04/03/2026
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘመሓድሮም ኾነ ንመሸጣ ዘውፀኦም ኣበይቲ የለዉን ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዲኢ በርሀ ።
እቶም ከንቲባ ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ከምዝገለፅዎ:ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ዝርከቡ ቦታታት ንመሸጣ ወፂኦም ዝብል ወረ ኣብ ባይታ ዘየለ ቅሉዕ ሓሶት ከምዝኾነን ነዚ ጉዳይ አጃንዳ ገይሮም ሕ/ሰብ ከደናግሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ገለ መደናገርቲ ዝኾኑ ተጋሩ :ንትግራይ ዝኸድዕዋ ከይኣኽሎም ኣብ ባይታ ዘየለ ብዕራይ ወለደ ዝኾነ ሓሶት እናመሃዙ ይውዕሉ ከምዘለዉ ብምሕባር ከብ ከምዚ ዓይነት ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቦም።
መሬት ትግራይ ብዕሊ ብመንግስቲ ኢ/ያ ኣይግበአኩምን እንትበሃል :ናብ ዘይምልከቶ ቤት ፍርዲ ከይዶም ኣአጊድናዮ ኣለና ኢሎም ከደናግሩ ዝፈተኑ ገለ መደናገርቲ: ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ምስዝፈፀመ ጆነሳይደር ሓቢሮም ኣብልዕሊ ትግራይ ኲናት ክውላዕ ይምሕፀኑ ምህላዎም ከይኣክል:ሓዚ ድማ ካልእ ናይ ሓሶት ፈጠራ ፈብሪኾም ክደናግሩ ይፍትኑ ስለዘለዉ ህዝቢ ከተማ መቐለ በዚ ከምዚ ዓይነት ውፁእ ሓሶት ከይተደናገረ ኣብ ጎኒ ምምሕዳሩ ኮይኑ ከባቢኡ ክሕሉ ይግባእ ኢሎም ክቡር ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ.ር ረዳኢ በርሀ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ መብርሂ ዝሃቡ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ትግራይ ኣይተ ሰይፉ ኣዲሱ ብወገኖም: ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ እቲ ኤጀንሲ ዘመሓድሮም ዝኾነ ይኹን ቦታታት ክሸይጥ ኮነ ከመሓድር ስልጣን የብሉን ኢሎም ፡፡
እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ከም ዝገለፅዎ :መንግስቲ ብተናፀል ከልምዖም ዘይኽእል ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ትግራይ ዝመሓደሩ ከምዘለዉ ብምሕባር: እቶም ኣባይቲ ብኸመይ ክለምዑ ከምዝኽእሉ ድማ ናይ ቤትምኽሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፍነት እምበር ናይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሓላፍነት ከምዘይኾነ ኣረዲኦም፡፡
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘመሓድሮ ኾነ ዝእዝዞ ኣባይቲ የብልናን ዝበሉ ኣይተ ሰይፉ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓትን ምሕደራን ኣባይቲ ትግራይ ዝርከቡ ገዛውቲ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንመሸጣ የውፀኦም ኣሎ ዝብል ዛዕባ ካብሓቂ ዝረሓቐን ኣብ ባይታዘየለን ውፁእ ሓሶት ከምዝኾነ ኣረዲኦም ፡፡
ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓትን ምሕደራን ኣባይቲ ዝመሓደሩ ዘይለምዓ መሬት ከልምዑ ናብዝኽእሉ ወገናት ምምሕልላፍ ዝፈቅድ ዕላዊ ዝኾነ መምርሒ ኣሎ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሰይፉ ይኹን እምበር ከምቲ ሓዚ ዝናፈስ ዘሎ በላካ ለኽዓካ ዘይኮነስ ህዝቢ ፈሊጥዎ ዝግበር እምበር ተሓቢእኻ ዝፍፀም ከምዘይኮነን ክሳብ ሓዚ ናብ ሳልሳይ ወገን ንምምሕልላፍ ተባሂሉ ዝወፅአ ኮነ ዝተፀንዐ ቦታ የለን ኢሎም ፡፡
ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ዝመሓደሩ ዘይለምዑ ቦታታት ምስ መዳርግቲ ኣካለት ብምኵን ሓቢርካ ምልማዕ ከምዝከኣል ኣዋጅ ወፂእሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሰይፉ እዚ ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ድማ ኣብ መላእ ኢ/ያ ብሰፊሑ ይስረሓሉ ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ በፂሑ ነውሪ ዝኾነሉ ወይ ዝእግዶ መምርሒ ኮነ ደምንቢ ዋላእኳ ተዘይሃለወ ክሳብ ሐዚ ግን ምስ ሰብ ሃፍቲ ሓቢርካ ዝለምዓ ወይድማ ምስ መዳርግቲ ኮይንካ ዝተጀመረ ነገር የለን ኢሎም፡፡
Fm Mekelle 104.4