21/09/2026
ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝዉዕል ሓዱሽ ሕጊ ስድራ ጥርናፈ !
ካብ 1 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሩ ሓደስቲ ሕግታት ምጽንባር ስድራቤት ኣብ ግብሪ ክዉዕሉ ክጅምሩ እዮም። እዞም ሕግታት ነቶም ኣብ ሽወደን ስድራ ቤት ክጥርንፉ ዝደልዩ ሰባትን፡ ዋላ ነቶም ኣብ ሽወደን ምስ ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ሽወደን ንምንባር መንበሪ ፍቓድ ዝሓቱ ወይ ዘናዉሑን ይምልከት። እዚ ብባይቶ ሽወደን ኣብ 13 ነሓሰ 2026 ጸዲቑ፡ ካብ 1 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝዉዕል ሓዱሽ ሕጊ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ይምልከት።
1. እቲ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ስድራ ክጥናፈ ዝገብር ሰብ፡ ኣብ ሽወደን ንዝተወሰነ ግዜ ዝተቐመጠ ክኸውን ኣለዎ
ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ብምኽንያት ስድራጥርናፈ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተለካ፡ ካብ 1 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሩ ስድራቤትካ ምሳኻ ኣብ ሽወደን ንምንባር ፍቓድ መንበሪ ክረኽቡ ንስኻ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሽወደን ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ። ሓደ ሰብ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ረኺቡ ብዉሕዱ 2 ዓመት ኣብ ሽወደን ከይነበረ ስድራጥርናፈ ክገብር ኣይፍቀድን።
እንተኾነ ግን ገለ ገለ ሕግገታት ዝግበረሎም ሰባት ወይ እዚ ሕጊ ዘይምልከቶም ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሽወደን ዝተዋሃብካዮ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ዑቕባ (flyktingstatus) እንተኾይኑን፡ እቲ ኣብ መንጎኻን ኣባል ስድራቤትካን ዘሎ ዝምድና ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ዝተመስረተ እንተኾይኑን።
2. ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዝተመስረተ ተስፋ ዘለዎ ሰብ እንተኾይኑ
ኣብ ሽወደብ ግዝያዊ ፍቓድ መንበሪ ዘለካ እንተኾይንካ፡ ንኣባል ስድራቤትካ ክትጥርንፍ እንተደሊኻ፡ ኣብ ሽወደን ነዊሕ ግዜ ዝተቐመጥካ ወይ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ናይ ምርካብ “ዝተመስረተ ተስፋ” ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ነቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝወሰዱ ስደተኛታት፡ ነቶም ንተወሳኺ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት (subsidiärt skyddsbehövande) ሰባት የጠቓልል።
3. ናይ ቀለብ (försörjningskrav) ከማልእ ኣለዎ።
ካብ 1 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሩ: ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ብምኽንያት ስድራ ጥርናፈ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓፍ ረኺቡ እንተኔሩ፡ ዋላ ነቲ ዝጸንሖ ግዚያዊ መንበሪ ከሓድሶ እንተኾይኑ፡ ናይ ግድን እቲ ተጸዋዒ ሰብ (anknytningsperson) ስራሕ ክህልዎን ነቶም ስደራ ቤቱ ባዕሉ ናይ ቀለብ (försörjningskrav) ከማልእ ኣለዎ። እዚ ሕጊ እዚ ግን ነቶም ንመጀመርያ ግዜ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ዘመልክቱ ሰባት ጥራሕ ይምልከት።
እዚ ማለት፡ እቲ ሰብ ቅድሚ 1 ጥቅምቲ 2026 ዝተዋህበ መንበሪ ፍቓድ ንምንዋሕ፣ እቲ ኣባል ስድራቤት እንተደንጎየ ክሳብ 1 ጥቅምቲ 2027 መንበሪ ፍቓዱ ከናዉሕ ሕቶ ዘቕረበ ሰብ እንተኔሩ፡ እዚ ግጊ ኣይምልከቶን። ንኹሎም ካብ 2 ጥቅምቲ 2027 ንደሓር ዘመልክቱ ሰባት ግን፡እቲ anknytningsperson ናይ ግድን ናይ ቀለብ (försörjningskrav) ከማልእ ኣለዎ።
4. ሓዱሽ ሕጊ መንበሪ ፍቓድ ንመንእሰያት
ብተወሳኺ ካብ 1 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ግብሪ ዝዉዕል ሓዱሽ ሕጊ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ከም ትሕቲ ዕድመ ብምኽንያት ስድራቤታዊ ዝምድና መንበሪ ፍቓድ ዝነበሮም ገለ መንእሰያት ዝምልከቱ ሕግታት እውን ክቕየሩ እዮም።
ገለ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ ዝሰፍሐ ዕድል ክረኽቡ እዮም። ዜጋ ናይ EU/EES እንተዘይኮንካ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት ቅድሚ ናብ ሽወደን ምእታውካ ፍቓድ መንበሪ ክትሓትትን ክትረክብን ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕቶኻ ክንጸግ ይኽእል። ካብ ሽወደን ንኽትወጽእ ወይ ንኽትስጎግ ዉን ውሳነ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
ድሕሪ 1 ጥቅምቲ 2026 ግን ፡ ገለ መንእሰያት ምስ ወለዶም ብምትእስሳር ቀጻሊ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዝሰፍሐ ዕድል ዝህቡ ሕግታት ክትግበሩ እዮም። እዚ ማለት ነቶም ካብ 1 ጥቅምቲ 2023 ድሕሪኡ ብምኽንያት ምስ ወለዶም ብምትእስሳር (ስድራ ጥርናፈ) ኣብ መንጎ 1 ጥቅምቲ 2026ን 31 ታሕሳስ 2027ን፡ መንበሪ ፍቓድ ወሲዶም ዝጸንሑ እሞ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ገለ ኩነታት ካብ ውሽጢ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ንኽትረክብ ዘኽእል ሰፊሕ ዕድል ክፍጠር እዩ።
5. ልዕሊ 18 ዓመት ግን ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾንካን ከም ትሕቲ ዕድመ ፍቓድ መንበሪ ዝነበረካን
ልዕሊ 18 ዓመት ግን ትሕቲ 21 ዓመት እንተኾንካ፡ ከም ውላድ ናይቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ተጸዋዒ ወላዲ (anknytningsperson) ወይ ናይ መጻምድቱ ፍቓድ መንበሪ ዝነበረካ እንተኾይኑ፡ ኣብ ገለ ኩነታት መንበሪ ፍቓድካ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክናዋሕ ይኽእል።
6. 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝኾንካን ከም ትሕቲ ዕድመ ፍቓድ መንበሪ ዝረኸብካን
ዕድሜኻ ካብ 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እንተኾንካ፡ መንበሪ ፍቓድካ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክናዋሕ ይኽእል። ካብቶም ቀንዲ መዐኒታት፡ ምስ ወላዲኻ ብምትእስሳር (እቲ anknytningsperson ናይ ወይ መጻምድቱ) ፍቓድ መንበሪ ዝነበረካ እንተኾይንካ፡ ምስቲ ወላዲ ኣብ ሓደ ገዛ ትነብር እንተለኻ፡ ከምኡ ውን ምስቲ ወላዲ ፍሉይ ናይ ምድግጋፍን ዉክልናን ዝምድና እንተለካ፡መንበሪ ፍቓድካ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክናዋሕ ይኽእል።
ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
21 መስከረም 2026