ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ Tigray Police Commission

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ Tigray Police Commission TO INFORM AND EDUCATE

ሓደራ  ህዝብናን ብፆትናን ተሰኪምና ዝተውሃበና ተልእኾ ብድሙቕ ዓወት  ክንፍፅም ድልዋት ኢና ክብሉ መላእ ኣመራርሓ ካብ ሓይሊ ፖሊስ ተነክዩ ናይ ዝተወደበ ኣሃዱ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም። እቶ...
07/09/2026

ሓደራ ህዝብናን ብፆትናን ተሰኪምና ዝተውሃበና ተልእኾ ብድሙቕ ዓወት ክንፍፅም ድልዋት ኢና ክብሉ መላእ ኣመራርሓ ካብ ሓይሊ ፖሊስ ተነክዩ ናይ ዝተወደበ ኣሃዱ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም። እቶም ኣካላት ኣመራርሓ ነዚ ዝገለፁ ናይቲ ኣሃዱ ክርከቡ ዝግበኦም ተወከልቲ ኣመራርሓ ኣብ ዘሳለጥዎ ሓበራዊ ምይይጥ እዩ።

ኣመራርሓ እቲ ኣሃዱ ኣብቲ ክርከብሉ ዝተዓደምሉ መድረኽ ተራኺቦም ኣብ ዘሳለጥዎ ምይይጥ፤ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ይሕደጎ ስዩም ከም ዝበሎ፤ ፀላኢ ካብ ኩሎም ፀላእተይ ዝብሎም ውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ቀዳምነት ሂበ ከጥፈኦ እየ ኢሉ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ ንህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ ንሕና ድማ ምርግጋፅ ህልውና ህዝብና ቀዳምነት እንህበሉ ዋኒን ስለ ዝኾነ ትካል ፖሊስ ውሽጣውን ደጋውን ሰላም ትግራይ ከውሕስ ድርብ ተልእኾ ተሰኪሙ እዚ ኣሃዱ ወዲቡ ግብራዊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።

ኣበይ÷ መዓዝ እንታይ ንሰርሕ ኣብ እዋኑ ብወሃቢ ተልእኾ ዝንፀር ኮይኑ፤ ነዚ ዘዐውት ወታሃደራውን ፖለቲካውን ኩለመዳያዊ ብቕዓትን ቁመናን ወኒንና ምፅናሕ ግና ግዜ ዘይወሃቦ ግድን ሐዚ ዝስራሕ ብምዃኑ ክብደት ሓላፍነትና ተገንዚብና እንትንግስግስ ሓደ ኣሃዱ ክንዲ ዝሃለወ ቁፅሪ ይሃልዎ ከም ሓደ ዝተስሓለ ስብእና ዘለዎ ሰብ ክሰርሕ ዘኽእል ውሁድ እስትፋስ ዘለዎ ኮይኑ እንትንቀሳቐስ ጥራሕ ብራኸ ዓወት ከም ዝጎናፀፍ ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጎ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

ነዚ ካብ ፖሊስ ናይ ባዕሉ ስምን መሓውርን ሒዙ ዝተወደበ ኣሃዱ ብኣዛዝነት ክመርሕ ዝተመዘዘ ተጋዳላይ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ገብረስላሴ በላይ ብግድኡ፤ ግልጋሎት ፖሊስ ነኪናን በቲ ዝተረፈ ክስራሕ ሓሲብናን እዚ ኣሃዱ እንትንውደብ ኣብ ህዝብና ዝትግበር ዘሎን ዘንፀላለወን ሓደጋ ከቢድነቱን ቀዳምነቱን እንግንዘበሉ ጉዳይ ስለ ዝኾነ
እቲ ኣሃዱ ዝተውሃቦ ተልእኾ ንምፍፃም ዘለዎ ድልውነትን ብቕዓትን ልዑል ምዃኑ እምነቱ ኣንቢሩሉ።

እቲ ሓይሊ ፖሊስ ንምፍራስ ዝካየድ ዘሎ ፀለመታት ድማ፤ መቐፀልታ እቲ ሰራዊት ትግራይ ንምፍራስ ዝካየድ ዝነበረ ኣጀንዳ ፀላእትን ተላኣኣኽቶምን ብምዃኑ ውሽጥና እናፅረናን ሓድነትና ዝያዳ እናጠናኸርናን ብናህሪ ክንምርሽ ይግባእ ኢሉ።

ፀላኢ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕቶ ኣውዲቑ ግብራዊ ምንቅስቓስ ይቕፅል ስለ ዘሎ ህዝባዊ ፖሊስ ትግራይ ነዚ ኣብ ዝምክት ሓይሊ ኮይኑ ምውዳቡ ዘድነቑ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፤ ኩሉ ኣባል ፖሊስ ድልውነቱ ዳግም ተረጋጊፁ፤ ብምደባ ስራሕ ደጀንን ግንባርን ተባሂሉ ክልቲኦም ተመጋገብቲ ወፍርታት ዕዮ ከዐውት ብወነን ሕራነን ተዋፊሩ ከም ዘሎ ኣረጋጊፆም።

እዚ ህዝብና ዝሃበና ተልእኾን ብፆትና ዝወደቑሉ ዘይተዛዘመ ዕላማን ኣብ ሸትኡ ክነብፅሕ ድማ ድልዋት ኢና ኢሎም።

ኣብ ዝበዝሓ ወረዳታት ዞባታትን ዘለዉ ኣካላት ምምሕዳር ሰራዊትና ኣለዓዒሎም፥ ከዲኖምን ኣርጊፆምን ብምልኣኽ፤ ሰዒቡ እውን ኣብቲ ደጀን ዘሎ ስራሕቲ ፀጥታ ከይልሕልሕ ክምራሕን ተተኻኺኡ ክስራሕን ዝተገበረ ፃዕሪ ብምንኣድ ሐዚ እውን ደጀንን ግንባርን ስጡም ምትእስሳር ፈጢሩ ክኸይድ ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ተገሊፁ።

02/09/2026

ውሽጣውን ደጋውን ሰላም ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ዝኾነ እዋንን ኩነትን ወትሩ ድልዋት ምኻኖም ኣባላት ፖሊስ ትግራይ ገሊጾም።

ኣብ 2013 ዓ/ም ዘጋጠመ ኲናት ጽንተት ስዒቡ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ 2014 ዓ/ም ብሓዱሽ መልክዕ ብኣወዳድባ ፓራሚሊተሪ ዳግም ከም ዝተጣየሸ እቶም ኣባላት ገሊጾም።

እዚ ኣወዳድባ ህዝባዊ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ሰላም እዋን ውሽጣዊ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘስፍን እንትኸውን ዓዲ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐትሉ ድማ ተዋጋኣይ ሓይሊ ኮይኑ ምእንተ ህዝቢ ግቡኡ ዝፍጽም ብምዃኑ ንኽልቲኡ ተልእኾ ጠጠው ኢልና ኣለና ክብሉ ድማ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ትግራይ ክልቲኡ መኣዝን ሰላም ክሕልው ብዘቕረቦ ጻዉዒት መሰረት ኮሚሽን ፖሊስ እውን ነቶም መኣዝናት ኣማእኺሉ ሓይሉ ኣብ ክልቲኡ ኩርናዕ ኣዕሪፉ ብምንቅስቃሱ ኣብቲ ፖሊስ ዝርአ ዘሎ ድልውነት ድማ መርኣያ ጽንዓቱን ዓወቱን እዩ ኢሎም።

እቶም ኣባላት ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ተረዲኦም ህዝብን መንግስትን ዘሰከሞም ሓላፍነት ናብ ግብሪ ተርገጕሞም ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ኩሉ ብምፍጻም ወፊሮም ኣብ እንግድዓ ትግራይ ተዳዕኒኑ ዘሎ ሓደጋ መኪቶም ዘላቒ ሰላም ትግራይ ኣብ ምፍጣር ሰብ ልዑል እጃም ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ብዘይካ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢ ከም ዘየለ ተገሊፁ። ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ  ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን ህዝቢ ዘሳተፈ መድረኻት ፀጥታ ተሳሊጡ። ኣብ ዞባ...
30/08/2026

ብዘይካ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢ ከም ዘየለ ተገሊፁ። ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን ህዝቢ ዘሳተፈ መድረኻት ፀጥታ ተሳሊጡ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን ትማልን ሎምን ዝተሳለጡ መድረኻት ፀጥታ ሕብረተሰብ ኣብ በብከባቢኡ ዘለዎን ዝህልዎን ተሳትፎ ንምዕቃብን ዝበለፀ ንምጉልባትን ዝዓለሙ ከም ዝኾኑ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ገሊፁ።

እዞም ብብርኪ ከተማ ዝተሳለጡ መድረኻት ብቀጠናን ጣብያን እውን እናተሳለጡ መፂኦም ዝበለፀ ዕምቆትን ስፍሓትን ክህልዎም ድማ ብከንቲባታት እናተመርሑ ብትኹረት ከም ዝተሳለጡ ካብ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ምስቲ ዘሎ መሓውር ፀጥታ ረቢቡ ኣብ በብከባቢኡ ስራሕቲ ምክልኻል ገበን ብምጥንኻር ውሑስ ደጀን ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ብፅሒት ክጠናኸር፤ መኣዝን መልእኽቲ እቶም መድረኻት ከም ዝነበረ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ኮማንደር ኣብርሃ ታደሰ አብሪሆም።

ኣብቲ ዋዕላ ሰላም ዝተረኸቡ ተወከልቲ እተን ጣብያታት እውን ውሕስና ሰላም ከተማና ኣብ ኢድና ምዃኑ ኣሚንና ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ድልዋት ኢና ኢሎም።

“ወድኹም ብህይወት ኣሎ እዩ ከራኽበኩም" ኢሉ ኣባል ሰድራ ስዉእ ኣታሊሉ ከባቢ 3 ሚኢቲ ሽሕ ብምቕባል ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርትን ገንዘብን ክቕፃዕ ተወሲንዎ። ነባርነቱ ወረዳ እንዳባፃሕ...
19/08/2026

“ወድኹም ብህይወት ኣሎ እዩ ከራኽበኩም" ኢሉ ኣባል ሰድራ ስዉእ ኣታሊሉ ከባቢ 3 ሚኢቲ ሽሕ ብምቕባል ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርትን ገንዘብን ክቕፃዕ ተወሲንዎ።

ነባርነቱ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝኾነ ማሙሻ ታጀበ ገ/መድህን ዝተብሃለ ወዲ 28 ዓመት ተኸሳሲ ብውሳነ ማእሰርትን ገንዘብን ክቕፃዕ ዝኸኣለ ኮነ ኢሉ ዘይግበኦ ረብሓ ንምርካብ ሓሲቡ፤ ንተበዳሊ ስድራ ስዉእ ኣይተ መብራህቶም ብርሃነ ባህታ ስልኪ ብምድዋል ተሰዊኡ ዝተብሃለ ወድኻ ሓሶት እዩ ተማሪኹ እዩ ዘሎ ኣነ 'ውን ምስኡ እየ ተማሪኸ ነይረ ቅርሺ ከፊለ እየ ወፂአ ስለዚ ወድኻ ክመፅእ እንተደሊኻ ገንዘብ ለኣኸሉ ኣነ ድማ ኣድራሻ ናይቲ ሓላፊ ክህበካ ኢለ ባዕሉ ስልኪ እናቀያየረ ከባቢ 300 ሽሕ ብር ናብ ዝተፈላለዩ ቁፅርታት ሒሳብ ባንኪ ክኣትወሉ ከም ዝገበረ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ገሊፁ።

ከም መብርሂ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ተኸሳሲ ቀፂሉ እውን ወድኻ ሎመዓንቲ ስለ ዝኣትው ናብ ከተማ እንትጮ ሕለፍ ኢሉ ተበዳሊ ተደጋጋሚ ተመላሊሱ ገንዘቡን ጉልበቱን ምስ ደኸመ ተጠራጢሩ ናብ ፖሊስ ወረዳ እገላ ቀሪቡ ጥራዕ ከም ዘቕረበ ገሊፁ።

ኣብዚ ህሞት እናሃለወ ተኸሳሲ ወድኻ ክሳብ ብኣካል ትረኽቦ ብህይወት ከም ዘሎ ስእሉ ክልእኸልካ ተወሳኺ 14 ሽሕ ብር ለኣኽ ምስ በሎ ፖሊስ ካብ ጥቆማ ተበዳሊ ተበጊሱ መእተዊ በርታት ደላልዩ ፅንዓትን ክትትልን ብምክያድ ኣብ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከይዱ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉዎ ይብል ሓበሬታ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ብዘካየዶ ዕሙቕ መፅራይ ኣታሊለ ክርባሕ እቲ ገበን “ውዒለዮ እየ” ምስ በለ ምስ ዓቃቢ ሕጊ ብምትሕብባር ክሲ ክምስረቶ ክኢሉ እዩ።

ነቲ መዝገብ ምፅራይን ዝተመስረተሉ ክስን ክምርምር ዝፀንሐ ቤት ፍርዲ ወረዳ እገላ ድማ ነሓሰ 12/2018 ኣብ ዝነበረ ውዕሎ መጋባእያ ገበን ተኸሳሲ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 3 ዓመታትን 1500 ብርን ክቕፃዕ ከም ዝተወሰኖ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከብ ህዝባዊ  ፖሊስ ትግራይ ፅኑዕ ሓይሊ መኸተ ኮይኑ ክዘልቕ ዘርእዮ ዘሎ ሞራላዊ ድልውነት ልዑል ምዃኑ ተገሊፁ።ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ዘሎ መሓውር ፖሊስ ትግራይ መንግ...
14/08/2026

ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከብ ህዝባዊ ፖሊስ ትግራይ ፅኑዕ ሓይሊ መኸተ ኮይኑ ክዘልቕ ዘርእዮ ዘሎ ሞራላዊ ድልውነት ልዑል ምዃኑ ተገሊፁ።

ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ዘሎ መሓውር ፖሊስ ትግራይ መንግስቲ ዘቐምጦ ኣንፈት መኸተ ተኸቲሉ ብፅንዓትን ወነን ግቡኡ ንምፍፃም ዘርእዮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ድልውነት ዝነኣድ ከም ዝኾነ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ይሕደጎ ስዩም ገሊፁ።

ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጎ ስዩም መቐፀልታ እቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ዝነበሮ ፃንሒት ዕዮ፤ ኣብ መድረኽ ምይይጥ ኣባላትን ኣመራርሓን መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ተረኺቡ ዝሃቦ ኣንፈትን ዝተሳለጠ ዘተን ስዒቡ ፖሊስ ውሽጣውን ግዳማውን ሰላም ህዝቢ ንምውሓስ ዘርእዮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ድልውነት መረጋገፂ ህዝባውነቱን ምፍፃም ዝተጣየሸሉ ተልኾን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

በብመድረኹ ዘለዉ ምይይጣትን መነፀርታታት ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን ከባቢና ብዝግባእ ተረዲእና ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምፍፃም ዘኽእል ዝተጣየሽናሉ ፖሊሳዊ ቁመና ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።

ካብዚ ዝብገስ ድማ ኣብ ዝተዋፈርሉ ይኹን ዝዋፈሩሉ ዓውዲ ህዝቢ ዘሐብን ዕማም ንምትግባር ከም ዝተዳለዉ ኣረጋጊፆም።

መኸተ ትግራይ ንምዕዋት ህዝብን መንግስትን ኣብ ዘውፈረና ኩሉ ግቡእና ክንፍፅም ብምሉእ ወነን ፍቓጀኝነትን ነረጋግፅ ኢሎም ኣባላት ስታፍ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ መቐፀልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን...
13/08/2026

መኸተ ትግራይ ንምዕዋት ህዝብን መንግስትን ኣብ ዘውፈረና ኩሉ ግቡእና ክንፍፅም ብምሉእ ወነን ፍቓጀኝነትን ነረጋግፅ ኢሎም ኣባላት ስታፍ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ

መቐፀልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብርኪ ኣመራርሓ ዝነበረ ምይይጣት ፖሊስ፤ ኣብ በብዞብኡ እውን ዝቐፀለ ኮይኑ ኣባላት ስታፍ እቲ ኮሚሽን እውን ኣብቶም ዝሓለፉ ምይይጣት ዝተረኸበ ውፅኢትን ነቲ ሐዚ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዝምጥን ኣወፋፍራ ክህልው ትካል ፖሊስ ዘለዎ ቁመናን ዛዕባ ዝገበረ ተወሳኺ ምይይጥ ተሳሊጡ። ነቲ ምይይጥ መበገሲ ፀብፃብ እቶም ኣብ ኩሉ ከባቢታት ፖሊስ ዘካየዶም ዝሓለፉ መድረኻትን ውፅኢቶምን ዝሓዘ ፅማቕ ገምጋም ቀሪቡ ተሳተፍቲ ብዕምቆት ተመያይጦምሉ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝነበሩ ኣባላት ስታፍ እቶም ምይይጣት በብእዋኑ እናተርኣዩ ምትሕውዋሳት ዝፈለዩን ከም ትካል ናብ ሓደ መስመር መኸተ ዘዕሰሉን እዮም ኢሎም።

ሐዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ትግራይ ዝጠልቦ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ዓይነት ዋጋ ንምኽፋል ህዝብን መንግስትን ኣብ ዘውፈሮም ዓውደ ገድሊ ግቡኦም ንምፍፃም ብምሉእ ወነን ፍቓደኝነትን ድልዋት ምዃኖም ድማ ብምሉእ ድምፂ ኣረጋጊፆም።

ነቲ ምይይጥ ዝመርሑ ሓላፊ ዋና መምርሒ ምፅራይ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኣለነ ገብሩ፤ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ ምውሓስ ውሽጣውን ደጋውን ሰላም ዝተውሃቦ ተልእኾ ብግብሪ ንምፍፃም ዘኽእልዎ መድረኻት ምይይጥ እናካየደ ምምፅኡን ፈጢርዎ ዘሎ ቁመና ድማ መኸተ ትግራይ ንምዕዋት ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ምህላዉን ኣብሪሆም።

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ዝግመት ንዋይ ቤተ ክርስትያን ሰሪቑ ዝተኸሰሰ ቀሺ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 14 ዓመታት ክቕፃዕ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ምውሳኑ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማ...
10/08/2026

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ዝግመት ንዋይ ቤተ ክርስትያን ሰሪቑ ዝተኸሰሰ ቀሺ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 14 ዓመታት ክቕፃዕ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ምውሳኑ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ትግራይ ገሊፁ።

ነባርነቱ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ጎሮሮ ቁሸት ኣድግብ ዝኾነ ቀሺ ብርሃነ ሃይሉ ወ/ማርያም ዝተብሃለ ወዲ 38 ዓመት ተኸሳሲ ውሳነ ማእሰርቲ ክወሃቦ ዝኸኣለ
ሰነ 10/2018 ዓ.ም ስዓት 1:00 ምሸት ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ንኡስ ወረዳ መጠቓ ጣብያ ጎሮሮ ቁሸት ኣድግብ ማይ ኩመል ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ዝርከብ ገዳም ቤት ክርስትያን እንዳ እየሱስ ተኸሳሲ ገበዝን ዋርድያን እቲ ገዳም ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ 2 ታቦት፥ 6 መስቀል፥ 1 ኣክሊልንሀ 1 ኣዉድን ብሓፈሻ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ዝግመት ንዋያት ቤትክርስትያን ሰሪቑ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ዝርከብ ወሰን ሩባ ሓቢኡ፤ እቲ ገበን ብካልእ ከም ዝተፍፀመ ኣምሲሉ ዝፀንሐ እንትኸውን ፖሊስ ወረዳ ቆላ ተምቤን ምስ ንኡስ ወረዳ መጠቓ ብምትሕብባር ጉጅለ ምፅራይ ኣጣይሹ ብዕምቆት ብምፅራይ እዚ ተኸሳሲ ቀሺ ኣብ ቁፅፅር ከም ዘውዓለ ንሓላፊ ምፅራይ ገበን ወረዳ ቆላ ተምቤን ምክትል ኢንስፔክተር ኣዲሱ ታፈረ ጠቒሱ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ኣብሪሁ።

ፖሊስ እቲ ወረዳ ጉዳይ ተኸሳሲ ኣፃርዩ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ፍትሒ ዝለኣኾ መዝገብ ምፅራይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ተኸሳሲ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 14 ዓመታት ክቕፃዕ ተወሲንዎ ክብል መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ትግራይ ገሊፁ።

ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ካብ ሕብረተሰብ ብዝተውሃቦ ሓበሬታ መሰረት ፤ኣብ ሓደ ሕቡእ እንዳቑማር ዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ስዒቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ብርን 136 ሞባይላት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን...
09/08/2026

ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ካብ ሕብረተሰብ ብዝተውሃቦ ሓበሬታ መሰረት ፤ኣብ ሓደ ሕቡእ እንዳቑማር ዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ስዒቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ብርን 136 ሞባይላት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ካልኦት ንብረታትን ምስ ተጠርጠርቲ ሰባቱ ከም ዝሓዘ ፖሊስ እቲ ከተማ ገሊፁ።

ከም መብርሂ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ምክትል ኢንስፔክተር መኮንን ኣሰፋ እቲ ትማሊ ነሓሰ 03/2018 ዓ.ም ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ስርሒት ፖሊስ፤ ኣብቲ እንዳ ተጠርጠርቲ 13 መናእሰይ ቁማር እናተፃወቱ ዝተረኸቡ እንትኾኑ ኣብዚ ስእሊ ከምዝረአ ዘሎ ድማ 136 ዓበይትን ኣናእሽተይን ሞባይላት፣ 46 ካርድታት ሲም፥ ልዕሊ 242 ሽሕ ብር፥ 29 ዝተፋላለየ ዓይነታት ጫማ፥ 120 ብስም ቁማርተኛታት ዝተመዝገቡ ዝተፋላለዩ ዓይነታት ክዳውንቲ፥ 16 ናይ ክሳድን ኢድን ብሩራት፥ 9 ናይ ኢድ ሰዓት፥ 10 ሄድፎናት፥ ረሲቨር፥ መነፀር፥ መሳርሕታት ዋይፋይ፥ ካሜራታት ቪድዮ፥ ሚሞሪን ፍለሽን ካልኦትን ንብረታት ብኤግዚቢትነት ሒዙ ምፅራይ ይቕፅል ከም ዘሎ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ም/ኢንስፔክተር መኮንን ወሲኾም ገሊፆም።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣባላቱ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየድዎ  ምይይጣት ሰነድን ውፅኢቶምን ገምጊሙ፤ መደባት 2019 ዓ.ም ድማ ኣነፂሩ።ኣመራርሓ ዞባትትን ክልልን ፖሊስ ኣብ ከተማ መቐለ ንተኸታታ...
09/08/2026

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣባላቱ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየድዎ ምይይጣት ሰነድን ውፅኢቶምን ገምጊሙ፤ መደባት 2019 ዓ.ም ድማ ኣነፂሩ።

ኣመራርሓ ዞባትትን ክልልን ፖሊስ ኣብ ከተማ መቐለ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልትታት ኣብ ዘካየድዎ ገምጋምን ምንፃር መደባት ቀፃሊ በጀት ዓመትን ዛዕባ ዝገበረ ኮይኑ፤ እቶም ሰነዳት፥ ፖሊስ ውሽጣውን ደጋውን ሰላም ህዝቢ ንምውሓስ ዝነበሮን ዝህልዎን ብፅሒት ዘነፀሩን ፍሉይ ምልዕዓላት ዝፈጠሩን ነይሮም ዝበሉ ኣካላት ኣመራርሓ ፖሊስ፤ ኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ፖሊስን ድልውነቱን፥ ትሕዝቶን ኣፈፃፅማን ኣዋጅ 366/2018 ዓ.ምን "ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት" ብዝብል ቴማ ፖሊስ እውን ከም ህዝቡ ዘሳለጦም መድረኻት ኣብ ባይታ ዝፈጠርዎ ውፅኢት እውን ናብ ሓደ ዝኣከበን ንኹሉ ስራሕቲ ፖሊስ ዘዐውት መስመር ዘትሓዘን እዩ ኢሎም።

ነቲ ገምጋም ዝመርሐ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ይሕደጎ ስዩም ፤ ፖሊስ ኣብ በብኸባቢኡ ገሊኦም መድረኻት በይኑ ገሊኦም ድማ ምይይጣት ምስ ህዝቡ ተሓዊሱ ዘቃነዖም ዘተታትን ምርድዳእን፤ ተኣማንነትን ቅቡልነትን ህዝብን መንግስትን ዝመለሰን ምጥርጣራት ዘወገደን ምንባሩ ብምሕባር እቲ ዝተፈጠረ ወነን ምልዕዓልን ድማ ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ገበንን ተዛመድቲ ዛዕባታትናን ብዝልካዕ መዳዩ ክነተግብሮ ይግባእ ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ገምጋም ኣብ ዝቐረበ መደብ ቀፃሊ በጀት ዓመትን ኣከባብራ በዓላትን ድማ ውዳበታት ህዝቢ ብምጥንኻር ንምክልኻል ገበን ተኹረት ዝሃበ ብሓበራዊ ምርድዳእ ዝተደምደመ ኮይኑ ናብ እዋናዊ ትኹረት ዝጠልብ ኣጀንዳ ዝህልው ኣወፋፍራ እውን ተኣንፊቱሉ።

06/08/2026

ኣብ ወረዳ ኣስገደ 26 ኪ.ግ ታንጊስተን ዝተብሃለ መዓድን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሒዙ ዝተረኸበ ተኸሳሲ ብማእሰርቲ ተቐፂዑ።

ነባርነቱ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ልምዓት ቁሸት እንዳማርያም ዝኾነ ሽፋ ዓሊ ሃይሽም ዝተብሃለ ወዲ 25 ዓመት ተኸሳሲ ሓምለ 11/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ረፋድ ኣብቲ ወረዳ ልዕሊ 57 ሽሕ ዝግመት 26 ኪሎ ታንጊስተን ዝተብሃለ ማዓድን ብዘይሕጋዊ ፍቃድ ሒዝካ ብምርካብ በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ 366/2018 ዓንቀፅ 31/6/ዝተንገገ ተኸሲሱ ጉዳዩ እናተፃረየ ብምፅናሕ ሓምለ 30/2018 ዓ.ም ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣስገደ ኣብ ዝዋዓለ መጋባእያ ተኸሳሲ ብዝተኸሰሰሉ ገበን ጥፍኣተኛ ኮይኑ ብምርካቡ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 10 ዓመታት ክቕፃዕ ከም ዝተወሰኖ ፖሊስ ወረዳ ኣስገደ ገሊፁ።

Address

Tigray
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ Tigray Police Commission posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share