Embassy of the State of Eritrea in Genève

Embassy of the State of Eritrea in Genève This is the official page of the Eritrean Embassy in Switzerland

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ዝተመዘት ፍልይቲ ተጸባጻቢት ኣብ ጉዳይ በይናዊ እገዳታት ፕሮፌ. ኤለና ዶሃን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተገብረላ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ...
11/02/2026

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ዝተመዘት ፍልይቲ ተጸባጻቢት ኣብ ጉዳይ በይናዊ እገዳታት ፕሮፌ. ኤለና ዶሃን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተገብረላ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣካይዳ። ንሳ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸነሓትሉ ግዜ ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ክኢላታትን ሰፊሕን ዕዉትን ርክባት ከም ዘካየደት ተፈሊጡ።

Professor Alena Douhan is the United Nations Special Rapporteur on the negative impact of unilateral coercive measures on the enjoyment of human rights. She is a professor of international law and a recognized expert on sanctions, human rights, and i

05/02/2026
02/02/2026

ትኩርነት፡ ንጹርነትን ርእሰ-ምትእምማን

ካብ ጥቅምቲ 2023 ክሳብ ሕጂ ካብቲ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ “መንግስቲ ኢትዮጵያ” ኣንጻር ኤርትራ ብዘይምቁራጽ ዝተኻየደ ትንኮያታትን መግለጺታትን ንገለና ኣቓልቦና ስሒቡ ኣሻቒልና ጸኒሑ ይኸውን’ዩ። እቲ ብጠንባር ዕሽነትን ህንጡይነትን ዝብልዎ ዘረባታት ብእዝኒ ናይ ሓደ ስኹን ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ክስማዕ እንከሎ ስምዒት ዝፈጥር’ዃ እንተኾነ ደው ኢልና ብህድኣትን ርትዕን ንኹነታት ክንመዝን ግን ይግባእ። ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ስግኣት ክትኮና ከም ዘይትኽእል ምፍላጥ ይግበኣና። ነቲ ዘረባ ከም ኒንታ ናይ ጣንጡ ድቃስ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ ዝፍይዶ ዘይብሉ ተራ ረበሻ ጌርና ንርኣዮ። ንጉዳያት ልዕሊ እቲ ዝግብኦም ግምት ምሃብ ዋጋ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ቆዮቛ ዝጠፍእ ጸዓት ክህልወና ኣይግባእን።

ኣብ ዝርዝራት ከይኣተና ህሉዊ ስትራተጅያዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ ክውንነት ኢትዮጲያ እንተደኣ ብዝግባእ መዚንና ርኢናዮ፡ እቲ ዓጀወጀው ከም ፈኸራ’ውን እንተተወስደ፡ ካብ ጣቛ ናይ መደረ ሓሊፉ ከም ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል ስግኣት ጌርና ክንምልከቶ የብልናን።

እዚ ክንብል እንከለና ትኩርነትና ወይ ንኹነታት ብንቕሓት ምዕዛብ ንግደፎ ማለት ኣይኮነን። ትኩርነት ኣቐዲምካ ንዝመጽእ ምርኣይ እምበር ምሽቓል ማለት ስለ ዘይኮነ ትኩራት ምዃን ንቐጽለሉ። ሓበሬታ ምስናቕ፡ ዞባዊ ምዕባለታት ምክትታል፡ ቅሩብነትና ብቐጻሊ ምሕዳስን ምሕያልን ካብቶም ክንገብሮም ዘለና ጥንቑቓት ስጉምቲታት እዮም። ጻዕርና፡ ኣብ ንጹርነት ግንዛበ፡ ስጡም ኣረኣእያ ብዓቢኡ ከኣ ንኤርትራ ናጽነታን ልእላውነታን ክትዕቅብ ፡ንዘይዕጸፍ መኸተ ክትቅረብን ዘኽኣልዋ ተመኩሮታት ካብ ታሪኽ ምምሃርን ክሕይል ኣለዎ ።

ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመቶ፡ ኣብ መፈንጠራ ቆይቊ ንዘይምእታው ከም ህዝቢ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ብርእሰ-ምትእምማን ስቕ ምባል ነቲ ዝበሃል ምርዓም ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ፡ ኣብ ነብስኻ ምእማን፡ ሓይልኻ ምፍላጥን ንነገራት ከከም መጠኖም ግምት ምሃብን እዩ።ብንቑሓት መዘንቲ፡ ተንተንቲ ከምኡ ከኣ ድሉዋት ንኹን፣ ተሻቐልቲ ኣይንኹን። ብምንባሕ ከልቢ ኣንፈትን ፍጥነትን ጉዕዞኡ ዝልውጥ ገመል የለን። እቶም ንምንባሕ ከም ቁምነገራዊ ስራሕ ጸብጺቦም ወግሐ-ጸብሐ ዝነብሑ ይንብሑ፣ ንሕና ግን ስራሕና ንስራሕ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ሎሚ ዕለት 30 ጥሪ 2026 ምስ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ...
30/01/2026

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ሎሚ ዕለት 30 ጥሪ 2026 ምስ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ Mr. Joachim Kercan ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኮረ ሰፊሕ ርክብ ኣካይዱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ኤምባሲ ብጾት ሰምሃር ተስፋይን ናድያ ሚክኤልን ክሳተፋ እንከለዋ ብወገን ስዊዘርላንድ ድማ Ms. Dominique Ernst ከምኡ’ውን Mr. Urs Bernhard ተሳቲፎም።

ንጥፈታት ማሕበረ-ኮማት ስዊዘርላንድፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ አብ ሰዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን  አቶ ሃብቶም ዘርኣይ ብ25 ጥሪ ምስ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሉዘርን ኣብ ዝነበሮ ር...
29/01/2026

ንጥፈታት ማሕበረ-ኮማት ስዊዘርላንድ

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ አብ ሰዊዘርላንድን ቀዋሚ ሚሽን ኣብ ጀኔቫን አቶ ሃብቶም ዘርኣይ ብ25 ጥሪ ምስ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሉዘርን ኣብ ዝነበሮ ርክብ፣ ንሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ዞባናን ሃገርናን አመልኩቱ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ክሳብ ሕጂ ንዝተዓሙ መደባት ድሕሪ ምምስጋን፣ ሕጂውን ከም ወትሩ ንቕሓቶም አበሪኾም ብዝለዓለ ክሰርሑ አዘካኺሩ።

ኣባል ኤምባሲ ዲፕሎማት ፍረወይኒ ፍጹም ብወገና፣ ንዜጋታት ስሉጥን ጽፉፍን ቆንስላዊ አገልግሎት ንኽረኸቡ ምእንቲ ቤት ጽሕፈት ዝተፈላለየ ጻዕርታት የካየድ ከምዘሎ ደሕሪ ምሕባር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ንምዕዋት ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብያ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ንዝተዋህቦም ዝረዝራዊ መብርሂ ድሕሪ ምምሰጋን ከም ወትሩ ንቕሓቶም አበሪኾም አብ ጎኒ ሃገሮምን መንግስቶምን ምህላዎም ደጊሞም አረጋጊጾም።

ንጥፈታት ማሕበረ-ኮማት ስዊዘርላንድ
29/01/2026

ንጥፈታት ማሕበረ-ኮማት ስዊዘርላንድ

23/01/2026
ገላ ካብ ስእላዊ መግለጺ 4 ጥሪ 2026 ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ጀኔቫ።
23/01/2026

ገላ ካብ ስእላዊ መግለጺ 4 ጥሪ 2026 ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ጀኔቫ።

23/01/2026

ብ18 ጥሪ 2026 ኣብ ዝተቓነዐ ኣኼባ፣ ማሕበረ-ኮም ዙሪክን ከባቢኣን ብሓድሽን ዘበናውን ኣገባብ ዳግማይ ቆይሙ ኣሎ። እዚ ሕጋዊ ማሕበረ-ኮም ናይቲ ካንቶን ኮይኑ፣ ኣተኣታትዎም ዘሎ ዘበናዊ ኣጋባባት ንኻልኦት ውዳበታትና ጽቡቕ ኣብነት ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣብ ሓጺር መጻኢ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ኢዩ።

ኣብዚ ስዒቡ ዝርከብ ኣድራሻ ብምጽቓጥ ነባራት ይኹኑ ሓደስቲ ኣባላት ኣባልነትኩም ከተሐድሱ ትኽእሉ።

https://zurich.eritrean-community.net

Adresse

Rue De Lyon 97
Geneva
1203

Heures d'ouverture

Lundi 09:00 - 13:00
14:15 - 18:00
Mardi 09:00 - 13:00
14:15 - 18:00
Mercredi 09:00 - 13:00
14:15 - 18:00
Jeudi 09:00 - 13:00
14:15 - 18:00

Téléphone

+41225704730

Notifications

Soyez le premier à savoir et laissez-nous vous envoyer un courriel lorsque Embassy of the State of Eritrea in Genève publie des nouvelles et des promotions. Votre adresse e-mail ne sera pas utilisée à d'autres fins, et vous pouvez vous désabonner à tout moment.

Contacter L’organisation

Envoyer un message à Embassy of the State of Eritrea in Genève:

Raccourcis

Partager