Central Zone TPLF Office

Central Zone TPLF Office እዚ ዕላዊ ፌስቡክ ገፅ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ማእኸላይ ዞባ እዩ!!
ሕርያ ህወሓት ሰላም እዩ!!

01/09/2026

እዚ ስርዓት ብሕቡር ቀላፅም ህዝብታት ካብ ምውጋድ ወፃኢ ዘላቒ ወሕስና ክህሉ ስለዘይኽእል መላእ በዚ ኣረሜናዊ ሰርዓት ኣብ ሓደጋ ህልውና ዘለና ህዝብታት እነካይዶ ዘለና ቃልስን ምሕዝነትን ብምጥንኻር ንሓመድ ድበ እዚ ጀኖሳይዳዊ ሰርዓት ብልፅግና ሻማ ሻማ ክንብል ይግባእ

@ዋዕላ ሰላምን ፀጥታን ተሳሊጡ@ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓድዋ ሎሚ ነሓሰ 24/2018ዓም ተወከልቲ ኩሎም ክፋላት ሕ/ሰብ፣ ኣመራርሓን ተወከልትን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘሳተፈ፣...
30/08/2026

@ዋዕላ ሰላምን ፀጥታን ተሳሊጡ@

ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓድዋ ሎሚ ነሓሰ 24/2018ዓም ተወከልቲ ኩሎም ክፋላት ሕ/ሰብ፣ ኣመራርሓን ተወከልትን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘሳተፈ፣ ኣብ ምውሓስ ፀጥታን ድሕንነትን ማእከል ዝገበረ ድሙቕን ውፅኢታውን ዋዕላ ፀጥታን ሰላምን ኣካይዶም።

እዚ ብብርኪ ከተማ ዝተካየደ መድረኽ ፀጥታን ሰላምን መቀፀልታን መዛዘምን ናይቲ ኣብ ኩለን ጣብያታት ብብርኪ ቀጠና ክኻየድ ዝፀንሐ እዩ።

ኣብዚ ናይ መጠቃለሊ መድረኽ ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ምንቅስቀቓስ ዝተረከቡ ብሉፃት ተግባራት ተፈልዮም ክወፁን ናብ ኩሉ ከባብን ውዳበታትን ትካላትን ክሰፍሑ፣ እቶም ዘይተሰገሩ ሕፅረታት ድማ ብንፁር ተፈልዮም መፍትሒ ኣንፈት ክቅመጠሎምን፣ ኣብዚ ዝዓስሉ ኣካላት ውዳበኦምን ኣወፋፍረኦምን ኣጠናኺሮም ናብ ጭቡጥ ተግባር ንክኣትው ብቁዕ ምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መድረኽ ብሉፅ ኣፈፃፅማ ዝነበረን ትካላት፣ ውዳበታት፣ ጣብያታትን ቀጠናታትን ናይ ኣፍልጦ ምስኽር ወረቀት ብምሃብ ንቅድሚት ውፅኢታዊ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ብዝበለፀ ናህረን ዓቒበን ንክቅፅላን ካልኦተን ድማ ካብዚኤን ልምዲ ወሲደን ናብ ዝተመጣጠነ ደረጃ ኣፈፃፅማ ንክመፃ ዘኽእል መንፈስን ናይ ስራሕ ምልዕዓልን ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ውዳበታት ህዝቢ ብምጥንኻር ፀጥታን ሰላምን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ህዝባዊ ዋዕላ-ሰላም ተሳሊጡ።~~~~~~​ኣኽሱም ፦ኣብ  ከተማ ኣኽሱም ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ንምፍጣር፣ ከምኡ’...
29/08/2026

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ውዳበታት ህዝቢ ብምጥንኻር ፀጥታን ሰላምን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ህዝባዊ ዋዕላ-ሰላም ተሳሊጡ።
~~~~~~
​ኣኽሱም ፦
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ንምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ገበን ንምቁፅፃርን ዝዓለመ ናይ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ዘተ ዋዕላ ተኻይዱ።
​ኣብቲ ዋዕላ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ቴድሮስ በየነ፣ ናይ 2018 ዓ.ም ዝርዝር ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት፣ ዝተረኸቡ ጥንካረታትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ሕፅረታትን ኣቕሪቦም።

ኣይተ ቴድሮስ ኣብ መግለፂኦም፡ "ዘላቒ ፀጥታ ዝረጋገፅ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምትእምማንን ብሓባራዊ ምትሕግጋዝን ጥራሕ እዩ፤ ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ምፍጣር ድማ ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ መዓልታዊ ሓላፍነት እዩ" ኢሎም። ብተወሳኺ፣ ናይ ዞባ ምዕራብ ክላስተር ኣኽሱም ፀጥታ ተመዛበልቲ ምስ ናይታ ከተማ ሰላምን ፀጥታን ብምውዳድ፣ ብንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ንከተማ ኣኽሱም ካብ ገበንን ስግኣት ገበንን ውሕስቲ ንምግባር ብቑርፀኝነት ከምዝስራሕ ኣስሚሮሙሉ፡

​ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ሓጎስ ካሕሰይ ብግደኦም፣ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታትን ርእቶታትን መሰረት ብምግባር ናይ ቕድሚትን ቀፀልቲ መደባትን ኣንፈት ኣንቢሮም። ከንቲባ ሓጎስ ካሕሳይ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ "ኣኽሱም መሰረት ጥንታዊ ስልጣነ፣ መበቆል ጥበብን ምህዞን፣ ከምኡ’ውን መሰረት ሃይማኖታዊ ክብርታትን ቅርሲታትን እያ፤ ንኸምዚኣ ዝበለት ከተማን ህዝባን ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ክነረጋግፀሉ ግድን እዩ" ኢሎም።
​ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብና ኣብ መንጎ ምንባርን ዘይምንባርን ኣብ ዘሎ ሓያል ናይ ህልውና ሓደጋን ዓብዪ ምዕራፍን ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ፣ ህዝብናን ኣመራርሓናን ኣብ መኸተ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፣ ተወደብናን ተደጊፍናን ነዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም በዲህና ክንወፅእ "ብግዜ የለን" መንፈስ ክንስራሕ ይግባእ ብልዮም።

​ሰላምን ፀጥታን ናይ ፖሊስን ምልሻን ጥራሕ ሓላፍነት ከምዘይኮነ ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ፣ ማሕበረሰብ ፎሮምን ኮሙኒቲ ፖሊስን ብምጥንኻር ሓባራዊ ሓላፍነት ክውሰድን ተዋዲድካ ክስራሕን ከምዘለዎ ገሊፆም።
​ኣብ መወዳእታ፣ ከም መዐወኒ ሓሽሽን ጫትን ምጥቃም፣ ምትላል፣ ምጭብርባር፣ ቁማርን ስርቂን ብከቢድ ገበን ዘሕትቱ ምኻኖም ብምሕባር መናእሰይ ካብዚኦም ክቁጠቡ ተኣንፊቱ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈፀም ዝኾነ ይኹን ትንኮሳ ወይ ዓመፅ ካብ ሱሩ ንምድራቕ ሓባራዊ ቃልሲ ከምዝሓተት እቶም ከንቲባ ኣገንዚቦም።

✍️ ርክብን ሓበሬታን ከተማ ኣኽሱም
📅 23 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.
ኣኽሱም

29/08/2026

ኣብ ወረዳ ሰብዓ እንደርታ ዕለት 22/12/2018 ለይቲ ቅተለት ሓረስታይ ሃይለ እንባየ ኣጋጢሙ ኣሎ።

ምምሕዳር ወረዳ ሰብዓ እንደርታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞት ካብ ዘጋጠመ ስዓት ጀሚሩ ብዕቱብ እንዳተኸታተሎ ፀኒሑ እዩ።ምስ ዝምልከቶም ናይ ፀጥታ ኣካላትን ህዝቢን ዝተገበረ ክትትል ቀተልቲ ኣብትሕቲ ሕጊ ኣትዮም ኣለው።
ዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ገበን ብዝምልከቶም ኣካላት ዝግለፅ ኾይኑ ኣብቲ ዘጋጠመ ናይ ሰብ ሂወት ሕልፈት ንፖለቲካዊ ሸቀጥን ሸፍጥን ክተውዕሉ ኣብ ማሕበራዊ ምድያ ትውዝዑ ዘለኹም ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ግን ዘይምጥንን ነቲ ገበን ንምፍታሕ ዘይዓለመን በለፀኛ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርከብ ዝግበር ውዲት ምኻኑ ህዝብና ዝፈልጦ ዝኸሰረ ፕሮፖጋንዳ እዩ።

ሰለዚ መሓውር ፀጥታን ህዝቢ ወረዳና ጀሚርኻዮ ዘለኻ ተግባራት ፀጥታ ወረዳና ውሑስ ንምግባር ምንቅስቃስ ተጠናኺሩ ክቅፅል ብሒታዊ መማረፂ ምኻኑ ኣሚንኹም ምንቅስቃስኹም ክተሓይሉ እንዳፀዋዕና ንመወቲ ስድራ ፅንዓት ይሃብኩም ክንብል ንፈቱ።
ክብርን ሞገስን ንስዋኣትና!

#@ምንጪ ምምሕዳር ወረዳ 70 እንደርታ & enderta press,

🎇 እንካዕ ንበዓል ዓይኒ ዋሪ 2018 ዓ/ም ብሰላም አብፀሐኩም !!___________________________________🎇 በዓል ዓይኒ ዋሪ አብ ወረዳ ናዕዴር ዝርከባ ሲቢል ስርባንትን ካል...
28/08/2026

🎇 እንካዕ ንበዓል ዓይኒ ዋሪ 2018 ዓ/ም ብሰላም አብፀሐኩም !!
___________________________________
🎇 በዓል ዓይኒ ዋሪ አብ ወረዳ ናዕዴር ዝርከባ ሲቢል ስርባንትን ካልኦት ነበርትን አዋልድ ደቂ ዓይኒ ዋሪ ሓዊሱ ተፈጥራአዊ ፅባቀ ወቂበን ሎሚ ዕለት 22-12-2018 ዓ/ም ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝትኡ ሓልዩ ብደምቀት የክበርኦ ዊዒለን ።
🎇 ብተማሳሳሊ በዓል ዓይኒ ዋሪ ምክንያት ብምግባር ፓናል ምይይጥ ቀሪቡ ሙሉእ ምይይጥን ምርድዳእን ተገይርሉ ።
🙏 ሰናይ ቅንያት ድሮ በዓል ዓይኒ ዋሪ
🙏 በዓል ዓይኒ ዋሪ ንሰላምን ንሕውየትን
ምሕዝነት ህዝብታትን!!

መልእኽቲ ምምሕዳር ዞባ  ምብራቕ ትግራይ
28/08/2026

መልእኽቲ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ

ቤት ምክሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ን2019 ዓ/ም ልዕሊ 365 ሚሊዮን ብር  በጀት ኣፅዲቁ ።4ይ ዘመን መበል 44 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምክሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ንተኸታታሊ 2ተ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ...
28/08/2026

ቤት ምክሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ን2019 ዓ/ም ልዕሊ 365 ሚሊዮን ብር በጀት ኣፅዲቁ ።
4ይ ዘመን መበል 44 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምክሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ንተኸታታሊ 2ተ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ልዕሊ 7ተ ኣጀንዳታት ብዕምቆት ከም ዝረአየ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምክሪ ዝኮና ወይዘሮ ኣልማዝ ነርአ ሓቢረን ።
እተን ኣፈ ጉባኤ ወሲኸን ከም ዝገለፀኦ ኣብ ወረዳና ዝፀድቅ ዘሎ 365,549,100 ብር በጀት እኩል እኳ እንተዘይ ኮነ እቲ ዝረኸብናዮ በጀት ግን ምስቲ ዝፀደቀ ትልሚ ተናቢቡ ክፍፀም ኣገንዚበን ።

ዋና አማሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም መምህር ተክለመድህን ኣረጋዊ ናይ 2018 ዓ/ም ፀብፃብን ናይ 2019 ዓ/ም ዓመታዊ ትልምን ብመልክዕ ትንተና ዘቅረቡ እንትኮኑ ብፍላይ ኣብ ሕሉፍ ኣፈፃፅማ መደብ ዝነበሩ ጉድለታት ኣብዚ ዓመት ከይድገሙ በቢ ቤት ፅሕፈቱ ኣምሃሪ ሰጉምቲ ተወሲዱ እዩ ድሕሪ ምባሎም ኣብ ውራ መሬትን ክቡለላ ደቂ ሰብን ዝረአዩ ዘለው ፀገማት ግን ሕጂውን ገና ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ክልልን ተናቢብካ ምስራሕ ከም ዝጠልብ ገሊፆም ።

ተሳተወፍቲ ኣባላት ቤት ምክሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ብወገኖም " ኣብዚ ናይ ሎሚ ጉባኤ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ዘቅረቡ እኳ እንተኮኑ ብፍላይ
ኣብ ውራ መሬት ዝረአ ዘሎ ፀገም ፣ ኣብ ፀፅታ ምስ ኩብለላ ደቂ ሰባት ተተሓሒዙ ዝረአ ዘሉ ፀገም ፣ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ዘሎ ክፍተት ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ሰብ ሞያ ጣብያታት ዝረአዩ ናይ ሕጊ ግድፈት ፣ ብቤት ፍርዲ ዝውሰን ዘሎ ኣብ ማሕበረሰብ ቅሬታ ዝፈጠረ ናይ መሬት ውሳነ ፣ ፀገም መሰረተ ልምዓት፣ ንስድራ ስውኣትን ንሃርበኛታትን ዝኮን መንበሪ ቦታ ዘይምህላውን ካልኦትን ብስፍሓት ተላዒሎም ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂብዎም እዩ "ክብሉ ሓቢሮም ።

ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝቀረቡ ኣጀንዳታት ሕሉፍ ቃለ ጉባኤ ፣ ናይ 2018 ዓ/ም ፀብፃብ ፈፃሚት ፣ ፀብፃብ ቤት ፍርዲ ፣ ዳህሳስ ቆወምቲ ኮሚቴ ጉዳይ ሕግን በጀትን ፣ ዓመታዊ ትልሚ ፈፃሚት ናይ 2019 ዓ/ም ፣ ዓመታዊ በጀት ወረዳን 3ተ ጥዕና ጣብያታትን ከመኡ 'ውን ሹመት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መዓድንን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክርን ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቁ እዩ ።

ንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየንን 1.1 ሚልዮን ብር ዝግመት ቀለብ ሰብን እንስሳን ተዓዲሉ።ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂ ሓደጋ ከየብፅሕ ኮሚቴ...
23/08/2026

ንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየንን 1.1 ሚልዮን ብር ዝግመት ቀለብ ሰብን እንስሳን ተዓዲሉ።

ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂ ሓደጋ ከየብፅሕ ኮሚቴ ምክልኻል ሓደጋ ኣጣይሹ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ እንትኸው ብዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዝተዳለወ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ ቀለብ ሰብን እንስሳን ንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየን ሎምዓንቲ ብሓገዝ ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት 15 ቁሸታት ድርቂ ዘጋጠመ እንትኸዉን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ተሓቢሩ ኣሎ ።

ሩባ ተከዘ ሓቒፍና ክንፀምእ ፣ ክንጠምን ክንድረቕን ኣይግባእን ዝበሉ ነበርቲ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየን ግዚያውን ዘላቕን ደገፍ ክግበረሎም ሓቲቶም ።

ኣብ ምሃብ እቲ ሓገዝ ዋና ኣመሓዳሪ ዘባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሽሻይ ግርማይ አመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ንብረእድ ጎደፋ መርሃን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ጊዝያውን ዘላቕን መፍትሒ ክህሉ ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም.

ዜና ሓገዝንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየንን 1.1 ሚልዮን ብር ዝግመት ቀለብ ሰብን እንስሳን ተዓዲሉ።ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂ ሓደጋ ከየብ...
23/08/2026

ዜና ሓገዝ

ንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየንን 1.1 ሚልዮን ብር ዝግመት ቀለብ ሰብን እንስሳን ተዓዲሉ።
ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂ ሓደጋ ከየብፅሕ ኮሚቴ ምክልኻል ሓደጋ ኣጣይሹ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ እንትኸው ብዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዝተዳለወ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ ቀለብ ሰብን እንስሳን ንነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየን ሎምዓንቲ ብሓገዝ ተዋሂቡ ኣሎ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት 15 ቁሸታት ድርቂ ዘጋጠመ እንትኸዉን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ተሓቢሩ ኣሎ ።
ሩባ ተከዘ ሓቒፍና ክንፀምእ ፣ ክንጠምን ክንድረቕን ኣይግባእን ዝበሉ ነበርቲ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ተኽለወይንን ስየን ግዚያውን ዘላቕን ደገፍ ክግበረሎም ሓቲቶም ።
ኣብ ምሃብ እቲ ሓገዝ ዋና ኣመሓዳሪ ዘባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሽሻይ ግርማይ አመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ንብረእድ ጎደፋ መርሃን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ጊዝያውን ዘላቕን መፍትሒ ክህሉ ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም ።

22/08/2026

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Central Zone TPLF Office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share