Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ

Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ, Library, Tigray, Mekelle.
(1)

17/08/2026

22/07/2026

22/07/2026
  ኣዕሩኽ💃💃​ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ብዕድመ ዝኣረገ ብልህ ኣቦ ነታ ዝዓበየት ብልሕን ኣስተውዓሊትን ጓሉ ጸዊዑ፡ “ውላደይ፡ ሎሚ ደስ ዝብል መዓልቲ እዩ። እዚ ፍሉይ በጊዕ ሓሪደ ኣለኹ፤ እሞ ናብ...
21/07/2026

ኣዕሩኽ
💃💃​ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ብዕድመ ዝኣረገ ብልህ ኣቦ ነታ ዝዓበየት ብልሕን ኣስተውዓሊትን ጓሉ ጸዊዑ፡ “ውላደይ፡ ሎሚ ደስ ዝብል መዓልቲ እዩ። እዚ ፍሉይ በጊዕ ሓሪደ ኣለኹ፤ እሞ ናብ ፍቖዶ ሰፈር ወጺእክስ፡ ነቶም ኩሎም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መሓዙተይን ጎረባብተይን ጸውዒልይ። መጺኦም ምሳና ይበልዑ፡ ይስተዩ፡ ድስ ኣቢልና ድማ እቲ ማዕድና ምሳና ያሕልፍ” በላ።

💃💃​እታ ጓል፡ “እሺ ኣቦይ” ኢላ ወጸት። ነገር ግን ናብቲ ሰፈር ምስ በጽሐት፡ ከምቲ ኣቦኣ ዝበላ ገይራ “ናብ ድግስ ንዑ” ኢላ ኣይተዛረበትን። ኣብ ክንድኡስ፡ እናበኸየትን እናጨደርትን ከምዚ በለት፡ “ኣቱም ሰባት፡ እባክኹም ሓግዙኒ! ኣቦይ ብድንገት ብጽኑዕ ሓሚሙ፡ ሕጂ ናብ ሕክምና ዘብጽሖ ሰብ ስእነ ኣለኹ፤ እባክኹም ቀልጥፍኩም ደረሱልና!” እናበለት ዓው ኢላ ተዛረበት።
​እቶም ኣብቲ ሰፈር ዝነበሩ ዝበዝሑ ሰባት፡ እዚ ወሬ’ዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዋይ ሕስርቲ መዓልቲ፡ ሕጂ እሞ እንታይ ንግበር! ግዜ ዘይህብ ስራሕ ኣለና” እናበሉ ብመኽንያታት ተሸፊኖም ተሓብኡ። ገሊኦም እውን እቲ ሰብኣይ ካብ ሓመመ ድሕሪ ሕጂ እንታይ ክረክብ እዩ ዝአረገ ሰብኣይ ይኣኽሎ ምንባር ኣብዛምድሪ ብምባል ገጾም መለሱ።

💃💃​ነገር ግን ውሑዳት ሰባት ጥራይ፡ ናይ ጭንቀት ኣብ ገጾም እናተራእየ፡ ስርሖም ዘበለ ኩሉ ደው ኣቢሎም፡ ብድንጋጸን ብሓልዮትን እናጎየዩ ናብቲ ገዛ መጹ።

💃💃​ኣቦ እቶም ሰባት ብሕንቃቀን ብፍርሃትን እናጎየዩ ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ከለው ምስ ረኣየ፡ ብጣዕሚ ገረሞ። ግራ ተጋቢጡ ንጓሉ ጠመታ እሞ፡ “ወለደይ፡ እዞም መጺኦም ዘለው ደኣ መነኦም እዮም? እቶም ኩሎም ዝፈልጦም ጎረባብተይን ናይ ሓጐስ መሓዙተይን ደኣ ኣበይ ኣለው?” ኢሉ ጠየቓ።

💃💃​እታ ጓል ፍሹኽ ኢላ ከምዚ በለቶ፡
​“ኣቦይ! እቶም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽትናን ምሳና ማዕድ ክካፈሉ ዝግብኦምን ሰባት እዞም ሕጂ መጺኦም ዘለው ጥራይ እዮም። በቲ ናይ ሓጐስካን ድግስካን መዓልቲ ጥራይ ዝእከቡ ሰባት ናይ ሓቀኛታት ኣዕርኽትኻን ኣዝማድካን ኣይኮኑን፤ እቶም ናይ ሓቂ መሓዙትሲ፡ ኣብቲ ናይ መከራን ጭንቅን መዓልቲ ካብ ጎንኻ ዘይፍለዩ እዮም!”

ቀንዲ ኣፈላላይ EGRAን EGMAN🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓እዞም መሳርሒታት እዚኣቶም ባዕሎም ዝኸኣሉ ስታንዳርድ (ስታንዳርዳይዝድ ንኡሳን ዕማማት ወይ Subtasks) ኣለዉዎም። ቀንዲ መለክዒታቶምን ዘ...
15/07/2026

ቀንዲ ኣፈላላይ EGRAን EGMAN
🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓🔓
እዞም መሳርሒታት እዚኣቶም ባዕሎም ዝኸኣሉ ስታንዳርድ (ስታንዳርዳይዝድ ንኡሳን ዕማማት ወይ Subtasks) ኣለዉዎም። ቀንዲ መለክዒታቶምን ዘለዎም ናይ መለክዒ ደረጃታትን (standards) ከምዚ ዝስዕብ ይቕርብ፦
🌏🌏​1. EGRA (Early Grade Reading Assessment) — መለክዒታት ምንባብ
​EGRA ብኣፍ ዝውሃብ ፈተና ኮይኑ፡ ሓደ ቆልዓ ካብ ፊደላት ናብ ንባብን ምርዳእን ዘለዎ ናይ ምዕባለ ብቕዓት ይዕቅን። ቀንዲ ንኡሳን መዐቀኒታቱ (Subtasks) እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
​ምልላይ ፊደላት (Letter Name Recognition): ኣብ ውሽጢ 1 ደቒቕ ክንደይ ፊደላት ብትኽክል ከም ዘለለየ (Letter sounds / names per minute)።
​ምፍላይ ድምፅታት (Phonemic Awareness): ቆልዑ ኣብ ውሽጢ ቃላት ዘለዉ ድምፅታት ናይ ምፍላይን ምፍልላይን ዘለዎም ክእለት።
​ምእማን ፍሉጣት ቃላት (Familiar Word Reading): ኣብ ከባቢኦም ልሙዳት ዝኾኑ ቃላት ብቕልጡፍ ናይ ምንባብ ዓቕሚ።
​ናይ ፈጠራ/ሰብ-ሰርሖ ቃላት ምንባብ (Invented/Non-word Reading): እዚ ንኡስ ዕማም እቲ ቆልዓ ቃላት ብቓሎም ሸምዲዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድምፅታት ኣወሃሂዱ ናይ ምንባብ (decoding) ክእለት ከም ዘለዎ ንምፍታን ዘይሃለዉ ቃላት (ንኣብነት "ፎፕ"፣ "ላኪ") ክነብብ ይውሃቦ።
​ቅልጣፈ ንባብ ብኣፍ (Oral Reading Fluency - ORF): ሓደ ናይ ታሪኽ ፅሑፍ (passage) ሂብካ ኣብ ውሽጢ 1 ደቒቕ ክንደይ ቃላት ብትኽክል ከም ዘንበበ ይዕቀን።
​ንባብ ምርዳእ (Reading Comprehension): ነቲ ዘንበቦ ፅሑፍ መሰረት ገይሩ ንዝቐርቡሉ 5 ሕቶታት ክምልስ ይሕተት።
​ምስማዕ ምርዳእ (Listening Comprehension): ገምጋሚኡ ታሪኽ የንብበሉ እሞ፡ ብምስማዕ ጥራይ ተረዲኡ ንዝሕተቶ ሕቶታት ክምልስ ይግበር።
🌍🌍​2. EGMA (Early Grade Mathematics Assessment) — መለክዒታት ሒሳብ
​EGMA ተምሃሮ መባእታዊ ክፍሊ (ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ) መሰረታዊ ናይ ቁፅሪታት ስነ-ሓሳብን (number sense) ስርሓትን ዘለዎም ምርዳእ ይዕቅን። ንኡሳን መዐቀኒታቱ (Subtasks)፦
​ምልላይ ቁፅሪታት (Number Identification): ተኸታተልቲ ዘይኮኑ ቁፅሪታት ብትኽክል ምልላይ።
​ብዝሒ ምውድዳር (Quantity Discrimination): ካብ ክልተ ቁፅሪታት ኣየናይ ከም ዝዓቢ ወይ ከም ዝንእስ ምፍላይ (ንኣብነት፡ 58 ድዩ ወይስ 85 ይዓቢ?)።
​ዝጎደለ ቁፅሪ ምፍላይ (Missing Number): ተኸታተልቲ ቁፅሪታት ሂብካ ነቲ ዝጎደለ ምምላእ (ንኣብነት፡ 2, 4, [ ], 8 — እቲ ምስጢር ምስራዕ/pattern ምፍላይ እዩ)።
​መሰረታዊ ስርሓት ምድማርን ምቕናስን (Addition & Subtraction - Level 1 & 2):
​ደረጃ 1 (Level 1): ቀለልቲ ብኣእምሮ ዝስርሑ (mental math) ከም 5 + 2 ወይ 9 - 3።
​ደረጃ 2 (Level 2): ዝያዳ ዝተሓላለኹን ምስግጋር (carrying/borrowing) ዝሓቱ ከም 24 + 18 ወይ 35 - 17።
​ናይ ቓላት ፀገማት (Word Problems): ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙ ሒሳባዊ ሕቶታት ብቓላት ኣቕሪብካ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ።
🌍🌍​3. እዞም መሳርሒታት ዓለማዊ ስታንዳርድ (Standards) ኣለዎም ዶ?
​እወ፡ ኣለዎም። ግና እቲ ስታንዳርድ ከም ካልኦት ፈተናታት ሓደ ዓይነት ሕቶታት ኣብ ኩሉ ዓለም ብምብታን ዘይኮነስ፡ ብኣሰራርሓን ብናይ መወዳእታ ውፅኢት መዐቀኒታትን (Methodology & Benchmarking Standards) እዩ ዝግበር፦
​ሀ. ናይ ኣወሃህባ ስታንዳርድ (Standardization of Administration)
​ኩሉ ግዜ ብኣፍን ብውልቀን (1-to-1) እዩ ዝውሃብ።
​እቶም ፈተናታት ብኮምፒውተር ወይ ሞባይል ሶፍትዌር (ንኣብነት "Tangerine" ዝበሃል ኣፕ) ብምጥቃም ብሰከንድ ዝተሰነየ ናይ ሰዓት መዐቀኒ (timer) ኣለዎም።
​ለ. ምምዕማም ከባብያዊ ቋንቋን ስርዓተ-ትምህርትን (Contextual Adaptation)
​እቲ ስታንዳርድ ናይቲ ቋንቋን ሃገርን ኩነታት ከገናዝብ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ቆልዓ ኣብ 1 ደቒቕ ክንበቦም ዘለዎም ናይ እንግሊዘኛ ቃላትን ናይ ትግርኛ ቃላትን ሓደ ኣይኮኑን (ምክንያቱ ትግርኛ ዝተዋሃሃዱ/morphologically rich ቃላት ስለ ዝጥቀም)።
​ስለዚ፡ ቅድሚ ፈተና ምክያዱ፡ ክኢላታት ትምህርቲ ነቲ ፈተና ምስ ቋንቋን ስርዓተ-ትምህርትን እታ ሃገር የሳንይዎ (Adaptation Process)።
​ሐ. መዐቀኒ ደረጃታት ብቕዓት (Benchmarks)
​ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ባዕለን "መዐቀኒ ብቕዓት" (benchmarks) የቐምጣ። ንኣብነት ሓደ ቆልዓ ካልኣይ ክፍሊ ምስ ወድአ፦
​ብቕዓት ንባብ (Reading Fluency): ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሓደ ተምሃራይ ካልኣይ ክፍሊ እንተነሓሰ ኣብ 1 ደቒቕ ካብ 45 ክሳብ 60 ቃላት ብትኽክል ክንብብን 80% ካብቲ ዝተሓተቶ ምርዳእ ክምልስን ከም ስታንዳርድ ይውሰድ።
​ሒሳብ (Mathematics): ኣብ ምድማርን ምቕናስን (ደረጃ 1) ካብ 70% ንላዕሊ ክምልስ ከም ምልክት ብቕዓት (benchmark) ይቕመጥ።

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category