ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ Governmental organization

03/09/2026

ቤት ማዘጋጂ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ን2019 ዓ,ም በጀተ ዓመት ልዕሊ 1.8 ቢሊዮን በጂቱ ዝተፋላለዩ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ንምስራሕ ምድልዋቱ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ በጀተ ዓመት 2017/2018 ልዕሊ 680 ሚሊዮን በጀት መዲቡ ብርክት ዝበሉ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከም ዝሰረሐ ኣካያዲስራሕ ቤት መዛጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ገሊፆም።


ኣካያዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ብዛዕባ አብ 2017/2018 ዓ.ም ዝተሰርሑ ዝርገሐ መሰረተ ሎምዓትን ንቐፃሊ ዓመት ዝተሳገሩ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ኣመልኪቶም ንድምፂ ወያነ ትግራይ መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን ኣብ /2017/ 2018 ዓ.ም ኣብ ክሊ ከቢድ ናይ በጀት ሕፅረት ኮይና ብርክት ዝበሉ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ክንሰርሕ ክኢልና ኢና ኢሎም።

ብመሰረት ድሌትን ጠለብን ህዝቢ ኣብ 2018 ዓ,ም በጀተ ዓመት ዝርገሐ ዝስተ ማይ ህንፀት 11ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ፀፀር፥ 4 ኪሎሜትሮ ህንፀት መንገዲ ፅሩብ እምኒ 1.9 ኪሎ ሜትር ብደረጃ ኣስፋልት ድልዉ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ዝንፀፍ ብጠቕላላ ልዕሊ 680 ሚሊዮን ቅርሺ ወፃኢ ዝተገበረሎም ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከም ዝተሰርሑ ስራሕ መካየዲ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ገሊፆም።

ኣብ ኩሎም ስራሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ስድራ ስዉኣት፥ ሓርበኞታት ተጋደልቲ ፥ ደቂ ኣንስትዮ:መናእሰይ:ተጠቀምትን ተሳተፍትን እቲ መሰረተ ልምዓት ከም ዝነበሩን ኣብቲ ተሳጊሩ ዘሎ ከም ዘለዉን ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ገሊፆም።

ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 2019 ዓ,ም በጀተ ዓመት ልዕሊ 1.8 ቢሊዮን በጀት ብምፅዳቕ ብልዕሊ 750 ሚሊዮን ቅርሺ ዝተፈላለዩ ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ንምስራሕን ከምኡ እዉን እቶም ካብ ሕሉፍ ዓመት ዝተሳገሩን ዝርገሐ ፅሩይ ዝስተ ማይ :ዝረገሐ ዉሽጣዉሽጢ መንገዲ ክንሰርሕ ኣብ ሙሉእ ምድላዉ ኣለና ክብሉ ስራሕ መካየዲ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ሓቢሩ።

ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 2019 ዓ,ም ጎኒ ጎኒ መኸተና ድሌት ህዝቢ ከተማና ንምርዋይን ዝዓነወ መሰረተ ልምዓትና ንምሕዋይን ልዕሊ ዝኮነ እዋን ክንሰርሓሉ ዝግባኣና ግዜ ሕዚ እዩ ክብሉ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ ንድወት ገሊፆም።

# ሓየሎም ዳኘዉ

27/08/2026
ኣብ ከተማ ሽረ እ/ስላሰ ኣብ 2018 ዓ/ም ዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሕቲታት ብምግምጋም  ን2019 ዓ/ም ብከተማ ደርጃ ክስርሑ ዝተባሃሉ ናይ ፕሮጀክት መረፃ ብብርኪ ጣብያ ተኻይዱ።
31/07/2026

ኣብ ከተማ ሽረ እ/ስላሰ ኣብ 2018 ዓ/ም ዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሕቲታት ብምግምጋም ን2019 ዓ/ም ብከተማ ደርጃ ክስርሑ ዝተባሃሉ ናይ ፕሮጀክት መረፃ ብብርኪ ጣብያ ተኻይዱ።

Update
05/05/2026

Update

ምልክታ ጨረታቤት ፅ/ት ኣጠ/ምም/ር መሬትን ካዳስተርን ከተማ ሽረ እ/ስላሰ 4ይ ዙር ስሩዕ  ጨረታ ኣብ ዘውፀኦ ንዝተፈልለዩ ግልግሎታት ዝውዕሉ መሬት ብሊዝ ጨረታ ከመሓላልፍ ስለዝደለየ ተጨረ...
22/04/2026

ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅ/ት ኣጠ/ምም/ር መሬትን ካዳስተርን ከተማ ሽረ እ/ስላሰ 4ይ ዙር ስሩዕ ጨረታ ኣብ ዘውፀኦ ንዝተፈልለዩ ግልግሎታት ዝውዕሉ መሬት ብሊዝ ጨረታ ከመሓላልፍ ስለዝደለየ ተጨረቲ ካብ ዕለት 14/08/2018-27/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ክጫረቱን ይዕድም።

05/01/2026

Address

Shire Inda Silase

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ:

Shortcuts

Share