Eri Orthodox Media

Eri Orthodox Media Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Eri Orthodox Media, Uppsala.

Eri✝️Orthodox✝️Media

ብሩኽ መዓልቲ መድሃኒኣለም ይኹነልኩም! መድሃኒኣለም ንዓለምና ሰላም፣ ንሕሙማት ጥዕና፣ ንዝተጨነቁ ድማ ዕረፍቲ ይሃብ ኣሜን🙏🙏🙏


Med Samuel Anday – Jag har en streak! Jag har varit ett stort fan i 3 månader i rad. 🎉
06/05/2026

Med Samuel Anday – Jag har en streak! Jag har varit ett stort fan i 3 månader i rad. 🎉

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ  አሜን✝️🌿10/8/2018🌿  ንወርሓዊ በዓለ ዝኽሪ መስቀል ጎይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ! መስቀል ሓይሊና እዩ፤ መስ...
21/04/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን✝️🌿10/8/2018🌿
ንወርሓዊ በዓለ ዝኽሪ መስቀል ጎይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ! መስቀል ሓይሊና እዩ፤ መስቀል ጽንዕና እዩ፤መስቀል ቤዛዊና እዩ፤መስቀል መድኃኒት ነፍስና እዩ አሜን✝️
ኾሙኡ ውን ወርሓዊ በዓለ ዝኽሪ ጸደንያ እዩ!እዚ ማለት ድማ ስእሊ ኣድሕኖ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት ማርታ ሃገረ ጸደንያ ዘኣተወትሉ ዕለት እዩ።

ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ! ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።1ይቁረን.1፥19

#ናይ እግዚአብሔር አምላኽና ምሕረቱን ሰላሙን
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ልማኖኣን ጸጋ በረከታን ጣዕሚ ፍቅራን ንኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ኣይፈለየና አሜን✝️
#ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ይኩን አሜን
#ተመስገን ሰማያዊ አምላኽይ💙

Follow to follow
16/04/2026

Follow to follow

15/04/2026

ንኣምን በስላሴ ወንኣምን በስላሴ ሰላሴ'ዮም ዓለም ዝፈጠሩ ሰላሴ'ዮም ከቢሮም ዝነብሩ ስላሴ'ዮም ምስጢር ናይ እምነትና ስላሴ'ዮም ትርጉም ህላዌና(2)

🙏🙏🙏
15/04/2026

🙏🙏🙏

ዓርቢ - ስቕለት - ሰሙነ ሕማማት !!ሰላም ዝተኣወጀላ ፣ ድሕነት ወድሰብ ዝተፈፀመላ ቅድስቲ ዕለት!!ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒት ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል...
10/04/2026

ዓርቢ - ስቕለት - ሰሙነ ሕማማት !!

ሰላም ዝተኣወጀላ ፣ ድሕነት ወድሰብ ዝተፈፀመላ ቅድስቲ ዕለት!!

ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒት ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ወድሰብ ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን ዝዝከረሉ ቅድስት ስግኡ ካብ ቅድስት ነፍሱ ብፍቓዱ ዝፈለየሉ ዕለት!!

ዓርቢ ስቕለት ብቤተክርስቲያን ዓብዪ ክብሪ ዝወሃባ ፍልይቲ ዕለት እያ።

ትንቢት ነብያት ዝተፈፀመላ ፣ ዘርኢ ኣዳም ካብ ናይ 5500 ዓመታት ባርነትን መግዛእትን ዲያብሎስ ተናጊፉ ብርሃን ዝረኣየላ ፣ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝተሸጋገረላ ፣ ሽርሒ ዲያብሎስ ዝፈሸለላ፣ ሞት ዝተሰዓረላ፣ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕነት ወድሰብ ዝተፈፀመላ ፣ ሰላም ዝተኣወጀላ ቅድስቲ ዕለት!!

ፈሪሳውያን ፀሓፍትን ካህናት ኣይሁድን ናብ ዓርቢ ዘውግሕ: ፍርቂ ለይቲ ሓሙስ ብጥቆማ ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሓዝዎ። ንፍርዲ ኣብ ግንባር ጲላጦስ ኣቕረብዎ። ጲላጦስ ግን ንፁህ ምኳኑ ተረዲኡ ክፈትሖ እየ" በሎም። እዙይ ዝበለ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ።

እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ "ነዚ ስቐሎ! ስቐሎ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!" እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ኣብ ከተማ ህውከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ጲላጦስ ድማ ድልየቶም ክፍፀመሎም ፈረደ። ነቲ ህውከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ከም ድልየቶም ክገብሩዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።

ጲላጦስ ንኢየሱስ ክስቀል ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ፥ ክሰቕልዎ ወሰድዎ። መስቀሉ ፀይሩ ናብ ጎልጎታ ዝበሃል ቦታ ወፅአ። ኣብኡ እውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ከዓ ኽልተ ሸፋቱ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ። ኢየሱስ ድማ "ኦ ኣቦይ! ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም" ኢሉ ኣብ ከቢድ ስቓይ ኾይኑ ምእንቲ ሰቐልቱ ፀለየ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተሰቐለ፥ ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኵሉ ምድሪ ፀልመተ፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስ እውን ኣብ ኽልተ ተተርተረ።

ድሕሪ እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵሉ ከም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ "ፀማእኹ" በለ። ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ስፖንጅ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። ኢየሱስ ከዓ፥ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ "ተፈፀመ" በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱ እውን ሃበ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ተፈለየት፥ ናብ ሲኦል ከይዱ ን 5,500 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዲያብሎስ ዝነበራ ነፍሳት ሓራ ኣውፅአን። ስልጣን ዲያብሎስ እውን ኣብዛ ዕለት ተሳዒሩ።

ምስ መሰየ፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፅአ። ንሱ ከዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ክህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ድማ ምስ ኒቆዲሞስ ኾይኑ ንስጋ ኢየሱስ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ናይ ባዕሉ ካብ ከውሒ ዝተወቕረ ሓዱሽ መቓብር እውን ቀበሮ።

እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድሕነት ኣርማ ናፅነት ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ ዓርቢ ስቕለት ደቂ ኣዳም ዝኸፈአ በደል እንተፈፂሞም ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅፅዕን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረት ትእምርቲ ሰንደቅ ድሕነትን፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ዲያብሎስ ዝሰዓረሉ ፡ ብሞቱ ወድሰብ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገረሉ ቅዱስ ንዋይ ከምዝገበሮ ሊቃውንቲ የምህሩ።

እዚ ዕለት እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ ፤ ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾኑን ሸውዓተ ቃላት ኣብ መስቀል እንተሎ ተዛሪቡ እዩ።

በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበት ፀሓይ

Adress

Uppsala

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Eri Orthodox Media postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Dela