26/08/2026
ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ ሎሚ ዕለት 20 ነሓሰ/2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉዳያት ተመያይጡ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ::
ፈለማ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ዝረኣዮ ብዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ተሃነፅቲ ዝቐረበ ናይ ይቅርታ ውሳነ ሓሳብ ዝዘተየ ኮይኑ ን573 ተሃነፅቲ ብይቅርታ ክፍትሑ ወሲኑ ኣሎ::
ስዒቡ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ዝረኣዮ ኣብ ዙርያ መምርሒ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ምጥያሽ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ግዕዝይናን ሳዕቤኖምን ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ተመጣጣኒ ግብረ መልሲ ንምሃብን ብዝተፈለየ ትኹረት ብሄራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዘረጋግፅ መንገዲ መሰረታዊ ለዉጢ ንምምፃእ ብብርኪ ክልል ብሄራዊ ኮሚቴ ክጣየሽ ዘኽእል መምርሒ ኣፅዲቑ ኣሎ::
ቐፂሉ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ብ3ይ ደረጃ ዝረኣዮ ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ደንቢ ድሕሪ ምዝታይ ነቲ ዝተዳለወ ደንቢ ኣፅዲቕዎ ኣሎ::
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ዝረኣዮ ካሊእ ጉዳይ ኣብ ፕሮግራም ቃልኪዳን ሰቖጣ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ዝኾና ተወሰክቲ 19 ወረዳታት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እተን ወረዳታት ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ክኾና ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ::
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት
ነሓሰ 20/2018 ዓ/ም
መቐለ