05/09/2026
ኢትዮ ቴሌኮም ንቑፅሪ ዓማዊል ቴሌብር ልዕሊ 67 ሚሊየን ንምብፃሕ ተሊሙ
++++++++++++++
| ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ቐፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ ኻልኣይ ዓመት ብቴሌብር ኣቢሉ ሓቛፋይነት ፋይናንስ ንምርግጋፅ ስነ-ምህዳር ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምዕባይ ዘኽእሎ ተግባራት ክሰርሕ 'ዩ።
ኣብ በጀት ዓመት 2019 ንቑፅሪ ዓማዊል ቴሌብር 67 ነጥቢ 69 ሚሊዮን ንምብፃሕ ተሊሙ።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍሬህይወት ታምሩ ትልሚ ስራሕ በጀት ዓመት 2019 እቲ ትካል ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝብርሃሉ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ንቑፅሪ ዓማዊል ቴሌብር 67 ነጥቢ 69 ሚሊዮን ንምብፃሕ ተሊሙ።
ሓፈሻዊ በዝሒ ዕድጊት ቴሌብር 4 ነጥቢ 99 ቢሊዮን ንምብፃሕ ተሊሙ። እዚ 'ውን 7 ነጥቢ 4 ትሪክ ብር ዝግመት ፍሰት ገንዘብ ኣብ ዲጂታል ስርዓት ውሽጢ ንምንቅስቓስ የኽእል።
እቲ ኩባንያ ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ንሰብ-ኣኽስዮን 43 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ብር ኽፍፍል መኽሰብ ንምግባር ተሊሙ።
እቲ ትካል ኣብቲ በጀት ዓመት ንዝኸፍሎ ቐጥታውን ቐጥታዊ ዘይኾነን ኽፍሊት ግብሪ 83 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ብር ንምብፃሕ ተሊሙ እናሰርሐ ከምዝርከብ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ገሊፀን።
ንብሄራዊ ፈንድ መልሲ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ብር ኣበርክቶ ንምግባር ኸምኡ 'ውን ንማሕበራዊ ሓላፍነት 533 ሚሊዮን ብር ዝግመት ድጋፍ ንምግባር ምትላሙ ኣብሪሀን።
++++++++++++++++