27/06/2026
#ሓበሬታ
ንኩለኹም አባላትን ደገፍትን ውድብ ናፅነት ዞባ ምዕራብ ትግራይ
# # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # # #
አብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ደምብን ኣሰራርሓን ወፃእ ንውድብ ናፅነት ጨዊዮም መሳርሒ ህወሓት ክገብርዎ ብኣይተ ገ/መድሕን ሮምሃይ እናተመሩሑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከም ዘለዉን ሎሚ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ኣካይድና ዝብሉ ገለ ግለ ሰባት ከም ዘለዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ ፡፡
ልክዕ ከምቲ ዝሕሽከሩሉ ዘለው ውድብ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦ ናይ ይምሰል ጉባኤ ከካይዱ፣ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ክገብሩ፣ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተጣየሸ ፌክ መንግስቲ ህወሓት ድማ ስልጣን ክረኽቡ መፅብዓ ተኣትይሎም ብኣፍ ኣርክብ ተኣዚዞም ይሰርሑ ከምዘለው ሙሉእ ሓበሬታ ከምተረኸበ ኩሉ ኣባልን ደጋፍን ናፅነት ነዚ ነገር ይፍለጥ።
አብ ደንበ ዕንክሊል ተሸጉጥካ ምግሃድ ሃገረ ትግራይን ምድኑጓይ ይከኣል እዩ፤ምዕጋት ግን ኣይከኣልን። ከም ጉጅለ ህወሓት ዝበሉ መደናጎይቲ ኣገሀድቲ ሃገረ ትግራይ ክኾኑ ኣይኽእሉን።ምስ ፋኖ ተሻሪኾም ዋላ ስልጣን ኣርባዕተ ኪሎ እንተሓዙ እዞም ልማደኛ ገዛእቲ ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድሉ ክውስን ሪፈረንደም ክካየድ ኣይፈቕዱን።
በዞም ካብ ውድብና ብዲስፕሊኒን ህረፍ ስልጣንን ፡ መጋበርያ እዚ ድሑር ጉጅለ ብምኻን ውድብ ናፅነት ንምብታን ትደኽሙን አብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ክንገብር ኢሎም ከምቲ በኽቲ ውድብ ናፅነት ከመራስሑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ አለዉ ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኩለኹም አባላትናን ደገፍቲ ናፅነት ዘለኹም ካብዞም መዳነገርቲ ቃልሲ ናፅነት ዓርስኹም ክተግልሉን እቲ ሓቀይና ቃልሲ ናፅነት ከም ቀደምኩም ሓገዝኩምን ድጋፍኩም ክትቅፅልሉ ይላቦ ፡፡
Share and Like ናብ ኩሉ ናፅነታዊ ክባፃሕ ግበሩ .!
✍️ Kalayu Hagos ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ናጽነት