Tigray Recovery and Reconstruction Coordination Office

Tigray Recovery and Reconstruction Coordination Office ሰላምና ኣፅኒዕና ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ!! Let’s work together to promote peace and rebuild the war-torn Tigray!

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ብፕሮጀክት ዘላቂ ፍታሕ[Durable Soloution] ን215 ተጠቀምቲ ስራሕ ዕድል ተፈጢሩ!!‎‎ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ሕቡራት መ...
03/08/2026

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ብፕሮጀክት ዘላቂ ፍታሕ[Durable Soloution] ን215 ተጠቀምቲ ስራሕ ዕድል ተፈጢሩ!!

‎ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ሕቡራት መንግስታት ልማዓት ፕሮግራም ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ 7 ጣብያታት ከተማን ገጠርን ጉያ ፣ምውፃእ ወርቅ፣በጋ ሸኻ፣ደብረ ገነት፣መረረን ደደረን ዝርከቡ ብኩናት ምክንያት ጉዳኣት ዝበፅሖምን ናብ መረበቶም ዝተመለሱ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰይን መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ልዕሊ ብር 16.77 ሚልዮን በጀት ን215 ተጠቀምቲ ንነብሲ ወከፎም ብር 78 ሺሕ መበገሲ ካፒታል ክውሃቡ ዝተገብረ እንትኾን ፣በቲ ዝተውሃቦም ገንዝብ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ዕድጊት [ E- voucher] ብምጥቃም ኣብ ምርባሕ ደርሁ ብማሕበር ዝተወድቡ 105 ፣ልምዓት ፀባ ብማሕበር ዝተወድቡ 10 ፣ ኣብ ስራሕቲ ባልትናን ቀመማ ቀመም ብማሕበር ዝተወድቡ 10 ፣ ኣብ መሰኖ ልማዓት -ሓይሊ ፀሓይ ዝስራሓ ፕምፕ ብምጥቃም ዝተዎፈሩ 90 ብድምር 215 ተጠቀሚቲ ኣድላይ ናውቲ ክገዝኡ ብምግባር ናብ ስራሕ ክእትዉ ተገይሩ።

****************
Durable Solution Project Inspires Employment Opportunities for 215 Beneficiaries**

In collaboration with the Tigray Recovery and Reconstruction Office and the United Nations Development Programme, over Birr 16.77 million has been allocated to uplift 215 beneficiaries across seven urban and rural areas: Guya, Mwatsi Work, Bega Sheka, Debre Genet, Merere, and Deder in the Kola Tembien woreda.

This funding empowers 105 cooperatives focused on poultry breeding, 10 cooperatives devoted to dairy development, and another 10 cooperatives engaged in spice production. Additionally, 90 beneficiaries involved in irrigation development have taken significant steps by acquiring and implementing solar-powered pumps and the necessary equipment for their projects. This initiative instills hope and cultivates resilience among the beneficiaries as they embark on their recovery journey within their woreda.

The second Joint Peace and Recovery Forum for Afar, Tigray, and Amhara (JPRF–ATA) was held in the presence of developmen...
27/07/2026

The second Joint Peace and Recovery Forum for Afar, Tigray, and Amhara (JPRF–ATA) was held in the presence of development partners, the Ministry of Finance of Ethiopia, and key stakeholders, intending to enhance Ethiopia’s post-conflict recovery and advocate for mobilization.

The forum facilitated resource mobilization, knowledge sharing, and collaboration to advance peace and resilient reconstruction. Participants engaged in discussions on future initiatives to strengthen coordination and maximize the impact of recovery efforts.

A key outcome was the adoption of a Joint Action Plan and agreed resolutions, reaffirming the shared commitment of all participants to enhance collaboration and achieve sustainable recovery.

🙏🇯🇵 JICA Ethiopia - エチオピア and UNDP Ethiopia for organizing this event and supporting recovery initiatives.

ወረዳ እገላ አብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን !!*************ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ብፕሮጀክት 3R4CACE አብ ወረዳ እገላ -ገርሁ ሰርናይ ከተማ ዝ...
19/07/2026

ወረዳ እገላ አብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን !!
*************
ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ብፕሮጀክት 3R4CACE አብ ወረዳ እገላ -ገርሁ ሰርናይ ከተማ ዝተሰረሐ ጥዕና ጣብያ ገርሁ ሰርናይ ሎሚ ዕለት 12/11/18 ዓም ናይ ክልል ፣ ዞባን ወረዳ አብ ዝተረከብሉ ተመሪቁ።

አብዚ ወረዳ ብልዕሊ ብር 120ሚልዬን አብ ገ/ሰርናይ፣ ዕርዲ ጀጋኑ፣ ሆያ ሜዳ ፣ ዝብን ጉላን ሰምሃልን ጣብያታት - 17 ትምህርቲ፣ 33 ማይ ፣ 5 ጥዕና ትካላት አብ 2018 ዓም ተሃኒፆም ናብ ግልጋሎት አትዪን እየን።

በተወሳኪ ሎሚ ብማሕበር ልምዓት እገላ አብ ጣብያ ዕርዲ ጀጋኑ ሓደ ጥዕና ጣብያ ዝተሃነፀ ተመሪቁ። ሕወየት ትግራይ ናይ ደገ ድጋፍ ጥራይ ከይኮነስ በቀንዱ ብወሽጣዊ ዓቅምና ፀንቂቅና ተተጠቂምና ክንሓዊ ዝካአል ምኻና ማሕበር ልምዓት እገላ መርአያ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ።

👇👇👇
08/07/2026

👇👇👇

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ግደ ደ/ኣንስትዩ  ንምጥንኻርን ሰላም ሰልጠና ይወሃብ አሎ!*************************ብስንኺ ኩናት ዝጋጠመ ማሕበረሳዊ ቅልውላዉ ናብ ንቡር ንምምላስን ፣...
27/06/2026

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ግደ ደ/ኣንስትዩ ንምጥንኻርን ሰላም ሰልጠና ይወሃብ አሎ!
*************************
ብስንኺ ኩናት ዝጋጠመ ማሕበረሳዊ ቅልውላዉ ናብ ንቡር ንምምላስን ፣ ግደ ደ/ኣንስትዩ ንምጥንኻርን ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅ አብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግም ህንፅትን ሕውየትን ብድጋፍ UNDP-PSF ካብ ሕድ ሕድ ጣብያ ዝተዋፃፅአ ናይ ደቂ አንስትዬ ዝመርሕኦ ሰላም ኮሚቴ ስልጠና ሎሚ ዕለት ሰነ 20/2018 ይወሃብ አሎ።

ስልጠና ኣብ ዝተዋደደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርግጋእ፡ ምሕዋይን ህንጸት ሰላምን።*********ብድጋፍ ሕቡራት መንግስታት ልማዓት ፕሮግራም ድጋፍ ካብ 7 ወረዳታትን ክልል ቢሮ ጉዳ...
23/06/2026

ስልጠና ኣብ ዝተዋደደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርግጋእ፡ ምሕዋይን ህንጸት ሰላምን።
*********

ብድጋፍ ሕቡራት መንግስታት ልማዓት ፕሮግራም ድጋፍ ካብ 7 ወረዳታትን ክልል ቢሮ ጉዳያ ደቂ ኣንስትዮ፣ ቢሮ ጥዕናን ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፅትን ሕውየትን ላዕለዊት ስብሞያ ኣብዝተረከብዎ ጥዕና ኣእምሮን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን (MHPSS) ኣብ ጻዕርታት ምርግጋእ፡ ምሕዋይን ህንጸት ሰላምን ኣብ ምውህሃድ ዘተኮረ ናይ ዓቕሚ ህንጸት ስልጠና ካብ 16 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 23 ሰነ 2018 ዓም ዝፅንሓ ኣብ ከተማ ውቕሮ፡መሃብ ተጀሚሩ። እቲ ስልጠና፡ ንውልቃውን ማሕበረሰባውን ጽንዓት ንምድጋፍ፡ ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግጭት ዝተሃስየ ከባቢታት ንዘላቒ ሰላምን ምሕዋይን ኣበርክቶ ንምግባርን ዝዓለመ ፍልጠትን ግብራዊ ክእለትን ተሳተፍቲ ንምሕያል ዝዓለመ እዩ።
********
Training on Integrated Psychosocial Support for Stabilization, Recovery, and Peacebuilding
*****
From June 23-30, civil servants are participating in a capacity-building training focused on integrating Mental Health and Psychosocial Support (MHPSS) into stabilization, recovery, and peacebuilding efforts in Wukro, Tigray. The training aims to strengthen participants' knowledge and practical skills to support individual and community resilience, promote social cohesion, and contribute to sustainable peace and recovery in conflict-affected settings. Thanks 🙏UNDP Ethiopia
🙏German Embassy Addis Ababa
🙏Embassy of the Netherlands in Ethiopia

👇

📌 ጎረባብቲ ወረዳታት ኢንደርታን ፣ኣብዓላን ዘተ ንሰላም ተሳሊጡ!!********ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕወየት ትግራይን ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ፕሮግራም ናይ ህዝብ ንህዝ...
21/06/2026

📌 ጎረባብቲ ወረዳታት ኢንደርታን ፣ኣብዓላን ዘተ ንሰላም ተሳሊጡ!!
********
ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕወየት ትግራይን ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ፕሮግራም ናይ ህዝብ ንህዝብ ርክብ ብምጥንኻር አብ ሞንጓ ህዝብታት ምትእምማን ክጉልብትን ሰላም ከዓስል ዝሕግዝ መድረኽ አብ መንጓ ጉረባብቲ ጣብያታት ወረዳ ኢንደርታን ወረዳ አብዓላ አብ ሽከት ሎሚ ሰንበት 14/2018 ተካይዱ።

📌 ጎረባብቲ ወረዳታት ትግራይ ፣ኦፋር ፣  አምሓራ-ዘተ ንሰላም ተሳሊጡ!!********ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕወየት ትግራይን ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ፕሮግራም ናይ ህዝብ...
20/06/2026

📌 ጎረባብቲ ወረዳታት ትግራይ ፣ኦፋር ፣ አምሓራ-ዘተ ንሰላም ተሳሊጡ!!
********
ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕወየት ትግራይን ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ፕሮግራም ናይ ህዝብ ንህዝብ ርክብ ብምጥንኻር አብ ሞንጓ ህዝብታት ምትእምማን ክጉልብትን ሰላም ከዓስል ዝሕግዝ መድረኽ አብ መንጓ ናይ ክልል ትግራይ ወረዳ ኦፍላን ናይ አምሓራ ክልል ወረዳ ፀጋብጂን አብ ዝኩያ(ማይ ማዕዶ) ብዕለት ሰነ 11/2018 ተካይዱ።

በተመሳሳሊ አብ መንጓ ጉረባብቲ ወረዳታት ትግራይ -ራያ ጨርጨርን ዓፋር -ያሎ ወረዳን አብ በሶ በር ብዕለት ሰነ 12/2018 ተሳሊጡ።
******
Workshop for Peace Building in Neighboring Woredas of Tigray, Afar, and Amhara Regions

In collaboration with the United Nations Development Programme (UNDP) and the Tigray Recovery and Reconstruction Office, a workshop and community dialogue were held to enhance social cohesion and foster trust and peace among local communities. This event occurred on June 18, 2026, in Zkuya (May Ma'do), involving participants from the Tigray-Ofla and Tsegabji woredas of the Amhara Region.

Furthermore, on June 19, 2026, a subsequent workshop was organized between the neighboring Tigray - Raya Chercher and Afar - Yalo woredas in Beso Ber Kebelle.

ዳግም ሕውየት መደባት ወረዳ ኣሕፈሮም !!ኣብ 2026 ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን UNDP-PSF ኣብ 7 ወረዳታት ትግራይ [እንደርታ ፣ ጋ/ኣፍሹም ፣ ታ/ቖራሮ...
18/06/2026

ዳግም ሕውየት መደባት ወረዳ ኣሕፈሮም !!

ኣብ 2026 ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን UNDP-PSF ኣብ 7 ወረዳታት ትግራይ [እንደርታ ፣ ጋ/ኣፍሹም ፣ ታ/ቖራሮ ፣ እ/ፃሕም ፣ ጨርጨርን ኦፍላ ] ዝተፈላለዩ ናይ ዳግመ ሕውየትን ህንፅትን መድባት ሕዙ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2018 [2026 ] ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ ። ኣካል እዚ መድብ ዝኾነ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮምን ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደጉ ፤ ናውቲ ትምህርትን ኣብያተ ፅሕፈትን ብሓገዝ ተበርኪቶም ዘሎ ።

እዚ ሓገዝ ብኲናት ከቢድ ዕንወት ዝጋጠመን ትካልት ወናብር፣ ጠረጴዛ፣ ኮምፒውተር፣ ፕሪንተራትን ካልኦት ንብረታትን ዝሓዘ ኮይኑ ንመሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ኣሕፈሮምን ፣ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ፣ ቤት ፍርዲ፣ፍትሕን ምምሕዳርን እታ ጣብያ ንዝበሉ ትካላት ዝተዋሃበ እዩ ።

Address

Mekelle
120

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Recovery and Reconstruction Coordination Office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share