Tigray Education Bureau

Tigray Education Bureau This page only concerns about educational activities of Tigray

15/09/2020

Algebra 1.....

ዝተኸበርኩም ተምሃሮ፣ ወለዲ ተምሃሮን መምህራንን ትግራይና==================================ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይና ተምሃ...
02/04/2020

ዝተኸበርኩም ተምሃሮ፣ ወለዲ ተምሃሮን መምህራንን ትግራይና
==================================
ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይና ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ብፈነወ ብሄራዊ ሬድዮን ሸውዓቲአን ኤፍ ኤማትን ድምፂ ወያነ ትግራይን ከምኡ ውን ብ104.4 ኤፍ ኤም መቐለን ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ፈነውኡ ካብ ዝጅምር ኣስታት ኣርባዕተ መዓልታት ኣቑፂሩ ዝርከብ ትምህርት ብሬድዮ ብምኽንያት ሓፂር ናይ ምድላው ግዘ፣ሸለልትነት ተምሃሮን ትሑት ክትትል ወለድን፣ ምቁርራፅ መብራህቲ፣ ሓልሓሊፎም ዝርኣዩ ናይ ተበፃሕነት ፀገማትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ብሙሉእነት ዋላኳ እንተዘይተብሃለ ከም ቅልጡፍ ፍታሕን ግዝያዊ መማራፅን ግን ዝነኣድን መብዛሕትኡ ተምሃራይ ይከታተሎ ከምዘሎን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እንረኽቦም ዘለና ርኢቶታት ምግንዛብ ክኢልና ኣለና፡፡
እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መርሃ-ግብሪ ክትግበርን ተምሃሮ ብኣግባቡ ክጥቀሙሉን ኣብ ምግባር ግቡእኹም ኣብ ምውፃእ እትርከቡ ወለዲ፣ መምህራንን ኣመራርሓ ቤት-ትምህርትን፣ በብደረጅኡ እትርከቡ ኣመራርሓን ሰብሞያን ትምህርትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን በቶም ተጠቀምቲ ተምሃሮ እናመስገንና እዚ ፕሮግራም ክሳብ ዘሎ ፀዕርታትና ክነሕይልን ናብዚ መስርሕ ዘይኣተና ዝምልከተና ኣካላት ብፍላይ ወለዲ ሓላፍነትና ክነዋፃእ ይግባእ ንብል፡፡
ይኹን ድኣምበር እዚ ዝተጀመረ ግዝያዊ መፍትሒ በዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ፀገማት ከምኡ እውን ንኹሎም ዓይነታት ትምህርትን ድረጃ ክፍልን ዝይምሽፋኑ ብምሉእነት ውፅኢታዊ እዩ ኢልካ ምውሳድ ዝከኣል ከምዘይኮነን ኣብ ቀረባ ናብቲ ንቡር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምእንምለስ ከም ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ተስፋና ልዑል እዩ፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብመሰረት Bloomberg ዝተብሃለ ዓለም ለኻዊ ድሕረ-ገፅ ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ ብምኽንያት እዚ ተላባዲ ቫይረስ ኮሮና/COVID-19/ ብዜካ ሰለስተ ሃገራት ማለት እውን ታይዋን፣ ኩባን ተዛኪስታንን ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብያተ-ትምህርተን ብምዕፃው ስሩዕ ናይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስራሕተን ጠጠው ኣቢለን ይርከባ፡፡
እቲ ብጣዕሚ መገረሚ ኣብ ኣፍንጫ ቻይና ዘላ ታይዋን ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ስሩዕ ትምህርቲ እንዳሃበት ትርኸብ ምዃና እዩ።

እሞኸድኣ ካብ ታይዋን እንታይ ኢና ክንመሃር? መንግስቲ ትግራይና ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ቅልጡፍ ምላሽ እንተሂቡን እኹል ምድላዋት እንተገይሩን ብፍላይ ድማ እቲ ዝግበር ዘሎ ዝተወደደ ስራሕቲ ምክልኻል ማለት እውን ሰብ ሞያ ጥዕና ዝህብዎም ናይ መኸላኸሊ ሜላታት ብጥቡቕ ዲስፕሊን ዘኽብር ሕብረተሰብ እንተሃልዩን ኣብ ውግእ ምክልኻል ኮሮና ኮይንካ እውን ኣብያተ ትምህርቲ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከካይዳ ዝክእላ ምዃነን ፈሊጥና መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝብሉና ብምትግባር ካብተን ቀዲመን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸፈታ ብምኻን ታሪክ ክንሰርሕ ንረባረብ።

"ኩሉ ዓቕምና ንምብቃዕ ተምሃሮና!"

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ 24 መጋቢት 2012 ዓ/ም መቐለ

26/02/2019

Learn Useful List of All Mathematical Symbols You Need to Know in English with Pictures and ESL Printable Worksheets.

Address

Mekelle

Opening Hours

Monday 08:00 - 17:00
Tuesday 08:00 - 17:00
Wednesday 08:00 - 17:00
Thursday 08:00 - 17:00
Friday 08:00 - 17:00

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Education Bureau posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share