Tigray Regional Health Bureau

Tigray Regional Health Bureau Official page of Tigray Regional Health Bureau. Get instant health related programs, events, announcements, vacancies, tenders and more.

24/07/2026

ግዳያት ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት (Gender Based Violence) ዝኾና ወገናትና ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ዝረኽባሉ፣ ናብ ሕግን ሕክምናዊ ትካላትን ዝተኣሳሰራሉ ነፃ መስመር ስልኪ 6244 ኣብ ስራሕ ይርከብ። ይደውላ/ሉ!
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
17 ሓምለ 2018 ዓ/ም
Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምውዳድ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።16ሓምለ2018ዓ/ም እዚ ዝተገለፀ ኣብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወ...
24/07/2026

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምውዳድ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
16ሓምለ2018ዓ/ም እዚ ዝተገለፀ ኣብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ፅምብላ ትርከብ ጣብያ ጥዕና ደብረ ማርያም ኣሃዳዊ መጥባሕቲ ተመርቓ ንግልጋሎት ድልውቲ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን እዩ።
ከም ገለፃ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ስምኦን ገ/ፃድቕ ብስናይ ድልየት ህዝቢን ምምሕዳርን ወረዳ ፅብላ ሙሉእ ወፃኢ ብምሽፍን ነቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ዘድሊ ህንፃ ብምስራሕ ብምትሕብባር3R ፕሮጀክትን ብልዕሊ 50ሚልዬን ንደረጃ መጥባሕቲ ኣሃዱ ዝምጥን ደረጃኡ ዝሓለወ ህንፃ፣ናውቲ ሕክምናን ብፀሓይ ሓይሊ ዝሰርሕ ሶላርን ብምሙላእ ከምኡ ውን ነቲ ግልጋሎት ንምጅማር ዘድሊ ሓይሊ ሰብ ተማልኡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ እታ ጣብያ ጥዕና ንግልጋሎት ድልውቲ ከምዝኾነትን ኣብቲ ከባቢ ግልጋሎት መጥባሕቲ ኣሃዱ ብምጅማሩ ኣብ ምጥንኻር ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ዶ/ር ስምኦን ገልፆም። ብተወሳኺ ዶ/ር ስምኦን ብሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል እቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተገበረ ሞያዊ ድጋፍን ክትትልን ከምኡ ውን ኣብ ምሙላእ ዝተጎደሉ ናውቲ ሕክምናን እቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ስራሕ ንምጅማር ዘድሊ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምሙላእ ዝተገበረ ደጋፍ ልዑል ምዃኑ ብምግላፅ ብሽም ቢሮ ጥዕና ትግራይ ድማ ዘለዎም ልዑል ናእዳ ገልፆም።
ኣማሓዳሪ ዞባ ሰ/ምዕራብ ኣይተ ወ/ኣብርሃ ገ/ፃዲቕ ብወገኖም ድማ እቲ ሎማ ተኸፊቱ ዘሎ ምጅማር መጥባሕቲ ኣሃዱ ጣብያ ደብረማርያም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ፀገም ግልጋሎት ጥዕና ብፍላይ ኣብ ኣዴታትን ሓናጡን ምስ ሕፅረት መጓዓዝያ ኣብ እዋን ሕርስን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካልኦት ፀገማት ጥዕናን ካብ ኣፍ ሩባ ተከዘ ተላዒሎም ናብ እንዳባጉናን ሆስፒታል ስሑልን ተጓዒዞም ግልጋሎት ንምርካብ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝፀንሑ ብምሕባር ነዚ ኣተሓባቢሮም እዚ ግልጋሎት ንክጅመር ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ንቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ንሆስፒታል ስሑልን ንመድረጊቲ ኣካላትን ዝለዓለ ምስጋና ከምዘለዎም ገሊፆም።
ነበርቲ ብወገኖም ኣብ ከባብኦም ግልጋሎት መጥባሕቲ ኣሃዱ ብዘይምንባሩ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ያጋጥሞም ከምዝነበረ ብምግላፅ እቲ ግልጋሎት ኣብ ከባብኦም ብምጅማሩ ድማ ዝተሰመዖም ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ገልፆም።
ኣብ መወዳእታ እታ መጥባሕቲ ኣሃዱ ካብ ሎሚ ጀሚራ ዝተማልኣ ግልጋሎት ንክትህብ ናይ ኩሎም መድረጊቲ ኣካላት ዝተዋደደ ደገፍን ክትትልን ከም ዘድሊ ፃውዒት ቐርቡ።
ሓምለ 16/2018ዓ/ም
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
መቐለ
Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ስነ-ስርዓት ምረቓ መጥባሕቲ  ኣሃዱ ጣቢያ ጥዕና ፈሪማ ተሳልጡ።ሓምለ14/2018ዓ/ም መጥባሕቲ ኣሃዱ ጣቢያ ጥዕና ፈሪማ ተመሪቓ ብዕሊ ስራሕ ጀሚራ።ከም መብሪሂ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/...
21/07/2026

ስነ-ስርዓት ምረቓ መጥባሕቲ ኣሃዱ ጣቢያ ጥዕና ፈሪማ ተሳልጡ።
ሓምለ14/2018ዓ/ም መጥባሕቲ ኣሃዱ ጣቢያ ጥዕና ፈሪማ ተመሪቓ ብዕሊ ስራሕ ጀሚራ።
ከም መብሪሂ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ብሓገዝ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብልዕሊ 45ሚልየን ቕርሺ ናውቲ ሕክምና፣ደረጃኡ ዝሓለወ ህንፃን ብፀሓይ ሓይሊ ዝሰርሕ ሶላርን ተማልኡላ እታ ጥዕና ጣቢያ ንግልጋሎት ድልውቲ ምዃናን ነቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ ውን ከም ዝተማልአን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቅድስት ማርያምን መባእታዊ ሆስፒታል ውቅሮ ማራይን ድማ እቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ተጀሚሩ ንክዛዘም ዝገበርዎ ኣበርክቶ ብሽም ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓርነት ምስጋናኦም ገልፆም።
ነበርቲ ብወገኖም እታ ጣቢያ ጥዕና በቲ ዝነበረ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ቡዙሕ ዕንወት ከምዝበፅሓ ብምግላፅ ቅድሚ ሐዚ ብስኪ ኣብ ከባብኦም መጥባሕቲ ኣሃዱ ዘይምህላው ቡዙሕ ኢኮኖሚያዊ ፀገምን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን የጋጥም ከምዝነበረ ገልፆም። እቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ኣብ ከባብኦም ግልጋሎት ምጅማሩ ውን ዝተሰመዖም ሐጎስ ገልፆም።
ኣብ መወዳእታ ተኸታታሊ ዝኾነ ደገፍን ክትትል ተገይሩ እቲ መጥባሕቲ ኣሃዱ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ጥዕና ንክህብ ፃውዒት ቐርቡ።
ሓምለ 14/2018ዓ/ም
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
መቐለ
Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፓሊሲ ጥዕና ምህናፅ መፍረያይን ጥዕናኡ ዝተሓለወን ዜጋ ንምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ተገልፁ።እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕ...
16/07/2026

ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፓሊሲ ጥዕና ምህናፅ መፍረያይን ጥዕናኡ ዝተሓለወን ዜጋ ንምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ተገልፁ።
እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን መደብ ኣፈፃፅማ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ምስ ጠቅላላ ሰራሕተኛ እቲ ከይዲ ስራሕን መድረጊቲ ኣካላትን ኣብ 9 ሐምለ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ገምጋም እዩ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ነጋሲ ተኽለ-ሃይማኖት ብጆኖሳይዳዊ ኩናት ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ብምምላስ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕናና ናብ ኣብ ምትግባር ምስ መድረጊቲ ኣካላት ብምውዳድ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ብርክት ዝበሉ መደባት ጥዕና ከም ዝተወገኑ ገሊፆም።
እቲ ዝተገበረ ገምጋም መደባት ኣፈፃፅማ 2018 ዓ/ም ኣብ ፅባሕ ምምላስ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ምዃኑን ስራሕቲ ጥዕና ብምንቅስቃስ ውዳበታት ሓፋሽ ንምዕማም ጥጡሕ ባይታ ከምዝተፈጠረን ነዚ ዕዱል ብምጥቃም ስርዓት ጥዕና ከነሐይልን ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና ክነጠናኽርን ይግባእ ኢሎም ኣይተ ነጋሲ ።
ብምቕፃል ኣፈፃፅማ ዝርዝር መዳባት 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት እቲ ከይዲ ስራሕ ንተሳተፍቲ ብንፅፅር ቐርቡ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ተገይርሉ እዩ።
በቲ ዝቐረበ መደብ ኣፈፃፅማ 2018 ዓ/ም መስረት ኣብ ምቑፅፃርን ምክልኻልን ለበዳታትን ኣብ ምዕባይ ግንዛቤ ሕ/ሰብን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጥዕና ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከም ዝነበረሮም ዝተገለፀ ኮይኑ ሕፅረት በጀት ድማ ቀንዲ ማሕንቆ እቲ ከይዲ ስራሕ ከምዝነበረ ተሓብሩ።
ኣብ መወዳእታ ውዳበታት ብምጥንኻር ማሕበረ ሰብ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ብምዕባይ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕናና ሽትኡ ክወቕ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት ቐፃልነት ዘለዎ ደገፍን ክትትልን ግከብሩ ፃውዒት ቐርቡ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
09ሐምለ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ካብ ፍታን ነፃ ዝኾነ ከባቢ ብምፍጣር ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ምትግባር  ወሳኒ ምዃኑ ተሓብሩ።እዚ ዝተሓበረ ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ጣብያ ሰላም ካብ ሓሪኢ ነ...
11/07/2026

ካብ ፍታን ነፃ ዝኾነ ከባቢ ብምፍጣር ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ምትግባር ወሳኒ ምዃኑ ተሓብሩ።

እዚ ዝተሓበረ ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ጣብያ ሰላም ካብ ሓሪኢ ነፃ ዝኾነት ሞዴል ጣብያ ተባሂላ

04 ሓምለ 2018 ዓ/ም መድረኽ ኣፍልጦ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦታኡ ምምላሱ ተዳኺሞም ዝነበሩ ውዳበታት ጥዕና ምጥንኻር ምጅማሮምን ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕናና ናብ ንቡር ንምምላስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ቡዛሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ነጋሲ ገብረመስቀል ገሊፆም።
ኣይተ ነጋሲ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሳ ጥዕና ንምትግባር ኩለን ከባቢታት ትግራይ ካብ ሓሪኢ ነፃ ክኾና ከምዘለወን ብምሕባር ኣብ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ጣቢያ ሰላም ውዳበታት ደቂ ኣንስትዬ ብምንቕናቕ ካብ ሓሪኢ ነፃ ዝኾነ ከባቢ ምፍጣር ከም ዝተኽኣለን ኩለን ከባብታት ትግራይ ካብዚ ተሞክሮ ወስደን ከባብአን ካብ ሓሪኢ ነፃ ክገብራ ፃዊት ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ ድማ ውልቀን ከባብያዊን ፅሬት ብምሕላው ኣብ እዋን ክረምቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ለበዳታት ሕማም ኮሌራን ሕማም ዓሶን እኹል ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ንክግበር ተላብዮም።

ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ መቐለ ኣይተ ጌታቸው ወዳጆ ብወገኖም ብምኽንያት ጆኖስይዳዊ ኩናት ተዳኺሙ ዝነበረ ስርዓት ጥዕና ውዳበታት ጥሙር ጥዕናን ልምዓት ጉጅለ ብምጥቓም ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ከበርኹ ዝኽእሉ ስራሕቲ ንኽስርሑን ፅሩይ ከባብ ኣብ ምፍጣር ግደ ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ጥዕናን ልዑል ምዃኑን ቐፃልነት ዘለዎ ድጋፍን ክትትልን ብምጥንኻር ሞዴል ጣቢያን ስድራቤታትን ምፍጣር ከምዝከኣል ሐቢሮም።
ኣብ ጣብያ ሰላም ዝተርኣየ ናይ ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ውፉይነት ብምንኣድ ናብ ካልኦት ጣብያታት ክጋፋሕ ተላብዮም።

ነበርቲ ብወገኖም ካብ ሓሪኢ ነፃ ዝኾነ ከባብ ብምፍጣር ዓርሶም ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ዝከላኸሉ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ካብ ሓሪኢ ነፃ ዝኾነ ከባብ ብምፍጣር ምኽልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ንምትግባር ቐፃልነት ዘለዎ ደገፍን ክትትልን ከምዘድሊ ፃውዒት ቐሪቡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
04 ሐምለ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

11/07/2026
ንኤች ኣይቪ ኤድስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ኣብ ጥዕና ትካላት ዝግበር ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ ትሑት ምዃኑ  ተገሊፁ።እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምጥንኻር ስርዓት ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድ...
04/07/2026

ንኤች ኣይቪ ኤድስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ኣብ ጥዕና ትካላት ዝግበር ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ ትሑት ምዃኑ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምጥንኻር ስርዓት ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝምልከት መድረኽ 27 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ንኣመራርሓ ሰብ ሞያ ጥዕና ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን እዩ።

ከም ገለፃ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ስምዖን ገ/ፃድቕ ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ከም ሃገር ትግራይ ኣብ ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቑፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከም ዝነበራ ዝፍለጥ ኮይኑ ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ፆታዊ ዓመፅን ካልኦት ናይ ኲናት በሰላታትን ዝርገሐኡ ልዕሊ 3% ከምዝበፅሐን ኣብ ጥዕና ትካላት ንኤች ኣይቪ ኤድስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ብውነ ተኸታቲልካ ምርመራ ምግባር እውን ትሑት ምዃኑን ነዚ ለበዳ ንምቁፅፃር ኩሉ ኣመራርሓ ጥዕናን ባዓል ሞያ ጥዕናን ምጥንኻር ምርመራ ኤች ኣይቪ ከምዘድሊን ኩሉ ናብ ጥዕና ትካል ዝመፀ ንኤች ኣይቪ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ተገልገልቲ ተኸታቲልካ ምርመራ ኤች ኣይቪ ንክገብሩ እኹል ክትትል ንኽገብር ዶ/ር ስምኦን ኣተሓሳስቦም ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓላፊ ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብወገኖም ተመርሚሮም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ወገናት ብቕልጡፍ ምስ ጥዕና ትካላት ክተኣሳሰሩ ከም ዘለዎምን እቲ ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ ሐዱሽ ምጥንኻር ምርመራ ኤች ኣይቪ ኤድስ እቲ ለበዳ ንምቑፅፃር ዕዙዝ ተራ ከምዝህልዎን ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና ነዚ ዝቆፃፀር ሓይሊ ዕማም/Task force/ብትልሚ ክጣየሽ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ብምቕፃል ህልው ኩነታት ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ብንፅፅር ብመፅናዕቲ መሰረት ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ቐሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኩለ መዳይ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ለበዳ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኩሉ ኣመራርሓ ማዕልታዊ ትልሚ መሰረት ዝገበረ ድጋፍን ክትትልን ንኽገብር ከምዘለዎን ኩለን ጥዕና ትካላት ድማ ኣብ ኩለመዳይ ምቑፅፃርን ምክልኻልን ኤች ኣይቪ ዝተናበበ ስራሕ ንክሰርሓ ፃውዒት ቐሪቡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
27 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ወለንታውያን ለገስቲ ደም ሰራሕተኛታ ቢሮ ጥዕና ትግራይ "ደም ለግሱ ህይወት ኣካፍሉ! " ብዝብል ቴማ 26ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ቢሮ ጥዕና ልገሳ ደም ኣሳሊጦም።ከም ሓበሬታ በዓል ሞያ ባንኪ ...
03/07/2026

ወለንታውያን ለገስቲ ደም ሰራሕተኛታ ቢሮ ጥዕና ትግራይ "ደም ለግሱ ህይወት ኣካፍሉ! " ብዝብል ቴማ 26ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ቢሮ ጥዕና ልገሳ ደም ኣሳሊጦም።

ከም ሓበሬታ በዓል ሞያ ባንኪ ደም መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፍሃ ሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብወለንተኦም በቢእዋኑ ደም ከምዝልግሱን ሐዚ ድማ ባንኪ ደም ብዝገጠሞ ሕፅረት ደም ብዝገብሮ ዘሎ ምልዕዓል ሕብረተሰብ ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ብምልጋሶም ኣመስጊኖም።

ካለኦት ክልግሱ ዝኽእሉ ወገናት ነቲ ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ሕፅረት ደም ንምፍታሕ ብወለንትኦም ደም ክልግሱ ፀዊዖም።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
26 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

ካብ ፍታን ነፃ ዝኾነ  ከባቢ ንምፍጣር ንቑሕ ተሳትፎ ውዳበ ደቂ ኣንስትዬ  ኣድላይ ምዃኑ ተሓብሩ። እዚ ዝተሓበረ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ፃዕዳ ናዕለ ካብ ሓሪኢ...
01/07/2026

ካብ ፍታን ነፃ ዝኾነ ከባቢ ንምፍጣር ንቑሕ ተሳትፎ ውዳበ ደቂ ኣንስትዬ ኣድላይ ምዃኑ ተሓብሩ።

እዚ ዝተሓበረ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ፃዕዳ ናዕለ ካብ ሓሪኢ ነፃ ከባብ ብምፍጣር ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይን ዩኒሰፍን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽቓቕ ንልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ስድራቤታት ተሰሪሑ እታ ጣቢያ ካብ ሓሪኢ ነፃ ምዃና 24 ሰነ 2018 ዓ/ም ናይ ኣፍልጦ መድረኽ ኣብ ዝተዳለወሉ እዩ።

ከም ገለፃ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ነጋሲ ተክለ ሃይማኖት ሰርዓት-ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ኩሎም መድረጊቲ ኣካላት ብምዃን ቡዙሓት ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ስርዓት ጥዕና ንምሕናፅ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ካብ ሓሪኢ ነፃ ክኾና ከምዘለወን ኣብ ጣብያ ፃዕዳ ናዕለ ዝተርኣየ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዬ ብምንቕናቕ ካብ ሓሪኢ ነፃ ዝኾነ ከባቢ ምፍጣር ከም ዝተኽኣለ ኩለን ከባብታት ትግራይ ካብ ጣብያ ፃዕዳ ናዕለ ተሞክሮ ወሲደን ኩሉ ውዳበታት ጥዕና ተጠቒመን ካብ ሓሪኢ ነፃ ንክኾና ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ ድማ ፅሬት ከባቢና ብምሕላው ኣብ እዋን ክረምቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ለበዳታት ሕማም ኮሌሪያን ሕማም ዓሶን እኹል ቅድመ ምድላው ንክግበርን ነቲ ስራሕ ዕውትነት ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላትን ኣይተ ነጋሲ ምስጋኖኦም ገሊፆም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣይተ ሃፍቱ ብርሃነ ብወገኖም ብምኽንያት ጆኖስይዳዊ ኩናት ተዳኺሙ ዝነበረ ስርዓት ጥዕና ውዳበታት ጥሙር ጥዕናን ልምዓት ጉጅለ ብምጥቓም ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ስርዓት ጥዕና ከበርኹ ዝኽእሉ ስራሕቲ ንኽስርሑን መደባት ጥዕና ውዳበታት ደቂ ኣንስትዬ ብምጥቓም ብዙሓት ሞዴል ስድራቤታት ምፍጣር ከምዝከኣል ሐቢሮም።
ኣብ ጣብያ ፃዕዳ ናዕለ ዝተርኣየ ናይ ህዝቢ ውፉይነት ዝንኣድ ምዃኑን እቲ ስራሕ ቐፃልነት ዘለዎ ደገፍን ክትትልን ከም ዘድሊ ሓቢሮም።

ነበርቲ ብወገኖም ጣብያኦም ካብ ሓሪኢ ነፃ ተባሂላ ኣፍልጦ ምርካባ ዝተሰመዖም ሓጓስ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ካብ ሓሪኢ ነፃ ንክኾናን ምኽልኻል መሰረት ዝገበረ ስርዓት ጥዕና ንክህነፅ ኩለን ውዳበታት ደቂ ኣንስትዬ ብልዑል ወነ ናብ ስራሕ ንከኣትዋን ቐፃልነት ዘለዎ ደገፍን ክትትልን ንክግበረለን ፃውዒት ቐሪቡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
24 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: [email protected]
Website: www.trhb.gov.et
Facebook:
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube:
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm

Address

Tigray Regional Health Bureau
Mekelle
251

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Regional Health Bureau posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigray Regional Health Bureau:

Shortcuts

Share