Tigray Urban Development Bureau

Tigray Urban Development Bureau Tigrai

29/10/2020

መውሊድ ሙባረክ!
ንመውሊድ በዓል እንዃዕ ኣብፀሐኩም!

ናይ ቢሮና ዌብሳይት http://www.tudti.org ከይኑ ንቢሮና ዝምልከቱ1.  ናይ መሬት 17 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን 2. ንግዲ ዝምልከቱ 10  ኣዋጃት መምርሒታት፣...
01/10/2020

ናይ ቢሮና ዌብሳይት http://www.tudti.org ከይኑ ንቢሮና ዝምልከቱ
1. ናይ መሬት 17 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን
2. ንግዲ ዝምልከቱ 10 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን
3. ምድላው ፕላን ክትትልን ገምጋምን ዝምልከቱ 10 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን
4. ሓምለዋይ ልማዓትን ፅባቐን ከተማ ዝምልከቱ 5 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን
5. ምምሕያሽ ግልጋሎት ቤት ማዘጋጃ ዝምልከቱ 2 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን
ብጠቕላላ 44 ኣዋጃት መምርሒታት፣ ደንቢታትን ኣሰራሕሓታትን ካብቲ ዌብሳይት ክትረኽቡን ዳውንሎድ ጌርኩም ክትሕዙን ትኽእሉ ኢኹም፡፡
ተጠቐሙሉ ፤ ዝኾነ ሰብ መምርሒ ኣጎዝጊዙ ከጉላእለአኩም የብሉን፤ ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ቅረብዎ
ናይዚ ፌስቡክ ተካታታሊ እንተኾይኑኩም ሓደሽቲ ዝወፁ ጉዳያት ብቅልጡፍ ክበፅሐኩም'ዮ

ላይክ/ like / ግበሩ ተኸታታሊ/ follower/ ኩኑ ሼር/SHARE/ ግበሩ ነመስግን

ልኡኽ ኣብ ከተማታት ትግራይ ልምዓታዊ ሰራዊት ብምህናፅ፣ ንደኣንት ብምጥንኻር፣ ኢንዳስትሪ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምስፍሕፋሕ፣ ፍትሓዊ ምሕደራ መሬት ብምርግጋፅ፣ ግልጋሎትን መ...

30/09/2020

ክቡራት ናይ ፌስ ቡክ ዕዱማትና
ኣብ ኣብያተ ማዘጋጃ ዝረአ ናይ ግልጋሎት ኣወሃህባን ሰናይ ምምሕዳርን ፀገማት ንምፍታሕ ካብዝሓለፈ ዓመት/2012/ ጀሚሩ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ እናተሰርሐ ፀኒሑ እዩ፡፡በዚ መሰረት ናይ ክልል ሰብ ሞያ ናብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣ኣኽሱም፣ዓድዋ፣ዓዲግራት፣ውቕሮ፣ዓብዪዓዲ፣ኣላማጣ፣ካብ ከተማ መቐለ ካዓ ሓወልቲ፣ ዓዲሓቂ፣ሓድነት ን ሰሜንን ክፍለ ከተማታተ ናይ ሪፎረመ ሰራሐቲ ተሰሪሖም ዘነበሩ ናይ ገግልጋሎት ኣወሃሀባ ፀገማተ ኣዐረዮም ከመዘተመሓየሹ ይገለፁ ፡፡
ንምዃኑ ኣብዘን ከተማታት እዚአን ነቲ ሪፎርም ቀፃላይነቱ ከመይ ትሪእዎ ?
ሐዚ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ከተማታት ኣብያተ ማዘጋጃ ኣወሃህባ ግልጋሎት ከመይ ኣሎ ?
ብጣዕሚ ተመሓይሹ ፅቡቅ ኣሎ እትብሉ 4
ፅቡቅ አዩ እትብሉ 3
ማእከላይ አዩ እንትብሉ 2
ሕማቅ እዩ እትብሉ 1
ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ እትብሉ 0
ስም እታ ከተማ ብምጥቃስ ርኢቶ ክትህቡና ብክብሪ ንሓትት
ንእትህቡና ርኢቶ ነመስግን
ነዚ ኣመልከቱ ብዝርዝር እትብልዎ እንተሊኡውን ቅቡል'ዩ
ነመስግን
ዳይሮክቶሬት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትሪን
መስከረም 20/2013 ዓ.ም

ናብ ስቪል ሰርቪስ ዩንቨርስቲ ዝኣትዉ ዝርዝር
24/09/2020

ናብ ስቪል ሰርቪስ ዩንቨርስቲ ዝኣትዉ ዝርዝር

ኮረና ንምክልኻል ዝጠቕሙ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲመከላኸሊ ንከተማታት ተዓዲሎምቢሮልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትሪን ሚኒስቴር ከተማን ኮንስትራክሽንን ዓዲጉ ን12 ዓበይቲ ከ...
23/06/2020

ኮረና ንምክልኻል ዝጠቕሙ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲመከላኸሊ ንከተማታት ተዓዲሎም
ቢሮልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትሪን ሚኒስቴር ከተማን ኮንስትራክሽንን ዓዲጉ ን12 ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ክከፋፈሉ ዝለኣኾም ኣልኮል፣ሳኒታይዘር፣ማስክን ግላብን ሎሚ ዕለት 16/ሰነ 2012 ዓ.ም ንከተማታት ኣከፋፊሉ፡፡
እዞም ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮረና ን12 ዓበይቲ ከተማታት ንሕድሕዶም
140 ሊትሮ ዝሓዙ ኣልኮል
140 ሳኒታይዘር
900 ማስክ
900 ግላብ ኮይኖም
ከተማታት ዝወከልዎም ኣካላት ሎመዓንቲ ተረኪቦም ነናብ ከለመኦም ከብፅሑ ተበጊሶም ኣለዉ፡፡

22/06/2020

ሰማእታትና ኩልጊዜ ህያዋት እዮም ፅንዓቶም ዘለኣለማዊ ኣብነትናን ፅንዓትናን እዩ ፡ መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ዕላማ ዕዉት ኣብምግባር ውፃእ ውረድ ከምዘጋጥሞ ካብ መፈለምተኡ ፍሉጥዩ ፡
ዘይንድይቦ ጎቦ ዘይንወርዶ ሩባ ፍፁም ወይከ የለን መስመርዩ ሓይልና መስመሮምዩ ፅንዓትና!!
እንኳዕ ኣብፀሐኩም

18/06/2020
18/06/2020
እንኳዕ ንመበል 29 ዓመት እነኽብሮ ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም ሐዚውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!
27/05/2020

እንኳዕ ንመበል 29 ዓመት እነኽብሮ ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም
ሐዚውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!

ምልክታ ስራሕ 2
21/05/2020

ምልክታ ስራሕ 2

ንኣብያተ ማዘጋጃ ግልጋሎት ዝውዕል  ስሉጥን ተሓታትነትን ዘለዎ ግልጋሎት ንምርካብ ዘኽእል ሶፍትዌር ይስራሕ ኣሎ።ብቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዝምራሕ ምምሕያሽ ግል...
20/05/2020

ንኣብያተ ማዘጋጃ ግልጋሎት ዝውዕል ስሉጥን ተሓታትነትን ዘለዎ ግልጋሎት ንምርካብ ዘኽእል ሶፍትዌር ይስራሕ ኣሎ።
ብቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዝምራሕ ምምሕያሽ ግልጋሎት ኣብያተ ማዘጋጃታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ከም ሽረ እንዳሰላሴ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓድግራትን ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማ መቐለ(ክፍለ ከተማ ሰሜን፣ ሓወልትን ሓድነትነ) ኣብዚ በጀት ዓመት 2012ዓ.ም ሪፎርም ኣወሃህባ ግልጋሎት እናታለጠ ፀኒሑ እዩ፤ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ስሉጥ፣ ፅሬቱ ዝሓለወ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዕ ንዜጋታት ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝ ኢ- ሰርቪስ ዝብል ሶፍት ዌር ንምትእትታው ስራሕቲ ተወጊኑ ይርከብ።
ከም ኣገላልፃ ኣላናቴክ ዝተብሃለ ትካል እንተኾይኑ እዚ ሶፍት ዌር ዘመናዊ ዝኾነ ስርዓት ኣወሃህባና ከም ሃገር ኢሉ እውን ከም ክልል ክህልወና እንተኾይኑ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ይሕብሩ እሞ፤ ዘለዎ ረብሓ ድማ ኩሎም ምኽንያታት ዝቐርቡ ዝነበሩ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ ዘትርፍ እዩ። ምክንያቱ እንትገልፁ ድማ፡- ሓደ ዜጋ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ሞባይሉ ተጠቒሙ ዝደለዮ ግልጋሎት ንምርካብ ዘኽእል፣ እትደልዮ ግልጋሎት ብምምራፅ፣ ከማልኦም ዝግበኦም ሕድ ሕድዶክመንት ክተማልእ ይገብር፣ ድሕሪ እዚ ድማ ዝደለዮ ጉዳይ ብዝርዝር ክተመልክት ይዕድመካ፣ እዚ ዘመልከትካዮ ክንደይ ግዘ ከም ዝወስድ ይሕብረልካ፣ ዘድሊ መረዳእታ ብዝግባእ ዘማላኣኻ ምዃንካ ምላሽ መረጋገፂ ክትረክብ ምኽኣልካ፣ ዘመልከትካሉ ዕለት ዘለካ ታራ መበል ክንደይ ከምዘለኻ ጉዳይካ መን ይሰርሖ ከምዘሎ ዝሕብርን ምስተወደአ ኣብ ዘለኻዮ ኮይንካ ክትፈልጥ ከምትኽእል ዝሕግዝ ብምዃኑን ግልፅነትን ተሓታትነትን እውን ንምትእትታው ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ።ምልልስን ወፃኢ ዝቕንስ ብምኽኣሉ። እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ግልጋሎት ኣወሃህባና ንጠንቅታት ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ ምኽንያታት ዝኣሊ ዓብዪ ተስፋ ተዋሂብዎ ይርከብ። እዚ ቴክኖሎጂ ክጥቀም ዘይካኣለ ዜጋ ድማ ብኣካል ብምቕራብ ዘለካ ጉዳይ በቲ ግልጋሎት ዝህብ ትካል ዝምደብ በዓል ሞያ ኣቢልካ ብምምላእ ክፍፀም ትኽእል።
ብተወሳኺ እዚ ሶፍት ዌር ንኻልኦት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ግልጋሎት ከውዕልኦ ዝኽእላ ምዃኑ ኣብቲ ዝነበረ ሓፂር መደብ ምልላይ ክንፈልጥ ኪኢልና።

14/05/2020

ቢሮ ምልዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትሪን ንዘውፀኦ ምልክታ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነቶም ተቐሚጦም ዘለዉ እተማልኡ ሙሉእ መረዳእታኩም ስካን ጌርኩም ብኢሜልን ብናይውሽጢ ፌስቡክ መልእኽቲ ክትልእኩ ትኽእሉ ምዃነኩም ክንሕብር ንፈቱ ፡፡

Address

Mekelle
251

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Urban Development Bureau posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigray Urban Development Bureau:

Share