09/06/2024
ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ስሚንቶ #ቶጎጋ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ 3. 2 ቢልየን ኣክስዮን ከምዝሽጠ ዕላዊ ገይሩ ።
ማሕበር #ኣክስዮን ፍብሪካ #ስሚንቶ #ቶጎጋ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሎ ዘተኣማምን ብርኪ ከምዝርከብ ድማ ተገሊፁ። እዙይ ዝተገለፀ ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ እቲ ማሕበር ኣክሲዮን በፂሕዎ ዘሎ በርኪ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ። ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ብብር 17 ቢለየን ካፒታል ዝምስረት ፍብሪካ ኮይኑ ዛጊድ ልዕሊ 3.2 ቢልየን ከምዝተኣከበ ተገሊፁ። እዙይ ድማ እቲ ማሕበር ኣክስዮን ከማልኦ ዝግባእ 30 ሚኢታዊ ከም ዘማልእ ፕረዝደንት ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ሲሚንቶ ቶጎጋ ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ ገሊፆም።
ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ስሚንቶ ቶጎጋ ፣ ዛጊድ ልዕሊ 3.2 ቢልየን ብር ኣብ ዕፁው ባንኪ ኣካውንት ብ16 ፐርሰንት ወለድ ከምዝተቐመጠ ተገሊፁ።
ጥረ ኣቕሓ ብዝምልከት ዝርዝር መፅናዕቲ ከምዝተዛዘመ ንልዕሊ 80 ምኢታዊ ጥረ ኣቕሓ ካብ ትግራይ ዝጥቀም እንትኾን ካብ ደገ ዝኣትው እቲ ማሽነሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ፍብሪካ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣበያ ድብረ ናዝሬትን ጣብያ ማይ ኣንበሳ ከምዝህነፅን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ምርድዳእ ከምዝትገበረ 'ውን እቲ መብርሂ የመልክት።
ናይ መዓድን መፍረይነት ፍቓድ፣ኢንቨስትመንት ፍቓድ፣ ከምኡ እውን መስርሒ መሬት ከምዝተረከበ ተገሊፁ። ሕጋዊ ሰነዳት ኣማሊኡ ከም ዝሓዘን ድማ ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ኣክስዮን ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ንዝሓገዙ ኣካላት፣ ንህዝቢ ጣበያ ድብረ ናዝሬትን ጣብያ ማይ ኣንበሳ ፣ በቢብርኩ ዘለዎ ምምሕዳራትን ቢሮታትን ምስጋና ኣቕሪቡ ።
ናይ 30 ዓመት ኣብቲ ዘርፊ ልምዲ ብዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላተ መፅናዕቲ ተገይሩሉ ከም ዝተጀመረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
ምስ ባንኪ ኣንበሳ ዕድል ልቓሕ ክመቻችው ብምግባር ህዝቢ ተጠቃሚ ንምግባር ከምዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ። ኣብቲ መግለፂ ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ሲሚንቶ ቶጎጋ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዓሊሙ 18 ኪሎ ሜትር መንገዲ ብምፅራግ ነበርቲ ቶጎጋ ተጠቀምቲ ገይሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ 4ሽሕ ኩንታል ንተመዛበልትን ንተምሃሮ ድማ 10,000ሽሕ ደፍተር ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፁ።
እዙይ ፕሮጅክት ሓድነት #ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ዝለዓለ ግደ ከምዘበርክት ዝተሓበረ ኮይኑ፣ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መፃኢ 2/3 ዓመታት ተሃኒፁ ናብ ሰራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቶጎጋን ቶጎጋ ዝመስላ ፋብሪካታት ተስፋ ትግራይ ስለዝኾና ኩሉ ትግራዋይ ደገፉ ከጠናኽር ይግባእ ተባሂሉ።
ማሕበር ኣክስዮን ፍብሪካ ሲሚንቶ ቶጎጋ ኣብ 2015 ወርሒ ሰነ እምነ ሰረት ምንባሩ ይዝከር።
#ፈይሰል ሙስጦፋ
© Dimtsi Weyane
Invest in Tigray Tigrayan Entrepreneurs Association - TEA Tigrai Television