ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ረብሓ ትግራይ ሽኻሉ ዝገበረ ፖለቲካ! A nationalist political party based in Tigray strives for a democratic, inclusive, and Independent state of Tigray.
(4)

Salsay Weyane Tigray was founded in April 2019 in Mekelle, Tigray.

ኣቦ መንበር ውድብና Gebretensae Woldemichael ምስ  Brakhe Show - ብራኸ ሾው ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣዲሂቡ ዝገበሮ ፃንሒት ተዓደሙታ።
04/09/2026

ኣቦ መንበር ውድብና Gebretensae Woldemichael ምስ Brakhe Show - ብራኸ ሾው ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣዲሂቡ ዝገበሮ ፃንሒት ተዓደሙታ።

WelCome To Berakhe Show YouTube Channel Like Share Subscribe For Mo...

ኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ውድብና ኣሉላ ሃይሉ ነጋ ምስ Romanat Online ዝነበሮ ፃንሒት ተዓደሙታ።
04/09/2026

ኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ውድብና ኣሉላ ሃይሉ ነጋ ምስ Romanat Online ዝነበሮ ፃንሒት ተዓደሙታ።

"እምቢታ ህዝቢ መን ይምርሓዮ?"... ምስ ኣሉላ ሃይሉ ነጋ (ኣባል መሪሕነት ሳወት) ሰፊሕ ወግዒ ገይርና ...

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና (ግፋ) ንመንእሰይ መንበሪ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብዓትን ጓሂን ኣዴታት ትግራይ ክሳብ ምጭካን ዝበፅሕ ክፍኣት ካብ ዝኮን ፀ...
31/08/2026

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና (ግፋ) ንመንእሰይ መንበሪ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብዓትን ጓሂን ኣዴታት ትግራይ ክሳብ ምጭካን ዝበፅሕ ክፍኣት ካብ ዝኮን ፀኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ 'ግፋ' ሎሚ ለይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተረአየ ተጓንፎ ድማ ጭካነ ግፋ ግልፅ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝረአናዮ፡ ኣዴታት መቐለ ደቀን ካብ 'ግፋ' ንምትራፍ እንትፅዕራ 'ገፈፍቲ' ተኩሲ ምኽፋቶም፡ ኣልቦ ብሄራዊ ሓልዮት ሰበ ህወሓት ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ተወሳኺ መሕዘኒ ኣብነት ኾይኑ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ህይወቶም ከትርፉ ዝፍትኑ መናእሰይ ጥይት ብምትኳስ ዝተዓጀበ ሰፊሕ ዓፈና ይግበር ምህላው፡ ዋና መድሕን ትግራይ ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ተስፋ ክስእን ዝገብር ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ብስርውና ፖለቲካ ሰበ ህወሓት ክንደይ ዝኣክል ከም ዝተረመሰ ድማ ግሉፅ ይገብር።

'ኣዘዝትን ፈፀምትን' እዚ ግፋ ዝተብሃለ ኽፉእ ዕዮ ነዚ እከይ ስራሕኹም ብህፁፅ ደው ክተብሉ ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሐዚ እውን መፈለምታ መዋፅኦ ናይዚ ኹሉ ደልሃመት ካብ ብሄራዊ ጉባኤ ዝፍልፍል ምዃኑ ብምእማን፡ ምልኣተ ህዝብና ኣብ ፃውዒት ብሄራዊ ጉባኤ ሓቢሩና ፀቕጡ ከሐይል ንፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
25 ነሓሰ 2018
ትግራይ፡ መቐለ

ናብ ኩሉኹም “ደለይቲ ለውጢ ዉዳበታትን” ፣ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለዉጥንኣብ ዘለኹምዎ ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከት ትግራይ ገጢሚዋ ዘለ ናይ ህልውና ሓደጋ መበገሲኡ...
26/08/2026

ናብ ኩሉኹም “ደለይቲ ለውጢ ዉዳበታትን” ፣ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለዉጥን
ኣብ ዘለኹምዎ

ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከት

ትግራይ ገጢሚዋ ዘለ ናይ ህልውና ሓደጋ መበገሲኡ ፖለቲካዊ ውድቀት ምኳኑ ንፁር እዩ። ትግራይ ብሰንኪ ፖለቲካ ውድቀት እትከፍሎ ዘላ ዋጋ ብብርኪ ዝቀፀለ ጆኖሳይድ ዝግለፅ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ሐዚ ድማ ድርቅን ዓፀቦን ተወሲክዎ ህልውና ህዝብና እናዓረበ ይርከብ። ነዚ ዘሎ ጥፍኣት ደው ብምባል ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ናይ ደቂ ብሄር ሓባራዊ ምርድዳእ ወሳኒ ምዃኑ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እቲ ጥፍኣት ተገቲኡ ህዝብና ዝድሕነሉ ቆራፅ ፖለቲካዊ ውሳነ ንምውሳድ ናብ ዘድሊ ታሪኻዊ መድረኽ ተበፂሑ ኣሎ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ትማሊ ኾነ ሎሚ ህዝብና ንምድሓን ኣገደስቲ ዝብሃሉ መፍትሒታት እናኣንፈተ ከምዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ እውን ህዝብናን ዓድናን ብተጋሩ ብዝመፅእ ውሽጣዊ ፍታሕ ንምድሓን ኣይመሸየን እሞ ከይዱን ውፅኢቱን ዘይፍለጥ ብግዳማውያን ዝዝወር ናይ 'ሰዓራይን ተሰዓራይን' ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምግታእ፡ ንብሄራዊ ዘተ ድልውነትኩም ብምርኣይ ህዝብና ኣብ ምድሓን ናይ ባዕልኹም ግደ ክትፃወቱን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ነሓሰ 19/2018
መቐለ: ትግራይ

ናብ ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF)ኣብ ዘለኹምዎ ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከትትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ብስርውና ኾይኑ ሎሚ ከም ብሄር ...
26/08/2026

ናብ ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF)
ኣብ ዘለኹምዎ

ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከት
ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ብስርውና ኾይኑ ሎሚ ከም ብሄር በቢመዓልቱ እንኸፍሎ ዘለና ዋጋ ፣ ጆኖሳይድ ምውላዱን ምቕፃሉን ከምዘሎ ኾይኑ: ድርቅን ዓፀቦን ተወሲኽዎ ህልውናና እናፀልመተ ኣብ ኣፍ ሙሉእ ጥፍኣት ንርከብ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ብተና ዝወለዶ ስሑት ዉሳነ ላዕለዎት ወታሃደራዋ ኣዘዝቲ ጥሪ 15/2017 ስዒቡ ንስኹም ክትፍጠሩ ምክንያት ኾይኑ እዩ። እንተኮነ ኣብ መንጎ ደቂ ብሄር ወታደራዊ ወፈራ ፍፁም ፍታሕ ከምዘይኮውን ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፡ ኣብ ከይዲ ዘሎ ጥፍኣት ንኸይቕፅልን ህዝብና ንክድሕንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ቆራፅ ውሳነ ክውስኑ ናብ ዘድልየሉ ታሪኻዊ መዋእል በፂሕና ኣለና።

ንስኹም (ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF)) እዉን ካብ ወታሃደራ መፍተሒ ወፂእኹም ኣብ ዘላቂ መፍትሒ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ዘተ ደቂ ብሄር ድልዋት ክትኾኑ ጥራሕ ከይኮነስ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዉዳበ ውግንናን ድጋፍ ምሃብን ኢድኩም ስሒብኩም ትግራይ ብሰላምን ዘተን ፖለቲካዊ ፀገማታ ክትፈትሕ ናይ ባዕልኩም እጃም ክትዋፀኡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ነሓሰ 19/2018
መቐለ: ትግራይ

ናብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ (TDF)መቐለዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩን ባይታ ክትፈጥሩን ምሕታት ይምልከት ትግራይ ብሰንኪ ፖለቲካ ውድቀት እትከፍሎ ዘላ ዋጋ ብብርኪ ዝቀፀለ ጆኖሳ...
26/08/2026

ናብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ (TDF)
መቐለ
ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩን ባይታ ክትፈጥሩን ምሕታት ይምልከት

ትግራይ ብሰንኪ ፖለቲካ ውድቀት እትከፍሎ ዘላ ዋጋ ብብርኪ ዝቀፀለ ጆኖሳይድ ዝግለፅ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ሐዚ ድማ ድርቅን ዓፀቦን ተወሲክዎ ህልውና ህዝብና እናዓረበ ይርከብ። ነዚ ጥፍኣት ደው ብምባል ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ናይ ደቂ ብሄር ሓባራዊ ምርድዳእ ወሳኒ ምዃኑ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እቲ ጥፍኣት ተገቲኡ ህዝብና ዝድሕነሉ ቆራፅ ፖለቲካዊ ውሳነ ንምውሳድ ኣብ ዘድልየሉ ታሪካዊ ምዕራፍ ንርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ህዝብና ንምድሓን ኣገደስቲ ዝብሃሉ መፍትሒታት እናቐመጠ ከምዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ገጢምዋ ዘሎ ፀገም መበገሲኡን መዛዘሚኡ ፖለቲካዊ ምዃኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ መዕለቢ ዝረክብ፡ ትግራይ ብሓድነትን ብስምምዕ ደቃን ክትድሕን ዘኽእል ዘተ ንክግበር ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብማዕረ ዝሓቁፍ ሰለማዊ ናይ ፖለቲካ ዘተ ኣቢሉ ዝመፅእ ርሱን ብሄራዊ ሓድነት እንትፍጠር ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ንስኹም (ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ /TDF) ንዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከይወገንኹም እቲ ፖለቲካዊ ዘተ ዕዉት ክኾን ዘክእል ስራሕቲ ብህፁፅ ክትጅምሩ ታሪኻዊ ፣ ሞራላዊን ሞያውን ሓላፍነት ክትሽከሙን ዋና ናይ መፍትሒ ኣካል ክትኮኑን ፣ ሐዚ እውን ኣይረፈደን እሞ ነቲ ሎሚ ኣቲኹሞዎ ዘለኹም ከይድን ውፅኢቱን ባዕልኩም ዘይትቆፃፀርዎ ወፈራታት ዓፂፍኩም ንዘተ ድሉው ዝኾነ ባይታ ክትፈጥሩን ህዝብና ኣብ ምድሓን ኣወንታዊ ግደ ክትፃወቱን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ነሓሰ 19/2018
መቐለ: ትግራይ

[ ንካልኣይ ግዘ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ]ናብ ፦ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት)መቐለ ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከት ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ገጢምዎ ዘሎ...
26/08/2026

[ ንካልኣይ ግዘ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ]
ናብ ፦ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት)
መቐለ

ዋኒኑ: ንብሄራዊ ዘተ ድልውነት ክተርእዩ ምሕታት ይምልከት

ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ውፅኢት ፖለቲካዊ ውድቀት ምዃኑ ጥሙት እዩ። ከም ብሄር በቢመዓልቱ እንኸፍሎ ዘለና ዋጋ፣ ጀኖሳይድ ምውላዱን ምቕፃሉን ከምዘሎ ኾይኑ፣ ከቢድ ድርቅን ዓፀቦን ተወሲኽዎ ህልውና ህዝብና እናፀልመተ ኣብ ኣፍ ሙሉእ ጥፍኣት በፂሑ ኣሎ። ነዚ ሓደገኛ ኹነታት እዚ ክቕፅል ምፍቃድ፡ ንሙሉእ ጥፍኣት ትግራይ ካብ ምግሃድ ወፃኢ ካሊእ ረብሓ ስለዘየብሉ ፤ እዚ ጥፍኣት ንከይቕፅልን ህዝብና ካብ ህልቂት ንክድሕንን፡ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ቆራፅ ውሳነ ክውስኑሉ ናብ ዘድልየሉ ዓራርቦ ኣቲና ኣለና።

ፖለቲካዊ ውድቀት ትግራይ ዘላቒ ፍታሕ ክረክብ ዝኽእል ብባዕላዊ ዓቕምን ብሓባራዊ ቃልሲ ደቂ ብሄርን ጥራሕ ምዃኑ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ህወሓት ነዚ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ደጋዊ ሓይልታት ዝተንጠልጠለ ፖለቲካዊ መንገዲ ጥራሕ ምኽታል ዘላቒ ፍታሕ ከምዘይኮውን ሐዚ እውን ብህፁፅ ናብ ውሽጣዊ ዘተን ፍታሕን ክመፅእ ምውሳን ኣይመሸየን።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ህዝብና ንምድሓን ኣገደስቲ ዝብሃሉ መፍትሒታት እናቐመጠ ከምዝመፀ ዝፍለጥ ኾይኑ ሎሚ እውን እንተኾነ ህዝብናን ዓድናን ብናይ ባዕልና ብተጋሩ ሓባራዊ ፃዕሪ ኣብ ዝመፅእ ዘላቒ ፍታሕ ንምድሓን እዋኑ ከምዘይሓለፈ ደጋጊምና ነስምረሉ።

ስለዚ ህወሓት ንዝሓለፉ ዓመታት ዝተኸተሎ መንገዲ ኾነ ሎሚ ኣትይዎ ዘሎ ውፅኢቱ ዘይፍለጥን ባዕሉ እውን ዘይቆፃፀሮን ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምግታእ፡ ንብሄራዊ ዘተ ድሉው ክኸውን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደጋጊሙ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ነሓሰ 19/2018
መቐለ: ትግራይ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ተጀማሚሩ ዘሎ ኲናትን ክሊማዊ ለውጢ ኣየር ዝፈጠሮ ድርቅን ስዒቡ፡ ትግራይና ብስቓይ፣ ሞትን ጥፍኣትን ሰብ፣ እንስሳትን ትካላትን ኣብ ዝግለፅ ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣው...
24/08/2026

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ተጀማሚሩ ዘሎ ኲናትን ክሊማዊ ለውጢ ኣየር ዝፈጠሮ ድርቅን ስዒቡ፡ ትግራይና ብስቓይ፣ ሞትን ጥፍኣትን ሰብ፣ እንስሳትን ትካላትን ኣብ ዝግለፅ ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣውን ኢኮኖሚያዊ ረግረግ ጥሒላ ትርከብ። ካብ ፅንተታዊ ኲናትን ስነ ልቦናዊ ስብራቱን መሊኡ ዘይደሓነ ህዝቢ፡ ብድሆታት ተፈጥሮ እውን ተወሳኺ ደልሃመት ፈጢሮምሉ ይርከቡ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ብድሆታት ኲናት ዝተወሰነ ዕረፍቲ ወሲዱ ዝመስል እኳ እተነበረ፡ ኣብ ቀረባ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ደብዳብ ስዒቡ፡ ንፁሃት ደቁ ግዳይ ኾይኖምዎ እዮም። ናብዚ ድርቂን ጥሜትን ዘጥፈኦም ዘለው ደቁን ጥሪቱን ደሚርኻ እንትረአ፡ ብሓቂ ትግራይና ኣብ ጫፍ መሊእኻ ምጥፋእ ከምዘላ ግሉፅ ይኸውን።

ኣይኮነን ኲናት ብሰንኪ ድርቂ ዝመፅእ ጥሜት እውን ሰብ ስራሕ ከምዝኾነ ኹሉ፡ ሰናይን በሊሕን ስራሕ ሰብ ድማ ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ህዝቡ ይወልድ። ነዚ ብምርዳእ 'ተይተታኾስና ኣይንሓድርን' ዝብሉ ኹሎም ሓይልታት፡ ቅድሚ ነገራት ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ምኻዶም ናብ ጠረጴዛን ዘተን ክምለሱ ድማ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።

ሐዚ ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝግበር ቅሉዕ ገበናት ስርዓት ኢትዮጵያ ደው ክብል ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሰብ-ሰራሕ መከራታት ትግራይ ብጥንኩር ብሄራዊ መንግስቲ ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ ዝኣምን ኾይኑ፡ ምልኣተ ህዝብና መደላድል ጥንኩር መንግስቲ ንዝኾነ ፃውዒት ብሄራዊ ጉባኤ ሓቢሩና ክፅውዕ ንላቦ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
18 ነሓሰ 2018
ትግራይ፡ መቐለ

 #ድሕሪ 30 ደቂቃ ክጅምር እዩ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ናይ በይነ መረበ (Zoom) ዘተን ፋይናንሳዊ ምትእክካብ  መድረኽ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ ናትኹም/ናትኽን ኩሉመዳያዊ ሓገዝ ይጠልብ ኣሎ።ተሓወ...
23/08/2026

#ድሕሪ 30 ደቂቃ ክጅምር እዩ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ናይ በይነ መረበ (Zoom) ዘተን ፋይናንሳዊ ምትእክካብ መድረኽ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ ናትኹም/ናትኽን ኩሉመዳያዊ ሓገዝ ይጠልብ ኣሎ።ተሓወሱታ

መደብ ዘተን ምትእኽኻብ ሓገዝን
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ንግዲ ባንክ ፡1000334556143
ኣንበሳ ባንክ : 00110926246-13
GoFundMe
https://www.gofundme.com/f/support-empower-Tigrays-future/wa/s?utm_campaign=fp_sharesheet&utm_content=amp17_tb-amp20_t1&utm_medium=customer&utm_source=whatsapp&lang=en_US

PayPal https://www.paypal.com/ncp/payment/P58BT4QKXDSHN is inviting you to a scheduled Zoom meeting.

Zoom Meeting
Time: Aug 23, 2026 13:00 Eastern Time (US and Canada)
Join Zoom Meeting
https://us06web.zoom.us/j/82196394449?pwd=huLjbwIsdKFEGJ8XGmPRX1cX0tu6xQ.1

Meeting chat link
https://us06web.zoom.us/launch/jc/82196394449

Meeting ID: 821 9639 4449
Passcode: 400523

One tap mobile
+13052241968,,82196394449 #,,,,*400523 # US
+13092053325,,82196394449 #,,,,*400523 # US

Join by SIP
[email protected]

Join instructions
https://us06web.zoom.us/meetings/82196394449/invitations?signature=xJBTSOos77oUOzsfj5awqFkFg8b2ZioFdF-g3RNPskE

ሎሚ  #ሰንበት ዕለት 17/2018 ሰዓት 2:00 ምሸት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ  ናይ በይነ መረበ (Zoom) ዘተን ፋይናንሳዊ ምትእክካብ  መድረኽ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ ናትኹም/ናትኽን ኩሉመዳያዊ ...
23/08/2026

ሎሚ #ሰንበት ዕለት 17/2018 ሰዓት 2:00 ምሸት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ናይ በይነ መረበ (Zoom) ዘተን ፋይናንሳዊ ምትእክካብ መድረኽ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ ናትኹም/ናትኽን ኩሉመዳያዊ ሓገዝ ይጠልብ ኣሎ።ተሓወሱታ

መደብ ዘተን ምትእኽኻብ ሓገዝን
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ንግዲ ባንክ ፡1000334556143
ኣንበሳ ባንክ : 00110926246-13
GoFundMe
https://www.gofundme.com/f/support-empower-Tigrays-future/wa/s?utm_campaign=fp_sharesheet&utm_content=amp17_tb-amp20_t1&utm_medium=customer&utm_source=whatsapp&lang=en_US

PayPal https://www.paypal.com/ncp/payment/P58BT4QKXDSHN is inviting you to a scheduled Zoom meeting.

Zoom Meeting
Time: Aug 23, 2026 13:00 Eastern Time (US and Canada)
Join Zoom Meeting
https://us06web.zoom.us/j/82196394449?pwd=huLjbwIsdKFEGJ8XGmPRX1cX0tu6xQ.1

Meeting chat link
https://us06web.zoom.us/launch/jc/82196394449

Meeting ID: 821 9639 4449
Passcode: 400523

One tap mobile
+13052241968,,82196394449 #,,,,*400523 # US
+13092053325,,82196394449 #,,,,*400523 # US

Join by SIP
[email protected]

Join instructions
https://us06web.zoom.us/meetings/82196394449/invitations?signature=xJBTSOos77oUOzsfj5awqFkFg8b2ZioFdF-g3RNPskE

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሳልሳይ ወያነ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ሳልሳይ ወያነ ትግራይ:

Shortcuts

Share