19/08/2026
ዋዕላ ምክልኻል ሓደጋ ድርቂ ዞባ ምብራቕ
ድርቂ ዝፃወር ቁጠባ ኣብ ምህናፅ ኩሎም ኣመራርሓን ኪኢላታት ሕርሻን ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ብግዜ የለን መንፈስ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣተሓሳሲቦም ።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ሃይላይ ነዚ ዝገለፁ ብብርኪ ዞባ ኣጓኒፉ ዘሎ ድርቂ ከመይ ንመክቶ ዝብል፣ ኣብ ዝመክር ዋዕላ እዩ ።
ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ካብ ኩለን ወረዳታትን ጣብያታትን እቲ ዞባ ምስ ዝመፁ ኣመራርሓን ኪኢላታት ሕርሻን ከምኡ እውን ካብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ተወኪሎም ምስ ዝተረኸቡ ኣካላት በዚ ዕለት ኣብ ዙርያ ኣጓኒፉ ዘሎ ሕፅረት ዝናብን መፍቲሒታቱን ሰፊሕ ዘተን ምኽክርን ኣካይዱ ኣሎ ።
ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ሃይላይ ከም ዝበልዎ ፣ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምቅርራብ ወራር ፀላእን ድርቅን ኣብ ቅድሚታ ፈታናይ መድረኽ ኮይኑ መፂኡ ኣሎ ድሕሪ ምባል ፤እዞም ፈተናታት መላእ ህዝብና ፣መሪሕነትናን ኪኢላታት ሕርሻን ኣነቓኒቕና ብምንቅስቓስ ክንሰገሮ ኢና ኢሎም ።
ዘዝነጠበት ዝናብ ብምዕቃብን፣ መማረፂ ማይ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ድማ ደጋፋይ መስኖ ብምጥቃም መፍረያይነት ሓረስቶት ንሓደጋ ብዘጋልፅ መንገዲ ከይንኪ ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ፍስሃ ፣ ብስንፍናን ሃያ ተለየ መሪሕነትን ኪኢላታት ሕርሻን ህይወት ሰብን ጥሪትን ከይጥፍእ ልዑል ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ድማ ገሊፆም ።
ምክትል ዋና ኣመሓዳርን ሓላፊ መምርሒ ዘፈር ቁጠባን ዞባ ምብራቕ ኣይተ ሃይላይ ገብረማርያም ከም ዝበልዎ ድማ ፣እቲ ዘጓንፍ ዘሎ ሕፅረት ማይ ውሽጣዊ ፀጋታት ከባቢና ተጠቒምና ንምፍታሕ ይስራሕ ዋላ እንተሃለወ እቲ ሓደጋ ጉድኣቱ ከየመዝን ግና ኣብ ህይወት ኣድሕን ስራሕቲ ዝነጥፉ ኣካላት ነቲ ኩነታት ልዑል ኣቓልቦ ክህብዎ ፀዊዖም ።
ብፍላይ ምስ ዓፋር ዝዳቦባ ወረዳታት ፅራእ ወንበርታ ፣ፃዕዳ እምባ ፣ኣፅቢ ፣ሰውሓ ሳዕሲዕን ኢሮብን ከምኡ እውን ወረዳታት ጉለምኸዳን ጋንታ ኣፈሹምን ፍሉይ ክትትልን ደገፍን የድልየን ዝበሉ ኣይተ ሃይላይ ፣ብሰንኪ ሓስኻ ባልዕ ኩችኔል ዝጠፍእ ዘሎ ተኽሊ በለስ ንምሕዋይን ደጊምካ ንምትካልን ድማ ከም ሓደ ቁልፊ መደብ ጌርካ ክስርሓሉ ከም ዝግባእ አገንዚቦም።
ኣብቲ መድረኽ ክሳተፉ ዝረኸብናዮም ኣመራርሓ ወረዳን ሕርሻን ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ፣ካብቲ ዋዕላ ዝረኸብዎ ጠቓሚ ሓበሬታን ልምድን ንምድሓን ህይወት ወገኖም ከም ዘውዕልዎ እዮም ኣረጋጊፆም ዘለው ።
# መዝገበ ጎይትእም ( ድ ወ ት)