05/05/2026
ኣብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ክትትልን ገምጋምን ስራሕቲ ምርምር ተኻይዱ
🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇
ካብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ክልላዊ መተሓባበሪ ፕሮጀክት #ኣይሪሽ ኤይድ Aid ፤ ኢክራፍ ፣ ካቶሊክ ዓዲግራት -SDCOAdB ፣ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ( ) ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ኪኢላታት ሕርሻ ጣብያን ወረዳ ታ/ማይጨው ተጠቀምቲ ሓረስቶትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዑደት ስራሕቲ ክትትልን ገምጋምን ኣካይዱ።
እቲ ዝተሳለጠ ክትትልን ገምጋምን ብፋይናንሳዊ ድጋፍ ፕሮጀክት #ኣይሪሽ ኤይድ( ) ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ብትሕብብር ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱምን ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳ ታሕታይ ማይጨውን ይሳለጡ ኣብ ዘለው ዝተዋደዱ ስራሕቲ ምርምር ልምዓት መስኖ ተኻይዱ።
ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ፕሮጀክት Aid ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ማይ ስየ ሞዴል መፋስስ ማይሾማ ኣብ 75 ሓረስቶት ዝሳለጡ ዘለው ዝተዋደዱ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ሜላ ሰሪሕኻ ምርኣይ ምብዛሕ ዘርኢ ቀይሕ ሽጉርቲ ዓሌት #ናፊስ ሬድ፣ ምፍላጥ ዝተመሓየሸ ዓሌት # ጉዴና ድንሽ ፣ ምፍላጥ ምጥን ተፎጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ድኹዒ ኣብ ሽጉርቲ፣ ምፍላጥ ዝተመሓየሻ ዓሌት ኮኮክ ደርሁ፣ ምፍላጥ ዝተዋደደ ዓሌት ቀለብ እንስሳ ሳዕሪ ባናን፣ ኣልፋኣልፋን፣ ፈተነ ምልማድ ዓሌታት እንሰት፣ ማእኸል ምርምርን ምርባሕን ደርሆ ማእኸል ዝገበረ ዑደት ክትትልን ገምጋምን ተሳሊጡ።
እቶም ስራሕቲ እውን ኩሎም ከይዲ ስራሕቲ ምርምር ዘሳተፉ ዝተወደቡ ጉጅለ ተመራመርቲ ሓረስቶት፣ ጣብያን ወረዳን ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ተመራመርቲን ብዝተዋደደ መልክዕ ዝስርሑ ዘለው እዮም።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን ምስ ዘሎ ሕፅረት ነዳዲ ተታሒዙ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ብሓገዝ ፕሮጀክት ኣይሪሽ-ኢክራፍ ኣብ መፋስስ ማይሾማ ክልተ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ ሶላር ፓምፕ ሓገዝ ተገይሩ።
ካብዚ ብምብጋስ እውን ኣብ ባይታ ዝረአዩ ዘበረታትዑ ተግባራዊ ስራሕቲ ከም ዝተፈፀሙን ኣብ ሓረስቶት ልዑል ሞያዊ ዓቕሚ ከም ዝተፈጠረ ንምግንዛብ ተኻኢሉ እዩ።
በዚ መሰረት ተጀሚሮም ዘለው ስራሕቲ ንቐፃሊ ተጠናኺሮም ክቕፅሉን ንኻልኦት መርኣያ ክኸውን ዝኽእል ሞዴል መፋስስ ኣብ ምፍጣር ብትብዓት ምስራሕ ከም ዘድሊ ሓቢሮም ኣለው።
27 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.
አክሱም
Monitoring and evaluation activities were conducted at Aksum Agricultural Research Center.
🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇🍇 🍇🍇
The monitoring and evaluation team included representatives from:
- Bureau of Agriculture and Natural Resources (including the / Regional Project Coordinator)
- ( )
- Adigrat ( -SDCOAdB)
- Agricultural Research Institute (TARI) — researchers from Aksum
The activities were implemented in collaboration with Aksum Agricultural Research Center and the Tahtay Maichew District Economic Development Sector.
Key activities included:
- PED of Red onion variety seed multiplication
- PED of improved potato variety
- Demonstrations on the application of organic and chemical fertilizers for onion production
- Demonstration of dual-purpose improved chickens;
- Demonstrations of integrated forage varieties, including grass and
- Adaptation trial of varieties
- Aksum poultry research & multiplication farm
These activities were carried out in a coordinated manner by an organized farmers’ research group, together with station and district agricultural professionals and researchers engaged in the research process.
Two solar pumps were donated by the – Project to address fuel shortages. As a result, practical activities were strengthened on the ground, and farmers’ technical capacity was significantly improved.
Going forward, the work initiated must be sustained and strengthened through continued, coordinated efforts to improve the community’s livelihoods and to develop a model catchment that can serve as a benchmark for others.
5 May 2026
Aksum