25/04/2026
ፀጥታ ጥሙር ኮሚቴ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ምርግጋፅ ዝተማልአ ዉሕስ ፀጥታ ከባብን ኣድሂቡ ሓበራዊ ገምጋም የሳልጥ ኣሎ።
ዘለናዮ ኩነታት ተጠቂሞም ህዝቢ ብምድንጋር ዘይተፈቀዱ ፀረ ህዝቢ ዝኮኑ ተግባራት ኣብ ምፍፃም ዝፍትኑ ኣካላት ዘየዳጋም ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝዉሰድ እቲ ኮሚቴ ኣረጋጊፁ።
ዕንዎት ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት፣ ስርቂ፣ዘረፋን ዕግርግርን ፈጢሮም ተረባሕቲ ክኮኑ ዝደልዩ ኣካላት ብንፁር ተፈሊጦም መረዳእታ ከም ዝተትሓዘን ፍትሓዊ ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅ ዘሎ ከይዲ ተጠናኪሩ ከም ዝቅፅል ድማ ናይቲ ኮሚቴ ሰብሳቢ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ከላሊ ሓጋዚ ሓቢሮም ።
ተጋሩ ነንርእስና ከይንስማዕማዕ ብተለኣእክቲ ኣቢልካ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ተላኢኩ ናዕብን ዕግርግርን ክፍጠር ብኡ ኣቢሉ ድማ ህዝብና ክሽበር/ክስኮን ንምግባር ኣብ ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ጥቡቅ ክትትል ንምግባር እቲ ኮሚቴ ኣንፈት ሒዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣብሪሆም።
ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ምክያድ ፣ዘይሕጋዊ ኩብለላ ፣ተፈንጃሪ ሒዝካ ኣብ መንበሪ ገዛ ጉድኣት ምብፃሕ፣ብስዉር ብጥይት ሰብ ምቅታል፣ሰብ ዓጊትካ ቅርሺ ትራንስፈር ግበር ምባል፣ተወዲብካ ምሽፋት ዝኣመሰሉ ገበናት ከም ዘለዉን፣
እዚ ድማ እቲ ዘሎ ናይ ፀጥታ ዓቅሚ ተዋዲዱን ትኩረት ሂቡን ናብ ተግባር ክእቶ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተፈጠረ ምኳኑ ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን እቲ ዞባ ኣይተ ዘሚካኤል ተ/መድሂን ሓቢሮም ።
በብከባቢኡ ዘለዉ ገበነኛታት ብቁዕ ዝኮነ ናይ መረዳእታ ምፅፋፍ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምኳኖምን፣ ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ገበነኛ ኣካል ሒዝካ ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ኣብ ምግባር ጊዜ ዘይወሃቦ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ስለ ዝኮነ ኩሉ ኣካል ክሰርሓሉ ይግባእ ዝብል መልእክቲ ኣመሓላሊፎም ክብል ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ሓቢሩ ።
17 ሚያዝያ,2018
ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ
መቀለ