሪ ይኹንኖ ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ትግራይ ብኣፈ-ሙዝ ተተኺሉ ዘሎ "ዘይሕጋዊ መንግስቲ" ዝኾነ ዓይነት ህዝባዊ ቅቡልነት ዘይብሉን ትግራይ ዳግማይ ንወራርን ተነፅሎን ዘቃልዕ ስለዝኾነን ካብዚ ቦኺርዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ብህፁፅ ንክምለስ እናተሓሳሰብና ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ወለድን መናእሰይን ድማ ብፍላይ፣ ነዚ ትግራይ ናብ ደልሃመት ዝዳርግ ውሳነ እዚ ጉጅለ ብሓደ ድምፂ ክትነፅግዎን ብንቕሓት ክትቃለሱዎን ፃውዒትና ነቅርብ ።

ምውሓስ ህልውና ትግራይ ዘይዛሪ ኲናት ብምትራፍ ይፍለም ኢሉ ዝኣምን ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ንድሕንነትን ቀፃልነትን መፃኢ ወለዶ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ንላዕሊ ሰሪዑ፣ ቃልሱ ብዝያዳ ከሐይል ምዃኑ የረጋግፅ።

ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ
20 ግንቦት 2018 ዓ.ም
መቐለ

Official letter from the Tigray Generation Party (TGP) to the Royal Embassy of the Kingdom of Saudi Arabia, petitioning ...
24/04/2026

Official letter from the Tigray Generation Party (TGP) to the Royal Embassy of the Kingdom of Saudi Arabia, petitioning for executive clemency for Ethiopian nationals currently facing capital punishment.

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብጅምላ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ንዝርከቡ ዜጋታትና ኣመልኪቱ፣ ናብ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ወጻኢ ጉዳያት...
24/04/2026

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብጅምላ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ንዝርከቡ ዜጋታትና ኣመልኪቱ፣ ናብ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ወጻኢ ጉዳያት ዝለኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፦

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂትግራይ ካብ ዝተኣደነላ ዳግማይ ዑደት ጥፍኣት ንምድሓን ዝቐረበ  ፃውዒት!ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ካብ ዓቕሚ ሓደ ፖ...
21/04/2026

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ትግራይ ካብ ዝተኣደነላ ዳግማይ ዑደት ጥፍኣት ንምድሓን ዝቐረበ ፃውዒት!

ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ካብ ዓቕሚ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንላዕሊ ዝተሓላለኸን ሓባራዊ ብሄራዊ መፍትሒ ዝጠልብን ኮይኑ እናሃለወ፤ እቲ ብህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሸቀጥ ዝለመደ ጉጅለ ህወሓት ግና፣ ኣብ ክንዲ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍ ቅቡል "ሓቋፋይ ብሄራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ" ንምጥያሽ ሓጋዛይ ሚና ምፅዋት፣ ነቲ ግዚኡ ዝሓለፎ፣ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ፅንተታዊ ኲናት ፈሪሱ ዝሓገየን ናይ 2013 ዓ.ም "መንግስቲ መሊሰ ኣለኹ" ዝብል ፖለቲካዊ ቅየዐ ጀሚሩ ኣሎ።

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ እዚ ብውሑዳት ዝተኣወጀ ውሳነ ብሓደ ወገን ንሉኣላዊ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ዝጥሕስን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘፍረሰን ሓይለ-መልጣዊ ምንቅስቓስ ብምዃኑ፣ ብካልእ ወገን ድማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ህዝብና ናብ ካልእ ዙር ሓደጋ ኲናት ዝመልስ ቅሉዕ "ኣዋጅ ጥፍኣት" ብምዃኑን ፣ ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይሕጋዊ ውሳነ ብትሪ ይኹንኖ።

ዓቕምታት ትግራይ በታቲኑ፣ ሃዲኑን ኣሳዲዱን ዘይምነዎ እዚ ጉጅላዊ ረብሕኡ ንምውሓስ ጥራይ ዝተሰለፈ ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ሓይሊ፤ ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መሓዝቱ ብምግባር፣ ትግራይ በዓል ዋና ናብ ዘይኮነትሉ ናይ ባዕዳን ኲናት ክጥሕላን ህዝብና መጋበርያ ኲናት ክገብርን ጀሚርዎ ዘሎ ፀደፍደፍ፣ ንወለዶታት ትግራይ ናብ ዘይለኣም መከራ ዝዳጉንን ስቓይ ህዝብና ዘናውሕን እምበር ብሄራዊ መዋፅኦና ኣይኮነን።

ብምኳኑ እውን ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ህዝብና ካብ ዝተደገሰሉ ቀፃሊ ዘይዛሪ ብርሰት ንምድሓን ከም ዝስዕብ ይፅውዕ ;-

1.ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከብ መላእ ህዝብና፣ ነዚ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስን ናይ ጥፍኣት ውሳነ ብሓደ ድምፂ ብትሪ ክትነፅጎን ብፅንዓት ክትቃለሶን ፃውዒትና ነቕርብ።
2. ኩሎም ፖለቲካዊን ፀጥታውን ሓይልታት ትግራይ፣ ኣፈላላዮም ንጎኒ ወንዚፎም ኣብዚ ግዘ ዘይውህብ መድረኽ ብምዕሳል፣ ህዝብናን ዓድናን ካብቲ ዝተጠጅአሉ ጥፍኣት ንምድሓን ብሓባር ክሰርሑን ብሄራዊ ግቡኦም ክዋፅኡን ንፅውዕ።
3. ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝተኣደነሉ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንክድሕን፣ እቲ ቐጠና ድማ ናብ ካልእ ዙር ሕምስምስ ንከይምለስን ዲፕሎማሲያዊ ፅቅጢ ብምሕያል እቲ ውዕሊ ከይተሸራረፈ ብምሉእነት ንክፍፀም ክደፍእ ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ፖለቲካዊ ፅልዋ ነፃ ዝኾነ ብሄራዊ ምርግጋእ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቐጽል የረጋግፅ።

ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !
ውድብ ወለዶ ትግራይ
13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም
መቐለ

መልእኽቲ እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፅሐኩም​ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ፤​ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውድብ ወለዶ ትግራይ ...
11/04/2026

መልእኽቲ እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፅሐኩም

​ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ፤
​ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላም ኣብፅሐካ እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

በዓል ​ትንሳኤ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን እንሰጋገረሉ ናይ ተስፋ በዓል እዩ።

​ኣብዚ ዓብዪ በዓል፣ ኣብ ወፃኢ እትነብሩ ተጋሩ ምስ ህዝብኹምን ዓዲኹምንን ዘለኩም ናይ ደገፍን ሕውነትን ተመክሮ ኣጠናኺርኩም ንክትቅፅሉ እናተላበውና፣ ብፍላይ ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ተመሊሶምን ዝዓነወ ቤቶም ሃኒፆምን ብዛላቅነት ናብ ንቡር ሂወቶም ዝምለስሉ ናይ ትንሳኤ ዓመት ንክኸውን ዝጀመርክምዎ ዴፕሎማስያዊ ቃልሲ ንክተሐይሉ ንላቦ ።

ህዝብና ኣብ ውድብ ወለዶ ብምዕሳል፣ ትግራይ ዓርሰ-ምርኮሳኣ ዘረጋገፀት ንኽትኸውን ዝጀመሮ "ወለዶኣዊ ቃልሲ" ንኽዕወትን ኩሉ ብሓዱሽ መንፈስ ክረባረብ ንፅውዕ።

​ርሑስ በዓል ትንሳኤ!
​ወለዶኣዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
መቐለ - ትግራይ
ሚያዝያ 3፣ 2018ዓም

11/04/2026

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!
​ወለዶኣዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
መቐለ - ትግራይ
ሚያዝያ 3፣ 2018ዓም

ብ ፃውናታት ፀለመ ዝግረፍ ሓቂ የለን!ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንመሰልን ሓበራዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ክቃለስ ዝፀንሐን ዘሎን ውድብ እዩ። ...
30/03/2026

ብ ፃውናታት ፀለመ ዝግረፍ ሓቂ የለን!

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንመሰልን ሓበራዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ክቃለስ ዝፀንሐን ዘሎን ውድብ እዩ። ከም ዝዝከር፤ ውድብና ብዘካየዶ ዘተን ምርድዳእን መሰረት፣ ናይ ትግራይ በጀት ድጎማ ንክኽፈል ፌዴራል መንግስቲ ከምዝወሰነ ብዕለት 16 መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝሃብናዮ ወግዓዊ መግለፂ ንህዝብና ምብሳርና ይፍለጥ እዩ።

ውድብና ውድብ ወለዶ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንመሰልን ህልውናን ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ፌደራል ትካላት ብምዝታይ ኣብ ጉዳይ ምልቃቕ መሃያ ኣተኲሩ ዝገብሮ ዘሎ ሰላማዊ ቓልሲ ስዒቡ ዝረኸቦ ፖለቲካዊ ቅቡልነትን ህዝባዊ ደገፍን ዘሰንበዶም ፤ ንመሃያ ሰራሕተኛ መሳርሒ ፖለቲካዊ ጠላዕ ክገብርዎ ዝፀንሑ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ኣካላት ነቲ ሓቂ ጠውዮም ንህዝቢ ንምድንጋር ኣብ ልዕሊ ውድብና ዝተቀናጀው ስልታዊ ወፍሪ ፀለመታት ከካይዱ ፀኒሖም ኣለዉ።
ይኹን እምበር ውድብና ብተግባር ዝተፈተነን ብመረዳእታ ዝንቀሳቐስን ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ካብ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ኣካላት ዘረጋገፆ ጭቡጥ መርትዖታት ንመላእ ህዝቢ ብሓፈሻ ንመንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ።

ብመሰረት ካብ ገንዘብ ሚኒስቴር ዘረጋገፅናዮ መረዳእታ ብዕለት 21/07/2018 ዓ.ም ብቑፅሪ ደብዳቤ ክሃተ.8/65/117 ካብ ገንዘብ ሚኒስቴር ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዝተልኣኸ ደብዳቤ ፤ እቲ በጀት ካብ ብሄራዊ ግምጃ ቤት ባንኪ ሒሳብ ወፃኢ ተገይሩ ናብ ትግራይ ፋይናንስን ሃፍቲ ምትሕብባርን ቢሮ ንክኽፈል ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈን ፤ በዚ መሰረት እውን ናይ ወርሒ መጋቢት ናይ በጀት ድጎማ ድጋፍ ብጠቕላላ 1,006,735,804.70 (ሓደ ቢልዮን ሽድሽተ ሚልዮንን ሸውዓተ ሚእቲ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ሸሞንተ ሚእቲ ኣርባዕተን ብር ምስ ሰብዓ ሳንቲም) ናብ ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ዝርከብ ናይ ክልል ትግራይ ሕሳብ ቁፅሪ 1000537846724 ንክመሓላለፍ ትእዛዝ ተዋሂቡን ፤ እቲ ደብዳቤ እውን ብግልባጭ ናብ ናይ ክልል ፋይናንስን ሃብቲ ምትሕብባርን ቢሮ ከም ዝበፅሐ ኣረጋጊፅና ኣለና።

ስለዚ መላእ ህዝብናን ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይን በዞም ኾነ ተባሂሎም ዝናፈሱ ዘለው መሰረት ዘይብሎም ናይ ምድንጋር ሓበሬታታት ከይተረበሽካ እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ ተረዲእኻ ኣብ ጎኒ ውድብካ ንክትዓስልን ኣጀንዳታት ህዝብና ንምዕዋት ኣሐይልካ ክትቃለስን ፃውዒትና ነቕርብ።
ኣብ መወዳእታ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ንድሕንነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገብሮ ቃልሲ ብዝፍነው ዘለው በትሪ ፀለመታት ንድሕሪት ከምዘይብል እናሓበረ ኣብ ካልኦት ተወሰኽቲ ዝተሓላለኹ ኣጀንዳታት ህዝብና ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብሰላማዊ መንገዲ ብድርድርን ብልዝብን ንምፍታሕ ዘለዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ የረጋግፅ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
21 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ...
25/03/2026

ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ትግራይ ብቕልጡፍ ንክልቀቕ ወግዓዊ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ውድብና መሃያ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ብቐጥታ ናብ ውልቀ ሒሳብ ባንኪ ንክኣቱ ዘቕረቦ ግብራዊ መፍትሒ ተቐባልነት ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቴክኒካዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝወስድ ግዜ ንዕለታዊ ህይወት ሰራሕተኛታት ናብ ሓደጋ ህልውና ከየእትዎ ብምስጋእ እቲ ክፍሊት ብህፁፅ ንክፍፀም ብዘካየድናዮ ዘተ እቲ ውሳነ ክፀድቕ ተገይሩ ኣሎ።

እዚ ብዘተን ልዝብን ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ፀገም ከምዘየለ ዘረጋገፅ ውሳነ ምኻኑ ዝኣምን ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ፡
ኣብ መወዳእታ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ካብ ፍቓድካ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምቁራፅ መሃያ ተወዲብካ ንክትቃለስ ፃውዒትና እናቅረብና ውድብና መሰል ሰራሕተኛታት ብዘላቒ መንገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣሐይሉ ከምዝቕፅል የፍልጥ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)
16 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share