ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ Tigray Region Bureau of Peace and Security

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ Tigray Region Bureau of Peace and Security

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ  Tigray Region Bureau of Peace and Security Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ Tigray Region Bureau of Peace and Security, Government Organization, Mekelle.

ዘተ ሰላም ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ይጠልብ!   ዕላዊ መግለፂ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስምምዕነት ኣብ መንጎ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ፌደራ...
06/09/2026

ዘተ ሰላም ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ይጠልብ!

ዕላዊ መግለፂ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ናይ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስምምዕነት ኣብ መንጎ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ካብ ዝፍረም ደጊም ዝመፅእ ዘሎ ጥቅምቲ ራብዓይ ዓመቱ ይገብር ኣሎ፡፡

እቲ ስምምዕነት ንትግራይ፣ ንኢትዮጵያ ይኹን ንቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንኸምፅእ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ዋላ እንተኾነ ብተግባር ግን ምንም ዓይነት ለውጢ ከየምፅኣ ተሪፉ ይርከብ::

ነቲ ናይ ትግበራ መስርሕ ብሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ፖነል ይኹን ብቶም ቀንዲ ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላት ግቡእ ክትትል ክግበረሉ ብዘይምኽኣሉ ህልውና ናይቲ ስምምዕነት ኣብ ኢድ ፌደራል መንግስቲ ጥራሕ ክወድቕ ክኢሉ እዩ::

ኣብቲ ስምምዕነት ዝተጠቐሱ ዋና ዋና ነጥብታት ተግባራዊ ምግባር ገዲፉ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኢኮኖሚ ዕፅዋ፣ ናይ ሰራዊት ክባ፣ ናይ ፖለቲካ ሽርሕን ናይ ስነ-ኣእምሮ ዅናትን ኣብ ምክያድ ተፀሚዱ ይርከብ::

ኣብ ርእሲ እዙይ ብተደጋጋሚ ነቲ ናይ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ስምምዕነት ብምፍራስ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ዘየቋርፅ ናይ ድሮን ዳህሳስን መጥቃዕትን ኣካይዱን ኣብ ምክያድን ይርከብ:: ብተወሳኺ ብዙሕ ሰራዊትን ኣፅዋርን ብምኽታት ኣብ ሸረሪና ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ኣካይዱ እዩ:: እዚ ኹሉ መግለፂ ናይ ብቐፃሊ ዝካየድ ዘሎ ጀኖሳያዳዊ ድሌትን ዕላማን ፌደራል መንግስቲ እዩ::

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ንቲ ስምምዕነት ብዕሊ ከምዝረሰዕዎን ዋጋ ከምዘይህቡዎን ድሕሪ ምግላፅ ምስ ውድብ ህወሓት ዘይኮነስ ምስ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ከምዝተፈራረሙን እቶም ዝፈረሙ ሰባት ድማ ኣብ ሕቕፊኦም ከምዘለዎ ኣንዳዕዲዖም ገሊፆም እዮም::

እዚ መግለፂ ድማ እቲ ስምምዕነት ከም ዝሞተን ድሕሪ ሕዚ ድማ በዚ ዝስምምዕ ከምዘይቕየዱ ዘረጋገፀ እዩ:: እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደላይ ሰላም መሲልካ ንምርኣይ ብነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦባሳንጆ ኣቢሉ ዝካየድ ምንቅስቃስ ኣሎ:: እዚ ሕዚ ዘግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብናይ ባዕሎም ነፃ ተበግሶ ድዩ ወይስ ብሽርሒ መንግስቲ ፌደራል ዝተበገሰ እዩ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ከልዕል ክኢሉ እዩ።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘገርምን ዘተሓሳስብን ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ዝነበረ ናይ ሕድሕድ ኩናት ብፍላይ ድማ ተመኩሮ ቢያፍራ ናይቲ ዘለናዩ ፀገም ከም ሞዴል መፍትሒ ተገይሩ ይቐርብ ምህላዉ እዩ።

ቀዳምይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓምለ 07፣ 2018 ዓ/ም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኦም ከምዝፀሓፍዎ ምስ ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡን ተመኩሮ ቢያፍራን ኣፈታትሓ ፀገሙን ብዝምልከት ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ገሊፆም እዩም:: ቀፂሉ እውን ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ብስም ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ናይ ቢያፍራ ተመኩሮ ብተመሳሳሊ ከቕርቡ ተሰሚዖም እዩም::

ናይ ቢያፍራ ተመኩሮ ወታደራዊ ክባ፣ ኢኮኖምያዊ ዕፅዋ፣ ጥምየት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ክፍኣት ዝተመልኦ መጥቃዕትን መቕዘፍትን ከምኡ እውን ኣብ መወዳእታ ብወታደራዊ ሓይሊ ስዒርካ ምምብርካኽን ዝሓቖፈ ከም ዝኾነ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ:: በቲ እዋን ኣብ ቢያፍራ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ተደራደርቲ ሓይልታት ዝተፈፀመ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ዝተሰዓረ ሓይሊ ዝተፀዓነ ከይዲ እዩ ነይሩ::

እዚ ከይዲ ግሪካዊ ፀሓፊ ታሪክ ሱሲዲዲስ (Thucydides) “እቶም ሓያላት ዝደለይዎን ዝኽእልዎን ይገብሩ፤ እቶም ድኹማት ድማ ይሳቐዩን ዝተበሃልዎ ንኸገብሩ ድማ ይግደዱ“ ዝበሎ ክንዝክር ይገብረና::

ነበር ፕረዚደንት ኦባሳንጆ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ዓ/ም ናብ ትግራይ ከምዝመፁን ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ሰፊሕ ምይይጣት ከምዝገበሩ ዝዝከር እዩ:: ኣብ መወዳእታ እቲ ምይይጥ ኣብ ውሽጢ ሰሙን እንተነዊሑ ድማ ኣብ ክልተ ሰሙን ከምዝምለሱ ቃል ኣትዮም እውን ነይሮም:: እንተኾነ ግን ደጊሞም ንኸምለሱ ኣስታት ክልተ ወርሒ ወሲድሎም:

: እቲ ኩነታት ሓደገኛን ተኳሳሕን ምኻኑ እንዳፈለጥኩም ንምንታይ ድኣ ነዊሕ እዋን ወሲድኩም ክበሃሉ ከለው ሰብ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ እቲ ኮንፈረንስ ሃገራዊ ዘተና እስካብ ዝውዳእ ነቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ክተንቀሳቕሶ ኣይንደልን ስለዝበሉኒ እዩም ክብሉ መሊሶም:: እዚ ማለት ዋላ እቲ ኩነታት በቢ ዕለቱ እንዳሓመቐ እንዳሃለወ ናይ ፌደራል መንግስቲ መምርሒ ተቐቢሎም ምንም ዓይነት ናይ ሰላም ከይዲ ምንቅስቃስ ከይገበሩ ምፅንሖም ዘርኢ እዩ::

ድሕሪኡ ግን እቲ ናይ ፌደራል መንግስቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሰላም ድሌት ከምዘለዎ ንምምሳልን ንምድንጋርን ክጥቀመሉ ኣብ ዝደለየሉ ግዘ ናቱ መምርሒ ተቐቢሎም ብዘይቆፀራን ብዘይተጨበጠ መበገሲ ሓሳባትን ከምኡ እውን ግልፅነት ብዘይብሉ ኣጀንዳ ናብ ትግራይ ሃንደበታዊ ምብፃሕ ገይሮም:: ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ምብፃሕ እውን እንተኾነ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝገበርዎ ዝተፈለየ ኣይኮነን:: ምንም ዓይነት ናብ ሰላም ዝወስድ ሓሳብ ዘይብሉን ናብ ትርጉም ዘለዎ ዘተ ዘየእቱን ዝተጨበጠ ቁምነገር ዘይነበሮን እዩ ነይሩ::

ኣሸማጋላይ ነፃን ዘይሻራዊን ኢሉ እውን ብቐረባ ንቲ ኩነታት ዝከታተልን መፍትሒ ዝእልሽን ከምዝኾነ መሰረታዊ ናይ ሽምግልና መትከላት ይሕብሩ:: እቲ መሸማጋላይ ዘካይዶ ምንቅስቃሳት ንቲ ግፍዕታት ዝፍፅም ዘሎ ሓይሊ ብስም ሰላም ሕጋውነትን ቅቡልነትን ወይ ድማ ፖለቲካዊ ከስቢ ካብቲ ከይዲ ከይረክብ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ::

ሽምግልና ብመሰረቱ ናይቶም ግፍዒ ዝተፈፀሞም ኣካላት ፀገም ንኸቃለል መፍትሒ ዝህብ እምበር እቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ ክሸፋፈን ወይ ድማ እቲ ግፍዒ ክናዋሕ ክሰርሕ የብሉን:: ናይቶም ግፍዐኛታት ዕላማታት እውን ከቕፅሉ ኩነታት ከመቻችው የብሉን:: ኮይኑ ግን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣገደስቲ ባህርያት ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ከምዘይብሎም ዘረጋገፀ እዩ::

ዋላ እኳ ንሰላምን ተቐባልነትን ዘለዎ ዘተ ቑሩባት ምኳና እንተረጋገፅና ኣብቶም ኣሸማጋላይ ዝረአ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘተሓሳስብ ኩነታት ዝምጥን ዘይሻራውን ንጡፍ ተበግሶነትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ክንርእየሎም ኣይከኣልናን:: ብተወሳኺ እውን ነቲ ኩነታት ዝምጥን ኣቃልቦ ይዅን ቀፃላይን ዝተዋደደን ጠመተ ካብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ኣይረኸበን:: ኮይኑ ግን ከምቲ ደጋጊምና ዝገለፅናዮ ንፍትሓውን ዘላቒ ሰላምን ንዘምፅእ ተኣማንነት ዘለዎ፣ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ዝተመስረተን ብግዘ ዝተገደበን ዘተ ንምክያድ ቁሩባት ምኳንና ክንገልፅ ንፈቱ::

ጳጉሜን 1፣ 2018 ዓ/ም

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ዝተገበረ ፃውዒት ዝዛዘመሉ ጊዜ ይኣክል ስለ ዘሎ ዝምልከቶም ዕጡቓት  ክጥቀሙሉ ፃውዒት ቀ...
27/08/2026

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ዝተገበረ ፃውዒት ዝዛዘመሉ ጊዜ ይኣክል ስለ ዘሎ ዝምልከቶም ዕጡቓት ክጥቀሙሉ ፃውዒት ቀሪቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እናማእኸሎ ብዕቱብ ክስርሐሉ ዝፀንሐ ከይዲ ምምላስ ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ክዛዘም ጊዝኡ ይኣክል ስለ ዘሎ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ውሱን መዓልታት ክሳብ ሐዚ ዘይተመለሱ ዕጡቓት ክምለሱ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

ነቶም በቲ ዝተገበረሎም ፃውዒት መሰረት ኣቐዲሞም ዝተመለሱ ወገናት ናብቲ ቀፂሉ ዘሎ መስርሓት ስልጠናን ዳግመ ፅንበራን ክኣትዉ ይስራሕ ኣሎ። በዚ መሰረት ነዚ ዕማም ብላዕለዋይነት ክመርሕ ዝተጣየሸ ዓብዩ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲኡ ነቲ ልኡኽ ንምዕዋት ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ፈጢሩ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።

ተመለስቲ በብጣብይኦም ናይ ምምዝጋብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ኮይኑ ድሕሪኡ ዝካየዱ ናይ ተሃድሶ ስልጠናታት ንምክያድ ዘኽእል ምድላዋት ዛዚሙ ሰልጠንቲ ንምቕባል ተዳልዩ ይርከብ።

ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት ካብ ሓምለ 28/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ፃንሒት ነሓሰ 28/2018 ዓ/ም ከም ዝዛዘም ተሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ


21/12/2018 ዓ/ም

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ይቐርብ  ንዘሎ ፃውዒት ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ይግባእ ተባሂሉ።ነዚ ዕማም ...
20/08/2026

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ይቐርብ ንዘሎ ፃውዒት ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ነዚ ዕማም ብላዕለዋይነት ክመርሕ ዝተጣየሸ ዓብዩ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ዝተነፀሩ ዝርዝር ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ጥንካረን ክፍተትን መሰረት ብምግባር ብዕምቆት ገምጊሙ 'ሎ። ብምዃኑ ድማ ነቲ ፃውዒት ስዒቡ ዝምለሱ ንዘለዉ ዕጡቓት በብደረጅኡ ዝርከብ ናይ መንግስቲ መሓውር ዘድሊ ሓበሬታን ድጋፍን ብምሃብ በቲ ዝተነፀረ ኣንፈት መሰረት ኣቀባብላ ይገብረሎም ከም ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ገሊፆም ኣለዉ።

እቶም ሓላፊ ወሲኾም ከም ዝበሉዎ "ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት ዛጊድ ተመሊሶም ዘለዉ ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰቦም ተሓዊሶም ስሩዕ ናብርኦም ክመርሑን ካብ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ወፂኦም ንዓዶም ዝረብሕ ቁም ነገር ከበርክቱን ዘኽእሎም ብምዃኑ እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም ክንብሎም ንፈቱ" ኢሎም።
እቶም ሓላፊ ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ "እቲ ዝተውሃበ ናይ ይቅርታ ጊዜ ክውዳእ ውሱን ጊዜ ተሪፉዎ ስለ ዘሎ እቶም ዝተረፉ ዕጡቓት ውን ኣሰር እቶም ቀዲሞም ዝኣተዉ ዕጡቓት ብምኽታል ቀልጢፎም ክምለሱ ይግባእ" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ከም ዝገለፁዎ "ነዚ ዕድል ጊዚኡ እንተይሓለፈ ምጥቃም ዝህልዉዎ ብዙሓት ረብሓታት እናተገለፀ ዝመፀ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ዝተኸፈተ ሰናይ ዕድል ከይተጠቐምካሉ ምትራፍ ድማ መዘዙ ብዙሕ እዩ። ስለ ዝኾነ ኩሎም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ጎኒ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ተሰሊፎም ኣንፃር ህዝቦምን ዘላቒ ረብሕኦምን ኣፈሙዝ ዘቕንዑ ዕጡቓት ነቲ ናይ ጥፍኣትን ፅንተትን መንገዲ ገዲፎም ናብ ዓዶም ክምለሱ ደጊምና ንፅውዕ" ኢሎም።

ኣባላት እቲ ዓብዪ ኮሚቴ ብወገኖም ዝቐረበ ኣፈፃፅማ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ምምሕያሽ ዘለዎ ምዃኑ ፅቡቕ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ጊዜ ብዝበለፀ ምንባብን ምውህሃድን ለልኡኾም ብምፍፃም መሳርሒ ፀላኢ ኮይኖም ንዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ቅኑዕ መንገድን ናብ ዓዶምን ንምምላስ ዝጀመሩዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ ኣረጋጊፆም።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

14/12/2018 ዓ/ም

06/12/2018 ዓ/ም(መቐለ):- ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ፀኒሖም ዝምለሱ ናይ ዘለዉ ዕጡቓት ተጋሩ ስሩዕ ምዝገባ ዝጅምረሉን ናብ ናይ ተሃድሶ ስልጠና ዝኣትዉሉን ጊዜ ሰሌዳ...
12/08/2026

06/12/2018 ዓ/ም(መቐለ):- ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ፀኒሖም ዝምለሱ ናይ ዘለዉ ዕጡቓት ተጋሩ ስሩዕ ምዝገባ ዝጅምረሉን ናብ ናይ ተሃድሶ ስልጠና ዝኣትዉሉን ጊዜ ሰሌዳ ተነፂሩ ከም ዘሎ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ስዒቡ ይካየዱ ናይ ዘለዉ ተኸታተልቲ ናይ ትግበራ ስራሕቲ ኣካል ዝኾነ ንኣካላት ፀጥታ ኩለን ዞባታት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዝርዝር መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ከም ዝበሉዎ "ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝነበሩ ዕጡቓት ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ዓዶም ንምምላስ ዘርእዩዎ ዘለዉ ተበግሶን ብተግባር ዝምለሱ ዘለዉን ኣዝዩ ፅቡቕ እዩ"ኢሎም።

እቶም ሓላፊ ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ "መንግስቲ ትግራይ እዞም ወገናት ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝገበሮ ፃውዒት መርኣያ ህዝባውነቱን ፅኑዕ ብሄራዊ ውግንንኡን እዩ ብምባል እዞም ዕጡቓት ወገናት ድማ መጥቀሚ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ንዘይምዃን ዘርእዩዎ ዘለዉ ሕራነ ክተባባዕ ዝግብኦ እዩ" ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ኩሎም ተመለስቲ ነናብ ጣብይኦም ከይዶም ሪፖርት ክገብሩ፣ ካብቲ ጣብያ ምምሕዳር ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ክቕበሉን ድሕሪኡ ካብ ነሓሰ 10/2018 ዓ/ም ጀሚሮም ናብ ናይ ወረድኦም ቤት ፅሕፈት ምልሻ ከይዲ ስራሕ ምልመላን ስልጠናን እናቐረቡ ክምዝገቡን ንናይ ተሃድሶ ስልጠና ክዳለዉን ዝብል ጊዜ ሰሌዳ ተነፂሩ 'ሎ። በዚ መሰረት ካብ ነሓሰ 10/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኩሎም ተመለስቲ ነዚ ፈሊጦም ክንቀሳቐሱን ብኡ ኣቢሎም ድማ ነቶም ዝተረፉ ወገናቶም ውን ተረባሕቲ ክኾኑ ዘኽእል ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ኩሉ ዝምልከቶ ክረባረብ ከም ዝግባእን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ።


ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብ/ክ/መ/ትግራይ

05/12/2018 ዓ/ም(መቐለ):- ፀጥታና ብምውሓስ ድልዱል ደጀን ክንፈጥር ይግባእ!! ተባሂሉ። እዙይ ዝተገለፀ መድረኽ አመራርሐ ወረዳን ጣብያን ሓባር ኮሚቴ ፀጥታ ዞባ ደቡብ ምብራቕ  ሎሚ ...
11/08/2026

05/12/2018 ዓ/ም(መቐለ):- ፀጥታና ብምውሓስ ድልዱል ደጀን ክንፈጥር ይግባእ!! ተባሂሉ።

እዙይ ዝተገለፀ መድረኽ አመራርሐ ወረዳን ጣብያን ሓባር ኮሚቴ ፀጥታ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ሎሚ ዕለት 5/12/2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ። ኣብዚ መድረኽ አፈፃፅማ መኸተ ወረዳታት ዝተገምገመ ኮይኑ ኩሎም ናይ ወረዳን ዞባን ሓባር ኮሚቴ ፀጥታ ዝተረኸቡሉን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ህሉው ፀጥታዊ ኩነታት እውን ብዕምቆት ዝተገምገመሉን እዩ ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኩለመዳያዊ ፀጥታዊ ኩነታት ቅድም ክብል ምስ ዝነበሮ ኩነታት እንትነፃፀር ሐዚ ናብ ዝሐሸ ደረጃ ይመፅ ከም ዘሎን ኮሚቴያዊ ሓድነት ፀጥታ መሓውርን ተናቢብካ መደባትካ ኣብ ምምራሕን ፅቡቕ ምምሕያሽ ኣብ ምምፃእ ዝርከብ ኮይኑ አጠቓላሊ መደባት መኸተ ኣብ ምዕዋትን ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምፍጣርን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከም ዘሎ ብዕምቆት ገምጊሙ ሎ።
ይኹን እምበር ሐዚ 'ውን መሊኦም ዘይተቐረፉን ቀፃሊ ክትትልን ቱኽረትን ዘድልዮም ጉድለታት ከም ዘለዉ ዝተፈለዩን ዝተነፀሩን ኮይኖም ብዝተዋደደ ፃዕርን ልዑል ተወፋይነትን ድማ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምምፃእ ተሳትፎ ምልኣተ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ምሕያል ከም ዝግባእ ተደምዲሙ።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ተጋዳላይ ከላሊ ሓጋዚ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ከም ዝበሎ"ኣመሓደርቲ ወረዳን ምምሕዳር ከተማታትን ዞባና ኣብ ትሕቲኦም ምስ ዘለው ኣካላት ፀጥታን ፍትሕን ተዋዲዶም ገበን ቅድሚ ምፍፃሙ ምክልኻል፣ እንተተፈፂሙ ድማ ብሕጊ ተራእዩ ገበነኛ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ግቡእን መምሃርን ቅፅዓት ዝረኽበሉን ውሑስ ፀጥታ ዝፍጠረሉን ከይዲ ክህሉ ይግባእ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።ንሱ ብምቕፃል ከም ዝበሎ "ጎናጎኒ እቲ ናይ ከባቢና ሰላምን ፀጥታን ውሑስ ምግባርን ምጥንኻርን ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከብፅሖ ዝህንደደሉ ዘሎ ዝተፈላለዩ ደብዳባት ዓርሱ ዝከለኸለሉ ናይ ሰቪል ዲፈንስ ስራሕቲ ክሰርሕ ምልዕዓል ክግበረሉን ክምራሕን ኣለዎ"ዝብል ኣንፈት ሂቡ ።
ተጋዳላይ ሓጋዚ ወሲኹ ከም ዝበሎ " ሐዚ ውን ፀጥታና ውሑስ ንምግባር ሰፋሕቲ ናይ መረዳድኢ መድረኻት ክቕፅሉን ፀጥታና ውሕስ ንምግባር ህዝቢ በዓል ዋና ክኸውን ከም ዘለዎን እዙይ ንምዕዋት ድማ ናይ ምክልኻል ስራሕትና ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ" ኢሉ ።

ተጋዳላይ ሓጋዚ ኣብ መወዳእታ ከም ዝበሎ "ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍለጥ ተደናጊሮም ኣንፃር መኸተ ህዝቢ ትግራይ ምስ ፀላኢ ተሰሊፎም ዘለዉ ዕጡቓት ተጋሩ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ፃውዒትን ናብ ተግባር ኣሰጋጊሩዎ ብዘሎ መስርሕን መሰረት ዝምለሱ ዘለዉ ወገናት እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ብምባል ዝተረፉ ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱን ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑን ፃውዒት የቕርብ!!" ኢሉ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዋና አመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ብተወሳኺ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ተጋዳሊት ፀሃይ ኣያሌው፣ ኩሎም ናይ ዞባን ወረዳን መኸተ ኮሚቴ ፣ኩሎም ናይ ዞባን ወረዳን ሓለፋቲ ፀጥታ፣ ፖሊስ ኣዘዝቲ፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ምልሻን ዓቀብቲ ሕግን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ብድምቀት ተኻይዱ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ  ብዝቐረበ ፃውዒት መሰረት ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣብ ምምላስ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ...
10/08/2026

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ብዝቐረበ ፃውዒት መሰረት ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣብ ምምላስ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።

ሎሚ ዕለት 04/12/2018 ዓ/ም ነዚ ዕማም ብላዕለዋይነት ክመርሕ ዝተጣየሸ ዓብዩ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ነቲ ፃውዒት ስዒቡ ዝምለሱ ዘለዉ ዕጡቓት በቲ ዝተነፀረ ኣንፈት መሰረት ኣቀባብላ ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ኣረጋጊፆም።
እቶም ሓላፊ ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ "ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ዝተጋገየ ዕላማ ተሰሊፎም ኣንፃር ህዝቦምን ዘላቒ ረብሕኦምን ምንቅስቓሶም ልክዕ ዘይምዃኑ ተረዲኦም ዝምለሱ ዘለዉ ዕጡቓት ዘድሊ ህንፀትን ድጋፍን ረኺቦም ናብ ንቡር መነባብሮኦም ክምለሱ ዝሕግዝ ዝተዋደደ ክልላዊ ፃዕሪ ንምትግባር ሓሙሽተ ንኡሳን ኮሚቴታት ተጣይሸን ናብ ተግባር ክኣትዋ ተገይሩ ሎ ኢሎም።"
ኣባላት እቲ ዓብዪ ኮሚቴ ብወገኖም ዝቐረበ ኣፈፃፅማን መተግበሪ ትልምን ከስርሕ ዝኽእልን ንፁርን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋፅ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣብ ምግባር ብልዑል ተወፋይነት ከም ዝሰርሑ ድማ ኣረጋጊፆም።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

04/12/2018 ዓ/ም

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ  ፃውዒት ቀሪቡ። ሎሚ ዕለት 30/11/2018 ዓ/ም ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብ...
06/08/2026

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ንቡር ሂወቶምን ዓዶምን ብሰላም ክምለሱ ፃውዒት ቀሪቡ።
ሎሚ ዕለት 30/11/2018 ዓ/ም ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዚ ዝስዕብ መፀዋዕታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
"ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓምለ 28/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዕጥቂ ሒዞም ተሰሊፎም ዝርከቡ ተጋሩ ፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ተቐቢሎም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናብረኦም ክመርሑን ኣብ ዝምጥኖም ዓውደ ስራሕ ክዋፈሩን ድጋፍ ክግበረሎምን ዘኽእል ኣብ 04 ክፍልታትን 16 ዓንቀፃትን ዝተወደበ መፈፀሚ መስርሕ(ማንዋል) ኣፅዲቑ ‘ሎ።
ዋና ዕላማ እዚ መፀዋዕታ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ምድንጋርን ምስ ሓይልታት ፀረ- መኸተ ተሰሊፎም ዝርከቡ ወገናትና ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ንቡር ሂወቶም ከምለሱን መነባብሮኦም ብኣግባቡ ክመርሑን ብምግባር ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ንምርግጋፅ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር እዩ።
እዚ መፈፀሚ መስርሕ (ማንዋል) ካብ መጋቢት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ሓይልታት ፀረ- መኸተ ብምኻድ ንዝተሰለፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣመራርሓ፣ መናእሰይ፣ ሓረስቶት፣ ነጋዶ፣ ኣባላት ምልሻን ሰራዊት ትግራይን ከምኡ ውን ካልኦት ቅድም ኢሎም ብባዕሎም ይኹን ብዝተገበረሎም ፃውዒት ኣብ ዝተመለሱን ተፈፃምነት ይህልዎ።ንስሉጥ ትግበራን ተፈፃምነቱን ድማ ብኣካቢነት ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ዝርዝር ስራሕቲ እናገምገመ ዝመርሕ 09 ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ።
በዚ መሰረት ነዚ ፃውዒት ተቐቢሉ ዝመፅእ ተመላሲ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዱ ከም ዝወድአ ዘረጋግፅ ምስክር ወረቐት ድሕሪ ምሓዙ ብሜሪት ተመዲቡ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሲቪል ሰርቫንት ናብ ይሰርሐሉ ዝነበረ ክፍሊ ስራሕ ይምለስ፣ እቲ ዝነበሮ ቦታ ብኻሊእ ተታሒዙ እንተፀኒሑ ድማ ኣብ ዝምጥኖ ቦታ ክምደብ ይግበር።ብሹመት ተመዲቡ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ኣመራርሓ ቅድም ክብል ሲቪል ሰርቫንት እንተነይሩ ብብርኪ ስራሕ ተመዚኑ ናብ ዝነበሮ ብደረጅኡ ክፍቲ ኣብ ዘሎ ስራሕቲ ይምደብ፣ ተዘይኮይኑ ድማ መስርሕ ሲቪል ሰርቪስ ብዝፈቕዱ ኣገባብ ይተኣናገድ።ዋላ ኣብ ናይ ሲቪል ሰርቪስ ስራሕ ዘይነበረ ግን ድማ ግልጋሎት ዘመኑ ልዕሊ 05 ዓመት ዝኾነ ሹመኛ ብብርኪ ስራሕ ተመዚኑ ኣብ ዝምጥኖ ቦታ ክምደብ ተደንንጊጉ ሎ።
ተመለስቲ መናእሰይ፣ ሓረስቶትን ምልሻን ድማ ካብ ዝተመለስሉ ጊዜ ጀሚሩ ከምቲ ካሊእ ወገኖም መሰሎም ተኸቢሩ፣ ዝነበሮም መሬት ከይተመሓደረ እንተፀኒሑ ተመሊሱ ክውሃቦም ተመሓዲሩ እንተፀኒሑ ድማ ካሊእ ተመሳሳሊ ናይ ሕርሻ ቦታ ክውሃቦም፣ ዝወሰዱዎ ዕጥቂ ሒዞምዎ እንተተመሊሶም እቲ ዕጥቂ ሒዞምዎ ክቕፅሉ፣ ዝወሰዱዎ ብረት ገዲፎምዎ እንተተመሊሶም ድማ ከከም ኩነታቱ ተፃርዩ ምምሕዳራዊ መፍትሒ ክግበረሉን ተነፂሩ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ክዋፈሩ ልቓሕ ወሲዶም ዝነበሩን ውዙፍ ልቓሕ ዘለዎምን ተመለስቲ ናይ ልቓሕ መኽፈሊ እዋን ክናውሐሎም ከም ዝግበር፣ዝነበሮም ንግዳዊ ስራሕቲ ንምቕፃል ድማ ነቲ ካሊእ ናይ ሕብረተሰብ ክፋል ዝግበር ድጋፍ ነዞም ተመለስቲ ውን ተግባራዊ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ።በዚ ፃውዒት መሰረት ይኹን፣ ቅድም ክብል ብዝተገበረ ፃውዒትን ብናይ ባዕሎም ተበግሶን ዝተመለሱ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ውን ድሕሪ ቲ ናይ ተሃድሶ ስልጠና በቲ ናይ ሰራዊት መምለሲ መምርሒ መሰረት ክተኣናገዱ ክግበር እዩ።
ስለ ዝኾነ ፤ ኩሎም ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዕጥቂ ሒዞም ተሰሊፎም ዝርከቡ ተጋሩ ነዚ ፃውዒት ብውነ ተረዲኦምን ተቐቢሎምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ዓዶም ክምለሱን ንቡር ናብርኦም ክመርሑን ካብቲ ሒዞምዎ ዘለዉ ግጉይ መንገዲ ክወፁን ንፅውዕ!!"

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

30/11/2018 ዓ/ም

ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መብርሂ================================ጀኖሳይዳዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብልፅግና ብዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ...
03/08/2026

ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መብርሂ
================================
ጀኖሳይዳዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብልፅግና ብዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብኣንፈት ሸረሪና ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ቅሉዕ ውግእ ከም ዝኸፈተ ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ውግእ ህፁፅ ሓይልታት ደገፍ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ብሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሔሚቲ) ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳንን ካብ’ቲ ከባቢ ተገዲዶም ዝተኣከቡ ዕጡቓትን እውን ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ዕሱብ ሰራዊት ጀኖሳይዳዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብልፅግና ብዕስለ ተዳጒኑን ኣለኒ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ዓቕምታት ሓይሊ ምድርን ኣየርን ተጠቒሙን ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ክሳብ ኣጋምሸት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይድ ፈቲኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፍትሓዊ ዕላማ ተሓንጊጡ “ሕድሪ ስዉኣተይ ኣየዐብርን” ዝበለ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመፀ ወራሪ ብምምካት ንሕልሚ ፀላኢ ከፍሽሎ ክኢሉ እዩ። ብምኻኑ፡ ሰራዊትና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብቕያ ዝዝንቶ፣ ንታሪኽ ዝስነድ፣ ዘኹርዕን መስተንክራውን ጅግንነት ፈፂሙ ኣሎ፤ ክብርን ሞሳን ድማ ይግብኦ!

እቲ ተዳጒኑ ዝኣተወ ዕሱብ ሰራዊት ብልፅግናን መሻርኽቱን ንምርኣዩ ብዘሕዝን መንገዲ ዝሃለቐ ኮይኑ፡ ሕዚ ትካላት ጥዕና ምዕራብ ትግራይ፣ ጎንደርን ከባቢኡን ብውጉኣት ፀላኢ ዓብለቕለቕ ኢለን ይርከባ። ነዚ ስዒቡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝተፈጠረ ምድንጋፅ ንምሽፋን ብዙሓት ውጉኣት ብኣውሮፕላን ተፃዒኖም ናብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ተወሲዶምን ይውሰዱን ኣለዉ።

ብልፅግና ንህዝቢ ትግራይ እንተየብረሰ ፈፂሙ ክድቅስ ኣይኽእልን። ብምዃኑ፡ ትማሊ ዝፈተኖ ብዕስለ ዝተሰነየ ወራር ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝኾነ ኣንፈት ክቕፅለሉ ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን። ህዝቢ ትግራይ ድማ ህልውንኡን ድሕንነቱን፣ ሉኣላውነቱን መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ናይ ምውሓስ ሕጋውን ተፈጥሮኣውን መሰል ኣለዎ። ስለ’ዚ ኣብ መንጎ ምብራስን ምህላውን ኣብ ዝካየድ ግጥም ዓወት ናይ መን ምዃኑ ዓለማዊ ተሞኩሮ ኮነ ናይ ባዕልና ታሪኽ ህያው ምስክር እዩ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

26 ሓምለ 2018 ዓ.ም

መቐለ

21/11/2018 ዓ/ም(መቐለ) ገጢሙና ዘሎ መድረኽ “ናይ ክንህሉ ኢና ዝብል ተፈጥሯዊ ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ኣይፋሉን ኣይትህልዉን ክትጠፍኡ ኣለኩም ዝብል ባህጊ ዘለዎ  ከም ብሄር ከፅንተና ...
28/07/2026

21/11/2018 ዓ/ም(መቐለ) ገጢሙና ዘሎ መድረኽ “ናይ ክንህሉ ኢና ዝብል ተፈጥሯዊ ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ኣይፋሉን ኣይትህልዉን ክትጠፍኡ ኣለኩም ዝብል ባህጊ ዘለዎ ከም ብሄር ከፅንተና ዝህንደድ ናይ ዘሎ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግናን” ሓዲኡ ከንመርፅ ግድን ኣብ ዝብለሉ ህሞት ምዃኑ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ “ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ምልሻ፣ ቤት ፅሕፈት ብዙህነትን ርክብ ህዝብታትን ኮሚሽን ኣብያት ህንፀት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሰራሕተኛታት ቢሮ ኮሚኒኬሽን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ከም ዝበሉዎ “ብሰንኪ ነቓፅን ፀረ ህዝብን መርገፂ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ተቓሊስካ ህልውናኻ ካብ ምቕፃል ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ዘይብሎም ክኾኑ ኣብ ዝተገደዱሉ መድረኽ ኢና ንርከብ“ ኢሎም። ንሶም ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ “መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ከም ህዝቢ ሓበራዊ ዉሳነ ክህልወና ከም ዝግባእ ግልፂ ኮይኑ እቲ ናይ ህዝቢ መገልገሊ ዝኾነ ሲቪል ሰርቫንት ድማ ነዚ ኩነታት ርዱእ ዝገበረ ግልጋሎት ንምሃብን ኣብ መኸተን ምርግጋፅ ብሄራዊ ህልውንኡ መሪሕ ተርኡ ክፃወት ይግባእን" ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፎም ይኹን ይነብሮም ዘሎ ታሪኻዊ መዋእላት ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ኣሚኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልፊ መስዋእቲ ውን ከፊሉ ሕልፊ ከይሓተተ ብማዕርነት ንምንባር ኳ እንተፀዓረ ነዚ ነፂጉ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ሓሳረ መከራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ግን ሎሚ ኣጥፋእኩኹም፣ ፅባሕ ደምሰስኩኹም እናበለ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ረጊፁ ክገዝእ ላሕ ክብል ይርአ ኣሎ“ ኢሎም። ንሶም ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ“ ከም ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ዝበሉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጡዎ ዝግባእ እዚ ህዝቢ እዚ ንዝኾነ ይኹን ወፅዓ ዝሽከም ታሪኽ ዘይብሉ፣ ተወዲቡ ዝተቓለሰን መሰሉ ዘረጋገፀን መሰል ኩሎም መሳቱኡ ድማ ዘኽብርን ዘረጋገፀን ህዝቢ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቃልሲ መዋእላት ድማ ምእንቲ መሰሉን ርእሰ ውሳንኡን ክብል ኣዝዮም ዘሐብኑን ዘኹርዑን መስዋእትነታት ብምኽፋል ኣብ መቃብር እቶም ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ስርዓታት ድማ ሰላምን ልምዓትን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣረጋጊፁ ዝሓደረ እዩ“ ኢሎም።

ይኹን እምበር ኢሎም እቶም ሓላፊ“ እዚ ሃገር ዝቐየረን ህዝብታት ዘቕሰነን ኣበርክቶ ህዝቢ ትግራይ ክወሓጠሎም ዘይከኣሉ ሓይልታት ነቲ ብመስዋእትነት ደቂ ትግራይ ዝመፀ መስተንክራዊ ልምዓት ምሕንሻሾም ከይኣክል ግዘ ሓልዮም ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ብምስላፍ ንዘኾለሶም ኢድ ህዝቢ ትግራይ ብምንካስ ከይተወሰኑ ጠቕሊሎም ንምብራስ ሰሪሖምን እናሰርሑን ይርከቡ ዝበሉ ኮይኖም ሐዚ ዘለና መማረፂ “ናይ ክንህሉ ኢና ዝብል ተፈጥሯዊ ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ኣይፋሉን ኣይትህልዉን ክትጠፍኡ ኣለኩም ዝብል ባህጊ ዘለዎ ከም ብሄር ከፅንተና ዝህንደድ ናይ ዘሎ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግናን” ምርጫታት ኮይኑ ከም ታሪኽናን መግለፂናን ድማ ዘይንምብርከኽ ምዃንና ሓድነትና ብምጥንኻር ደጊምና ንመላእ ዓለም ብምርግጋፅ ህልውናና ኣብ መቓብር ፀላእትና አረጋጊፅና ብዓወት መሰስ ምባል ጥራሕ እዩ” ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ንምይይጥ መበገሲ ዝኸውን ፅሑፍን ብሄራዊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ተባሂሉ ዝወፀ ኣዋጅን ብንባብ ክቐርብ ድሕሪ ምግባሩ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም እዮም። ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ነቲ ዝቐረበሎም መኽፈቲ መደረን ፅሑፋትን ግቡእን እዋናውን ምዃኑ ብምቕባል ኣንፃር ህልውናና ዝፍሓስ ዘሎ ውዲት ብዘይምንም ቅድመ ኩነትን ወለም ዘለምን ከንምክት ድሉዋት ኢና ክብሉ ሕራነኦም ገሊፆም። እቶም ተሳተፍቲ ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ ትግራይ ናይ ኩሉ ትግራዋይ እትኸውን ግን ኩሉ ትግራዋይ ተመሳሳሊ ዋጋ እንትኸፍለላ ምበር ገሊኡ መስዋእቲ እናኸፈለላ ገሊኡ ድማ ኣብ እዋን ፀገማ ፎቖድኡ እናተሓብአን እናተሾጎጠን ፀኒሑ መሬት እንትወግሕ መፂኡ ከውደልድለላ ክፍቀደሉ ኣይግባእን ብምባል ነዚ ስርዓት ከትሕዝ ዝኽእል ሕጋዊ መስርሕ ብኣግባቡ ተሓሲቡሉ ተግባራዊ ክግበር ድማ ለበውኦም ኣቕሪቦም።

ክፍሊ ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ቢሮ ሰላምን ፀጥታን

11/11/2018 ዓ/ም (መቐለ) ውሽጣዊ ዓቕምታት ብምጥንኻር ዘተኣማምን ሰላም ምህናፅ ይግባእ ተባሂሉ!!እዙይ ዝተገለፀ ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ምጥንኻር ርክብ ህዝብታትን ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅ...
18/07/2026

11/11/2018 ዓ/ም (መቐለ) ውሽጣዊ ዓቕምታት ብምጥንኻር ዘተኣማምን ሰላም ምህናፅ ይግባእ ተባሂሉ!!
እዙይ ዝተገለፀ ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ምጥንኻር ርክብ ህዝብታትን ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 2018 ዓ/ምን መደብ ኦሬንቴሽን ክረምታዊ መደባትን ኣመልኪቱ ንመሓውሩ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም መኽፈቲ መደረን ናይ ስራሕ መምርሕን ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ምጥኻር ርክብ ህዝብታትን ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ ከም ዝበሉዎ ”ቅድም ክብል ብሓይልታት ፅንተት ዝተኣወጀልና ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሐዚ ውን መልክዑ ቀይሩ ብሰላሕታ እናቐፀለ ፀኒሑ ሐዚ ናብ ቅሉዕ ኲናት ይዳሎ ኣሎ፣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ክልከላታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ብምግባር ውሽጣዊ ሰላም ክልልና ንምዝራግ ምስራሕ ዕለታዊ ዕማሙ ዝገበረ ስርዓት ብልፅግና ክንምክቶ እንኽእል ውሽጣዊ ዓቕምታትና ብምጥንኻር እዩ ኢሎም። ንሶም ብምቕፃል ከም ዝበሉዎ ቅድም ክብል ብዝተሰርሑ ኣገደስቲ ውዳበታት ኣጣይሽካ ስራሕቲ ህንፀት ሰላምን ምክልኻልን ምእላይን ጎንፂ ብህዝቢ ክውነኑ ንምግባር ዘይንዓቕ ለውጢ ዝነበረ ምዃኑ ርዱእ ብምግባር ሐዚ ውን ነቶም ውዳበታት መሊስካ ናብቲ ዝነበሮም ጥንካረ ክምለሱ ዝግበር ዘሎ ኣገዳሲ ምንቕቓሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ክንሰርሕ ኢና ብምባል ነዚ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ድማ ኩሎም ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጎንና ክስለፉን ሓቢሮምና ክሰርሑን ይግባእ ኢሎም“
እቶም ሓላፊ ዘልዓሉዎ ካሊእ ጉዳይ ”ኣብዚ እዋን እዙይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣንፃር ሃለዋትን ደሕንነትን ትግራይ ይንኣሰ ይዕበ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደናጊሮም ምስ ፀላኢ ተሰሊፎም ዘለዉ ተጋሩ ተረጋጊኦም ብምሕሳብ ካብ ህልኽን ኣነነትን ወፂኦም መፃኢ ህልውና ህዝቦምን ክልሎምን ውሑስ ኣብ ዝገብር ፖለቲካዊ መስርሕ ኣትዮም ክንቀሳቀሱ ይግባእ” ኢሎም። ”ሐዚ ገሊኦም ብጊዝያዊ ስምዒት ገሊኦም ድማ ኮነ ኢሎም ብዕላማን ተደፋፊኦም ንህዝቦም ዝጎድእ ተግባር ዝፍፅሙ ዘለዉ ወገናት ፅባሕ ኣብ ዘይወፅእ ጣዕሳ ከይኣትዉን ኢሉ ውን ናይ ሕግን ሞራልን ተሓታትነት ካብ ምስዓብ ዘድሕኖም ቅኑዕ ውሳነ ክውስኑ ፃውዒትና ክነቕርብ ንፎቱ” ድማ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኩለን ዞባታት ዝተኻየደ ኣካል ክትትልን ድጋፍን ዝኾነ ናይ ዳህሳስ ግብረ መልሲ፣ ክሳብ ሐዚ ናይ ዝተኻየዱ ናይ ዓቕምን ግንዛበን መዕበዪ ስልጠናታት ፅልዋን ጠለብ ስልጠናን ዓቕሚ ምዕባይን ቀፃሊ በጀት ዓመትን፣ ኣብ ኣተሓሕዛ መረዳእታን ምስናድን ምፅብፃብን ህፁፅ ምላሽን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገደስቲ ዛዕባታት እቲ ቤት ፅሕፈት ብላዕለዎት ሰብ ሞያ እቲ ቤት ፅሕፈት ክቐርቡ ብምግባር ናይ ተሳተፍቲ ርኢቶን ግብረ መልስን ብምቕባል ንናይ ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ምጥንኻር ርክብ ህዝብታትን ቀፀልቲ ስራሕቲ ክውዕሉ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ከም ዝበሉዎ እቲ ዝቐረበ ፀብፃብ፣ ትልሚ ክረምታዊ መደባትን ቀፃሊ በጀትን ዓመትን ተዛመድቲ ሰነዳትን ኣዝዮም ጠቐምትን ተወሰኽቲ ዓቕምታትን ዝኾኑናን ስለ ዝኾኑ ብኣግባቡ ክንጥቀመሎም ኢና ብምባል ከምዚ ዝበለ ብኣግባቡ ዝተዋደደን ዝተተለመን መድረኽ ንዘዳለዉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ምጥንኻር ርክብ ህዝብታትን ልዑል ምስጋና ኣለና ኢሎም።

ክፍሊ ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ሓምለ11/ 2018 ዓ/ም
መቐለ

Address

Mekelle

Opening Hours

Monday 08:30 - 05:30
Tuesday 08:30 - 05:30
Wednesday 08:30 - 05:30
Thursday 08:30 - 05:30
Friday 08:30 - 05:30
Saturday 08:30 - 05:30

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ Tigray Region Bureau of Peace and Security posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share