Kibrom Ghirmay

Kibrom Ghirmay መናእሰይ ካብ ርእሰ ሙርከሳ ወጽዮም ገዛእ ርእሶም ክላለዩ ኣ?

16/10/2022
ዝኸበርኩም የሕዋት ኩነታትና ናብ ዝሓሸ ከአንፍት እንተኾይኑ ኩሉ መዳያት ጥዑይ ሕብርተ-ሰብ ንምህናጽ ግዴታ ኣሎና እዩ።ኣብዛ ፔጅ ብዓቕመይ ነቲ ዝኽእሎ ሞያ ከካፍል እየ ኣብ ነብስኹም ዝረአ ...
07/10/2022

ዝኸበርኩም የሕዋት ኩነታትና ናብ ዝሓሸ ከአንፍት እንተኾይኑ ኩሉ መዳያት ጥዑይ ሕብርተ-ሰብ ንምህናጽ ግዴታ ኣሎና እዩ።
ኣብዛ ፔጅ ብዓቕመይ ነቲ ዝኽእሎ ሞያ ከካፍል እየ ኣብ ነብስኹም ዝረአ ምልክትን ኣብ ካላኦት ትሪኢዎ ምልክት ስነ-የእምራዊ ጸገማት ናብ ዝኸፈአ ከይከደ ድማ ብኣጋ ንምክትታል ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።

1 ክፋል

ጽምዋ

ጽምዋ ሓደ ሰብ ምትእስሳር ምስ ካልኦት ፈለጥቱ ይኹን ቤት-ሰቡ ዝተቛረጸ ኮይኑ ክስምዖ ከሎ ከጋጥም ዝኽእል ስምዒት እዩ። በዚ ጸገም እዚ ማለት ጽምዋ ዝስመዖ ሰብ ምስ ካልኦት ጥቡቕን ስምዒታውን ዝምድና የብሉን። ብጽምዋ ዝተጠቕዑ ሰባት ዝተፈላለየ ተሞኩሮታት እዩ ዘለዎም። እቶም ገለ ሰባት በይኖም ክኾኑ ከለዉ ጽምዎ ከምዝስመዖም ክገልጹ እንከለዉ እቶም ካልእ ድማ ምስ ሰባት ከለዉ እዉን ጽምዋ ዝስመዖም እዮም። ጽምዋ እምበኣር ምስ በይንኻ ኩን ምስ ሰባት ክስመዓካ ተኽእሎ ኣለዎ እዩ። ሓደ ሰብ ካብቲ ዘድልዮ ንላዕሊ ምስ ካልኦት ሰባት ዝገብሮ ርክብ ውሑድ እንተኾይኑ፡ ጽምዋ ክለዓል ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ወላ እዉን እኹላት ኣዕሩኽ ወይ ፈለጥቲ እንተ ኣለዉዎ ግን፡ ጽምዋ ክስምዖ ይኽእል እዩ። ከም ኣብነት ዝጥቀስ ድማ እቲ ምስቶም ሰባት ዘለዎ ዝምድናታት ካብቲ ዝደልዮ ንላዕሊ ቅርበት ስለ ዘይኰነ ክኸዉን ምስ ዘይክእል እዩ።

ጽምዋ ዘይእወታዊ ስምዒት እዩ። ብናይ ጓሂ፡ ፍርሒ፡ ባዶነትን ትርጉም ኣልቦነትን ዝገልጽ ስምዒታት ዝተሰነየ ክኸዉን ድማ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። በብእዋኑ ጽምዋ ከጋጥመካ ንቡር እዩ። እዚ ስምዒት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይጠፍእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ጽምዋ ስምዒት ንነዊሕ እዋን ምስ ዚጸንሕ ወይ ምስ ዝገድድ፡ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምርግጋእ ከላዓዕል ይኽእል እዩ። ጽምዋ ካብዚ እዩ ጸገም ዝኸውን፣ ምኽንያቱ ብዘይእወታዊ ሳዕቤን ስለ ተሳንዩ ዘሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ብደገ ሪኢኻ ሓደ ሰብ ጽምዋ ይስመዖ ኣሎ ድዩ ኣይኮነን ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣምር ጽምዋ እዩ፤ ጽምዋ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ።

መልክዓት ጽምዋ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጽምዋ ክንርኢ ንኽእል እይና፤

ማሕበራዊ ጽምዋ
ስምዒታዊ ጽምዋ
ህላወንኣዊ ጽምዋ

ማሕበራዊ ጽምዋ፥- እዚ ሰብ እዚ ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ምርኻብ ስእነት ኣለዎ። እኹላት ኣዕሩኽን ፈለጥትን ዘይምህላው ሓደ ካብቲ ጠንቂ ማሕበራዊ ጽምዋ ዝፈጥር እዩ። ማሕበራዊ ድሌት ኣለዎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግን ኣብ እዋኑ ክራኸብ ዘይምኽእሉ ክፍጠር ዝኽእል እዩ።

ስምዒታዊ ጽምዋ

እዚ ሰብ እዚ ምስ ካልኦት ሰባት ጥቡቕ ቅርበትን ምትእስሳርን ምስ ዘይህልዎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝረአ ኮይኑ ንዕኡ ትመስል ወይ ንዓኣ ዝመስል ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ዝፍጠር እዩ።

ህልዉንኣዊ ጽምዋ

እዚ ብቐንዱ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት እዩ። ማሕበራዊ ርክባት ውሑድ ተራ ኣለዎ። ህላወንኣዊ ጽምዋ ዘለዎ ሰብ ወላ ሓንቲ ክገብር ዘይክእል ጥራይ ዘይኮነ ንሕይወቱ እዉን ክመርሕ ዘሸገሮ ኮይኑ ዝስመዖ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ብዘይ ዝኾነ ትርጉም ዝነብር ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዖ።

ኩሎም እዝሞ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጽምዋታት እውን ብሓባር ክጋጥሙና ይኽእሉ እዮም።

ጠንቅታት ጽምዋ

ሓደ ሓደ ግዜ ንጽምዋ ፍሉይ ጠንቂ ምምልካት ይከኣል እዩ። ኣብነት ድማ ሞት ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ፍሉይ ጠንቂ የለን፣ እንተኾነ ግን ሓያሎ ረቛሒታት ጎኒ ንጎኒ ይጻወቱ እሞ ብሓባር ንሓደ ሰብ ጽምዋ ከም ዝስምዖ የረጋግጹ።

ጠንቅታት ጽምዋ ክኾኑ ዝኽእሉ፤

ሃንደበታዊ ፍጻመ
ውልቃዊ ባህርያት
ናይ ሕብረተ-ሰብ ለዉጢ
ትጽቢታት ኣብ ማሕበራዊ ርክባት

ሃንደበታዊ ፍጻመ

ኣብ ሕይወት ብሃንደበት ዘጋጥም ዓቢ ፍጻመ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቕየር፡ ርክባት ከጠፍኡ ወይ ጥቡቕ ዝምድና ዘይምህላው ከለዓዕል ተኽእሎ ኣለዎ። ገለ ከም ኣብነት ክጥቀስ ካብ ዝኽእል ፍጻመታት ሞት፡ ሕማም፡ ምግዓዝ፡ ስራሕ ኣልቦነት ወይ ፍትሕ እዮም። እዚ ድማ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ይቕይሮ ወይ ድማ ናይ ቀረባ ዝምድና / እትፈትዎ ሰብ ዘይምህላው ይፈጥር።

ውልቃዊ ባህርያት

ውሕስነት ዘይምስማዕ፡ ትሑት ርእሰ-ምትእምማን፡ ሕፍረትን ፍርሒ ምንጻግ ወይ ድኻም ቅርበት ምስ ሰባት ኣብ ምምዕባል ጽምዋ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ባህርያት እዮም።

ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝፍጠሩ ለዉጥታት

ሕብረተ-ሰብ፡- ካብ ዝለመድካዮ ኣከባቢ ምስ ትቕይር እሞ እቶም ዝኸድካዮም ሕብረተ-ሰብ ካብቲ ንስኻ ዝለመድካዮ ማሕበራዊ ምቅርራብ ዝተፈልዩ ምስ ዝኾኑ። እዚ ንዓኻ ዘይልሙድ ተርእዮ ስለ ዝኾነ ምስ እዞም ሕብረተ-ሰብ ምዉህሃድ ክትፈጥር ይእግመካ ከምኡ`ዉን ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምህናጽ ወይ ንምሕላው ዝያዳ ከጸግመካ ይኽእል።

ትጽቢታት ማሕበራዊ ርክባት

ሓደ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎ ዝምድናታት ኣዝዩ ልዑል ትጽቢት ምስ ዝህልዎ እሞ ከምቲ ዝተጸበዮ ምስ ዘይከዉን፡ ቀልጢፉ ተስፋ ክቑርጽ ይኽእል። ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ናይቲ ቅርበት ወይ መጠን ማሕበራዊ ርክብ፡ ስምዒት ጽምዋ ከስዕብ ይኽእል።

መለለይታት ጽምዋ

መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ጽምዋ ምዝራብ የጸግሞም እዩ። ይሓፍሩ ወይ ብዛዕባኡ ከዕልሉ ድፍረት ኣይረኽቡን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብኣግኡ ፍታሕ ምእንቲ ክትረክብ ክትዛረበሉ ኣሎካ። ጽምዋ ውልቃዊ ተመክሮ እዩ ብኸፊል ድማ ሓደ ሰብ ጽምዋ ይስምዖ ድዩ ኣይስምዖን ኩሉ ግዜ ንሓደ ናይ ደገ ሰብ ንጹር ኣይከዉንን። ነዚ ጸገም እዚ ንምፍላጥ ክሕግዙ ካብ ዝኽእሉ ምልክታት ገሊኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ኣብ ኣካላትካ፤

ድኻም ይስመዓካ
ሕማም ርእሲ
ምጭምዳድ ጭዋዳታት
ናይ መግቢ ሽዉሃትካ ይድኣኸም
ስልቹው ትኸዉን

ብመንፈሳዊ መዳይ፥-

ስምዒታት ጓሂ፡ ሕርቃን፡ ተስፋ ምቑራጽ ወይ
ድኹም ርእሰ-ምስልን ትሑት ርእሰ-ተኣማንነትን ይስመዓካ።
ኣብ ካልኦት ሰባት ውሑድ ምትእምማን ይፈጥረልካ ከምኡ ድማ ምስኦም ምህላዉ ትርጉም ኣልቦነት ኮይኑ ይመምዓካ።

ባህርያት:

ድኻም ማሕበራዊ ርክባት
ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ናይ ሓሽሽ

ሓደ ወይ ድማ ልዕሊኡ ካብዞም ተቐሚጦም ዘለዉ ምልክታት ኣሎ። እቶም ምልክታት ብኻልእ ጠንቂ እውን ክግለጹ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ምልክታት ወይ ጥርጣረ ጽምዋ ኣብ ዝስመዓካ ወይ እተስተብህለሉ እዋን ብቕጠታ ናብ ክሕግዘካ ዝኽእል ኪኢላ ክትከይድ ኣሎካ።

መፍትሒታት

ንጽምዋ ንምምካት ሓያሎ መፍትሒታት ኣለዉ። እቶም ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መፍትሒታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ በብኩነታትም ጠንቂ ጽምዋ ይፈላለዩ። ኣብዚ ርዱእ ክኸዉን ዝግበኦ ድማ እቲ ጽምዋ ዝስምዖ ሰብ ነዞም ምልክታት ምስ ፈለጠ ባዕሉ ገለ ፍታሕ ከናዲ ክፍትን ከሎ ዝበለጸ እዩ። ንሱ ወይ ንሳ ባዕሉ ነቲ ምርጫ ክገብሮን ነቲ ኩነታት ንምቕያር ጻዕሪ ክገብር ፍቓደኛ ክኸውንን ኣለዎ ወላ ዉን ናብ ኪኢላ ምስ ከደ ማለት እዩ። ንስኻ ፍቓደኛ እንተዘይኮንካ ንምፍትሑ ዝኸበደ እዩ።

ነዚ መፍትሒ መታን ክትረኽበሉ መጀመርያ እቶም ጠንቅታት ጽምዋ ንኽስመዓካ ዝገበሩ ብግቡእ ተጻሒፉ ክቐርብ ይግባእ። እንታይ እዩ እቲ ጸገም፣ ብኸመይ እዩ ተላዒሉ ኣየኖት ረቛሒታት እዮም ተራ ዘለዎም? እዚ ንጽምዋ ንምምካት መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። መልክዕ ጽምዋ ምፍላይ እውን ምቹእ ፍታሕ ንምርካብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ብድሕሪ እዚ፡ ኣየኖት ንጥፈታት ወይ መፍትሒታት ብዉልቅኻ ኮነ ብዓል ሞያ ንዝወሃብካ ንምዕማም ሓጋዚ እዩ። ኩሉ ግዜ ነቲ ጽምዋ ምሉእ ብምሉእ ምእላይ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ገለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ስምዒት ብዝቐልጠፈ ክጎድል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ገለ ኽፋል እቲ ፍታሕ፡ ሰባት ነቲ ጽምዋ ዝስምዖም ስምዒት ብዝበለጸ ንኸዉጽእዎ ክህሕግዝ ይኽእል እዩ።

ዝቕጽል ብዛዕባ ጸቕጢ ክንርኢ እይና

ኣካፍልዎ/ ሓሳብኩም ኣቐምጡ

ሰሰናዩ
ምንጪ ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ

ኡሱር-ቤት ራኢ!ሓደ ሰብ ሓድሽ ልምዲ ከጥሪ እንተተደልዩ ን 21 መዓልታት ብዘይምቁራጽ  ክደጋግሞ ኣሎዎ ይበሃል።  ህዝበይ ድማ ኣብ ትርኮላታ ሸፋቱ ክኣቱ ከባቢ 60 ዓመታት እዮም ኣላሚዶሞ።...
17/07/2022

ኡሱር-ቤት ራኢ!

ሓደ ሰብ ሓድሽ ልምዲ ከጥሪ እንተተደልዩ ን 21 መዓልታት ብዘይምቁራጽ ክደጋግሞ ኣሎዎ ይበሃል። ህዝበይ ድማ ኣብ ትርኮላታ ሸፋቱ ክኣቱ ከባቢ 60 ዓመታት እዮም ኣላሚዶሞ። ዝተወልዱ ደቁ ከም መሓስእ ክግርሁ እንከለዉ ከም ንቡር እኮ ከም ጤል ደቀይ ናበይ ደሊኻዮም ኢሉ ኣየድምጽን ዛንትኡ ቃንዛ እዩ።

ደቁ ዓመት መጸ ብኣተሓሳስበኦም ተበሪዞም ጉዛኣት ሸፋቱ ክኾኑ ንዓመት ካብ 20- 35 ሽሕ መንእሰያት ናብ ሳዋ ዝበሃል ጫካ ይስደዱ። ብእልፊ ክፍሊ ዘይቆጸሩ ንቡር ዘይፈልጡ እንስሳኻ'ዉን ክሕልዉልካ ኣሜንካ ዘይወሃቡ ወትሃደራት ዓመት ምሉእ ድኬተኦም የስትይዎም፡ ፍታሕ ናይ ኩሉ ብድንቁርና ዝዉስን ወለዶ ይሃንጽ፡ ግዕዝና፡ ስድነት፡ዕዉልና ዝምህሩ ኩሎም ትካላት ኣብዛ ትርኮላታ ኣለዉ።

ኣብዛ ትርኮላታ ዝህነጽ ናይ ጸልማት መጻኢ እዩ ዘሎ፡ እዛ ጸልማት ንዕኡ ሕይወት ምኻና ዝንገሮ መንእሰይ እዩ ዝህነጽ። ኣብዛ ትርኮላታ ደቂ ሓለፍቲ ዝኸብሩሉ፡ እቶም መሳኪን ደቂ ሓረስታይ ድማ ድኬታና ንጸግበሉ እዩ ዘሎ። ኩሉ እዛ ሃገር ናይቶም ዉሑዳት እምበር ናይቶም ብዙሓት ጸልማት ምኻና ትርእየሉን፡ ምስ እዚእም ኣይትጣማማቱ ሓደ ትዕድልቲ የብልኩምን ዘስምዕ መልእኽቲ እዩ ዘለዎ።

ደቂ ኣንስትዮ ብለዉጥ ዝበሃል ሕማም ከምቲ ንቡር ንቕድሚት ገዲፈን ንድሕሪት ዝኸዳሉ ሕማቕ ተርእዮ ኣሎ። መንእሰያት ብሃሩር ተለብሊቦም ብጣንጡ ድቃስ ዝስእንሉ ናብራ እዩ ዘሎ። ኣንጊህካ ተንሲእካ ሸፋቱ ጅበኦም ከይጎድሎም ጊላነትካ ከተርኢ ሞሎቨር ዝበሃል ናይ ሕርሻ ቦታ ብምኻድ ኣብ ጀራዲን ክትሰርሕ ብጥሙይ ከብድኻ ወጀብ ክትብል ተርፍድ። ከይተዕርፍ ምስ ተፈጥሮ ባእሲ ጸጸር ክትኣሪ ኣብ ኣፍ ገዛዉትኻ ከም የህባይ ብዋርድያ እንዳተሓለኻ ትሰርሕ።

እዚ ኩሉ ዛንታ ኣብታ ትርጉም ምንባር እትብል መጽሓፍ ናይ ዘመነ ሂትለር ግዳይ ዝነበረ ዝጸሓፋ እዩ ዘዛኻኽረካ።

እምበኣር ናብዚ ጸልማት እዚ እዮም መናእሰይና ዝለኣኹ።

እቲ ሕቶ ግን ስለምንታይ የጣቕዑ ዶ ኢልኩም ትሓስቡ?
ዓቕሊ ጽበት እዩ፡ ክፋኖ እንከለኹ ዝነበረ ሃዋህዉ ሎሚ ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ኣቦይ'ዉን ክነብዕ እየ ዝዝክሮ።
ደገ ክትወጽእ ይሕሾም ዝወደይ ካብዚኦም እንተኣርሕቕካ ከም ዕድልካ ጥራይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፍእ ከይርኢ ዝብል ዓቕልጽበታዊ ዉሳነ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ድማ ኣደ ትብዓት ቆራጽነት ተባሂሉ ብ ናይ ሓሶት ዛንታ ዝንገራ ወላዲት ስለ ዘላ ስና ነኺሳ ዉሽጣ ከም ዉሽጡ ኣጀኹም እናለት ኣብ ጎደና ወጽያ ማዕረ እታ በጋሚዶ ኣዉተቡስ ተጣቕዕ ኣዶ ኣላ!!!

መልእኽተይ ዘልመዱና ከንፍርሶ ንኽእል እይና፡ ንለምዶ እሩም እንተኾይኑ። እቲ ንሶም ዘጽንትዎ ዘለዉ ወለዶ ከነሰስኖ ንኽእል እይና ኣተሓሳስባና ተተዓርዩ።

ሓደ መዓልቲ ነበራየ-ነብረ ክኸዉን እዩ!!! ንዛንታ ክንስንዶ እይና ከም ግንቢ ባቢሎን ድማ ናይ ጥፍኣት ዛንታ ክበሃል ክነብር እዩ!

ግዳይ እዚ ሕልፈት

05/07/2022

ኣብ ዘወረዱና ሽግራት ምሙጋት መሊሱ የሳቕየና'ምበር ፍታሕ ኣየምጽእን።
ፍታሕ መፍትሒ ምድላይ እዩ።

Adres

Woerden

Openingstijden

Zaterdag 09:00 - 17:00
Zondag 09:00 - 17:00

Telefoon

+31685524554

Website

Meldingen

Wees de eerste die het weet en laat ons u een e-mail sturen wanneer Kibrom Ghirmay nieuws en promoties plaatst. Uw e-mailadres wordt niet voor andere doeleinden gebruikt en u kunt zich op elk gewenst moment afmelden.

Contact De Organisatie

Stuur een bericht naar Kibrom Ghirmay:

Delen